ዝሕደስ ዘሎ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን የስግእ’ሎ
2025-12-04 16:23:14 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 598 timesኣጉራዊ ጸብጻብ ሰላም (Global peace index) ዝተባህለ ትካል፡ ብ3 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኦ ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሕደስ ዘሎ ግርጭት ነቲ ብዓንተብኡ ተሃዋሲ ዝኾነ ዘይርጉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ክወስዶ ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ብናቱ መዕቀኒ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ዘይርጉኣት ካብ ዝበሃሉ ከባብታት ሓደ ከም ዝኸውን ገይርዎ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። እቲ ኩነታት ትካላዊ ጀኦ ፖለቲካዊ ጸገም ዘስዕብ ኮይኑ ምህላዉ’ውን ጠቒሱ።
ኢትዮጵያ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንምውናን ዘቕርበቶ ቀጥታዊ ሕቶ፡ ነቲ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ከሕድሶን ዝያዳ ከዕርጎን ከምኡ እውን ምስ ኤርትራ ኣብ ሓያል ምስሕሓብ ንክእቱ ከም ዘገደደን ከኣ ኣስፊሩ። ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፡ ናይ ህልውና ጉዳይ ኮይኑ ምቕራቡን ገለ ሓለፍቲ ናይታ ሃገር ደቡባዊት ወደብ ኤርትራ ዓሰብ ብሓይሊ ክንወስዳ ኢና ይብሉ ምህላዎም’ውን ኣቃሊዑ። እዚ ድማ ውጽኢት ውድቀት ኣብ ዲፕሎማሲ ዘመልክት እዩ ኢልዎ።
ኣብቲ ከባቢ እቲ ዝፍራሕ ዘሎ ውግእ እንተተኸፊቱ ኣብቲ ብብዙሕ ቅልውላው ክሕመስ ዝጸንሐ ዞባ፡ መጐዓዝያ ባሕሪ ኣተዓናቒፉ፡ ኣገልግሎት ወደባት ዘሪጉ፡ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ትሕተ ቅርጻ ዘዳኽም ከም ዝኸውን ዘለዎ ስግኣት ድማ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይቲ ብ2020-2022 ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ድሕረ-ባይታ ከም ዘለዎ ድማ ኣመልኪቱ።
ኢትዮጵያ ብወግዒ ኤርትራ ኣንጻረይ ንውግእ ትዳለው ኣላ ብዝብል ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝኸሰሰት ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ኩነታት ንምዝራግ፡ ምስ ጸረ መንግስቲ ኢትዮጵያዊ ጉጅለታት ተሻሪኻ ኣንጻር መንግስቲ ተስልፍ ኣላ ምባሉ ከኣ ሓቢሩ። እዚ ኩነታት ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘይተለምደ ወጥሪ ይፈጥር ከም ዘሎ ከኣኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ’ሎ። ኩሎም እቶም ዝረኣዩ ዘለዉ ምዕባለታት ናብ ኣርሒቕካ ዘይተሓስበሉ ስጉምትታት ከየምርሑ ዝግኣት ከም ዘለዎ ከኣ ኣጠንቂቑ።