ስሪላንካ ኣብ ኤርትራ ዝተኣስሩ ዜጋታታ ክፍትሑ ጸዊዓ
2025-10-21 07:57:20 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 26 timesመንግስቲ ስሪላንካ ካብ 7 ሕዳር 2024 ጀሚሮም ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ባሕሪ ዜጋታቱ ክፍትሑ ጸዊዑ። እቲ መጸዋዕታ ክሳብ ሕጂ ንምፍታሕ እቶም እሱራት መንግስቲ ኤርትራ ንምዕጋብ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ናብቲ ጉዳይ ቅርበት ዝጸንሖም ወገናት ኣፍሊጦም።
እዞም ዜጋታት ስሪላንካ ኣብ ኩባንያ መራኽብ ኣዘርባጃን ክኢላታት ጸጥታ ኮይኖም እናሰርሑ፡ እተን መራክብ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ናብ ክሊ ባሕሪ ኤርትራ ምስ ዝኣተዋ ምስኣተን ተታሒዞም ዝተኣሰሩ እዮም። መንግስቲ ኤርትራ ነተን ሰለስተ መራኽብን 18 ዜጋታት ኣዘርባጃንን ንዝተወሰነ ግዜ ኣሲሩን ዝጸዓነኦ ንብረት ራስዩን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢጥ 2025 ክፈትሖም እንከሎ እዩ ነዞም 6 ስሪላንካውያን ኣሲሩ ኣትሪፍዎም።
እዞም ዜጋታት ስሪላንካ ኣብቲ ዝተኣስርሉ ግዜ ምስቲ ሒዘምዎ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ምሳርሕታት ናይ መንነት ሰነዳቶም እውን ከም ዝተወስደ ተሓቢሩ። በቲ ሓበሬታ መስረት መንግስቲ ስሪላንካ ዜጋታቱ ንምፍታሕ ብዝተፈላለዩ መንገድታት’ኳ ምስ ኤርትራ ዝርርብ እንተካየደ ውጽኢት ክርከቦ ኣይተኻእለን። ኣብ ርእሲዚ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ስሪላንካ እቶም ግዳያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ኢዱ ከእትዉ’ኳ እንተ ተሓተተ ክሰልጦ ኣይከኣለን። ናይቶም ዝተኣስሩ ግዳያት ናይ ጡረታ ደሞዝ ኣብ ሃገሮም ስለ ዝተኣገደ ስድራቤታቶም ኣብ ጸገም ወዲቖም ከም ዘለዉ ድማ ተሓቢሩ።
ኣብ ካይሮም ዝርከብን ጉዳይ ኤርትራ’ውን ዝምልከቶ ኤምባሲ ሲሪላንካ፡ ነቶም እሱራት ብኣካል ንክበጽሖም ዘቕረቦ ወገዓዊ መጸዋዕታ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ብዘይካዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ተልእኮ ስሪላንካ ብኤምባሲ ኣዘርባጃን ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢሉ፡ ነቶም 6 ሰባት ንምፍታሕ ዝገበሮ ጻዕሪ እውን ኣይተዓወተን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ በቲ ሓደ ወገን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ስሪላንካ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ተራኺቡ ንምዝርራብ መደብ ክህልዎ እንከሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ እሙናት ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ መንግስቲ ሲሪላንካ ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ሽምግልና እሱራት ኣቢሉ ጻዕሩ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።