ምኽፋት መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ተደናጉዩ
2025-10-23 10:28:52 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 39 timesብ21 ጥቅምቲ 2025 ክኽፈት ተሓሲቡ ዝነበረ ዝተሓደሰ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን በቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ከም ዝተዳጐየ ቢቢሲ ሓቢራ። በቲ ዜና መሰረት እቲ መዓርፎ ነፍርቲ ኣብ 24 ሰዓታት ክልተ ግዜ እዩ ተወቒዑ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝጠቐስዎ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪቲ መጥቃዕቲ ዳግማይ ውሕስነት ናብ ዘየብሉ ደረጃ ወዲቑ’ሎ።
ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ብወገኑ ንሱዳን ትሪቡን ከም ዝገለጾ፡ ብ22 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ደቡባዊ ወገን ከተማ ካርቱም ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ንካላኣይ ግዜ ድሮናት ክዝንብያ ከም ዝተራእያን ሓይሊታት ምክልኻል ኣየር ናይቲ መንግስቲ ኣብ ምክልኻለን ተጸሚዶም ከም ዝነበሩን ሓቢሩ። ድሕሪቲ ድምጺ መከላኸሊ ተኹሲ ከቢድ ነትጒ ከም ዝተወምዐ’ውን ጠቒሱ።
ብ21 ጥቅምቲ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሑ ነቲ ዘጋጠመ ውሱን ጉድኣት ከም ዝተዓዘበ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብወገኖም ኣፍሊጦም። ኣዛዚ እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ጀነራል ዳጋሎ ሕመቲ ብወገኑ፡ ኣብ ሱዳን ዝኾነ ናይ ውግእ ነፈርቲ ዝጥቀማሉ መዓርፎ ነፈርቲ ብድሮን ክውቃዕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ምምሕዳር መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ብወገኑ፡ ኣብ መጻኢ መዓስ ከም ዝኽፈት ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺ ዘየለ ኮይኑ፡ ኣብቲ መኽፈቲ ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ካርቱም ብዝግበር ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር በረራ ክጅመር መደብ ከም ዝነበረ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት “መንገዲ ኣየር ባድር” እትበሃል ናይ ግሊ ኩባንያ፡ ካብ 22 ክሳብ 25 ጥቅምቲ 2025 ሰሪዓቶ ዝነበረት ናይ በረራ መደባት ከም ዝተናውሐ ጠቒሳ ብ26 ጥቅምቲ በረራ ከም ዝህሉ ድማ ኣመልኪታ’ላ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ኣድላይ እንተኮይኑ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኤርትራ ናይ ድሮን ደብዳብ ከም ዝፍጽም ምጥንቃቑ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መድያታት ሓቢረን።