ኣሜሪካዊ ኣዛዚ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ኣካይዱ
2025-12-02 11:29:18 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 512 timesጀነራል ዳግቪን ኢንደርሰን ካብ ዝገበሮም ርክባት ሓደ (ኣብ ሶማሊላንድ)
ኣዛዚ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ጀነራል ዳግቪን ኢንደርሰን ኣብ ዝሓለፈ ሱሙን ዑደቱ ብቕርኒ ኣፍሪቃ ጀሚሩ። ኣብቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጉዕዘኡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊላንድን ፑት ላንድን ከም ዝበጸሐ ከኣ ኣብ መዛዘሚ ጉዕዘኡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምሕባሩ ሲኤንኤን (CNN) ሓቢራ።
ጀነራል ዳግቪን ኣብቲ መግለጺኡ፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ሳሕልን ገማግም ምዕራብ ኣፍሪቃን ናይ ፈጠርቲ ራዕዲ ምንቅስቓስ ስግኣት ከም ዘሎ ጠቒሱ መፍትሒኡ ከኣ ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት ኮይንካ ምምካቱ እዩ ኢሉ። ዕላማ መገሻኡ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ኣልሸባብን ኣይሲሲን ሓያል ተጽዕኖ ምፍጣር ምዃኑ ድማ፡ ናይቲ ኣሚሪካዊ ኣዛዚ ኣብ ኣፍሪቃ ህዝባዊ ርክባት ሓቢሩ። ዑደቱ ኣካልቲ ፕረሲደንት ትራምፕን ወተሃደራዊ ጸሓፊ ኣመሪካን ንጸጥታዊ ኩነታት ኣፍሪቃ ቀዳምነት ምስረዖም ምዃኑ’ውን እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ መግለጺኡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ናይተን ዝበጸሐን ሃገራት ዝገበሮ ርክባት፡ “ኣነ ነዚ ዞባ ሓድሽ ኣይኮንኩን፡ ኩሉ ምዕባለታት ይርደኣኒ እዩ፡ ቀንዲ መምጽእየይ ከኣ ምስ መሓዙትና ሃገራት ኮይንካ ኣብቲ ናይ ሓብርና ጸጥታና ሓቢርና ንክንሰርሕ ንምትብባዕ እዩ” ከም ዝበለ እውን ተሓቢሩ። ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ጀነራል ብርሃኑ ጁላን፡ ኣብ ሶማሊላንድ ምስ ፕረሲደንት ዓብደራሕማን ከምኡ’ውን ኣብ ፑትላንድ ምስ ምክትል ፕረሲደትን ሊያስ ዑስማ ዝገበሮ ርክባት ዘተኮረሉ ዛዕባታት ሓደ ዓይነት ኮይኑ፡ ብዛዕባ ከባብያዊ ምርግጋእ ዘተኮረ ጥራይ ምንባሩ ብቲ መግለጺ ተነጺሩ። ንኹሎም ዘተሓሳሰቦም ከኣ ኣንጻር ፈጠርቲ ራዕዲ ምቅላስ ናይ ሓባር ዕማም እምበር ሓንቲ ፍልይቲ ሃገር እትስከሞ ጽዕነት ከምዘይኮነ እዩ።
እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ናይቲ ጀነራል ዑደት እዚ ዝተጠቕሰ ክነሱ፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ልኡላውነት ኤርትራ ንምግሃስ ተካይዶ ዘላ ወፈራ ኣተሓሒዝካን ስሙ ብምጥቃስ “ንናይ ኢትዮጵያ ሃቐነ ምድፋር ልኡላውነት ኤርትራ ደጊፍዎ” ዝቓንኡ ክዝርጋሕ ዝጸንሀ ዜናታት ሓቅነት የብሉን።