ጥምሮ ዝጸውዖ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ተኻይዱ
2025-09-21 11:56:24 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 56 timesጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝጸውዖ ወርሓዊ ኣኼባ ኣባላት (ሰዲህኤ)፡ ብ20 መስከረም 2025 ተኻይዱ። ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ “ዲጂታላዊ ቁጠባ” ዝብል ኮይኑ፡ ብዛዕባዚ ዘመናዊ ቁጠባዊ ተርእዮ ሰፊሕ ኣገዳስን ኣስተምህሮ ዝሃበ ናይቲ ዛዕባ ክኢላ ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ኣቦመንበር ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ እዩ።
ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ብዛዕባቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎን በብግዜኡ ቀልጢፉ ዝቀያየርን “ክሪብቶንን ምስኡ ዝተሓሓዙ ምህዞታትን ኣብ ቁጠባዊ ወፍሪ ዘርእዮ ዘሎ ዕቤትን” ሰፊሕን ዝተጸንዐን መብርሂ ሂቡ። ብዘይካዚ ባዛዕባ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ገንዘብን ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ዘርኣዮ ለውጥታትን ዝምልከት መግለጺ’ውን ሂቡ። ቅድሚ ገንዘብ ናብ መድረኽ ዕዳጋ ምምጽኡ ብነገራዊ ናይ ምልውዋጥ ዕዳጋ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ ብጻይ ደስበለ፡ ንግደ ገንዘብ ኣብ ዕቤት ዕዳጋ ክገልጽ እንከሎ ድማ “ናይ ዕዳጋ መራኸቢ” ምዃኑ ብኣብነታት ኣሰንዩ ብቐሊሉ ኣብሪህዎ።
ኣብቲ መብርሂኡ ዝምድና ገንዘብን ወርቅን እውን ዝጠቐሰ ብጻይ ደስበለ፡ ገንዘብ ካብ ላዕሊ ብውሳነ መንግስታት እናተሓትመ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ዝነበረ ምዃኑ ሓቢሩ፡ እቶም ንዓኡ ንምትካእ ዝመጹ ከም ክሪፕቶን ዝኣመሰሉ ዘመናዊ ዲጃታላዊ ምህዞታት ግና ካብ ታሕቲ ዝነቕሉ ኮይኖም፡ ካብ ገንዘብ ዝያዳ፡ ግሉጽነት፡ ዘይምእኩል ኣጠቓቕማ፡ ስሉጥነትትን ውሑስን ምትሕልላፍ ዘተኣታተዉ ምዃኖም ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ተጠቃምነት እዚ ዲጂታላዊ ዘበናዊ ገንዘብ ይሰፍሕ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ናይተን ኣብዚ መዳይ መሪሕ ግደ ዝጻወታ ዘለዋ ሃገራት ኣስማተን ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ሓያል ውድድርን ከም ኣብነት ዘርዚሩ። እቲ ሓድሽ መስርሕ ተጠቃምነት ክሪፕቶን ምስ ዘመናዊ ምዕባለ ንምስጓም ዘኽእል ኮይኑ፡ ክሳራ ንከይጋጥም ቅድሚ ናብ ተግባር ምእታው መጽናዕቲ ምክያድ፡ ጥንቃቐ ምዝውታርን ምስ ቅልጡፍ ለውጥታት ምስጓምን ከም ዘድሊ እውን ኣገንዚቡ።
ድሕሪቲ መበገሲ መግለጺ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ እቲ ምዕባል ሓድሽ ምስ ምዃኑ ብዛዕባ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሕድሮ ስግኣትን ፍርሕን ምስ ተመኩሮታት ብምስናይ ሕቶታት ሓቲቶም፡ ብኣቕራቢ ከኣ ሰፊሕ መብርህታት ተዋሂብዎም።