ኣብ ትግራይ ሓድሽ ውድብ ተመስሪቱ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ መዓርግ ሂቡ

2025-09-21 11:45:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 55 times

 “ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)” ዝተባህለ ውድብ፡ ብ20 መስከረም 2025 ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝተመስረተ ናይቲ ምምስራት ግዝያዊ ኣተሓባባሪ ኣቶ ጉዕሽ ግዳይ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ትግራይ ሓቢረን።  እቲ ብ31 ሓምለ 2025 ካብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከም ዝረኸበ ዝሓበረ ውድብ፡ ኣብዚ መስራቲ ርክቡ ዝምረሓሉ ቅዋምን ማንፌስቶን ከም ዘጽደቐን  ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን ከኣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ን66 ወተሃደራዊ መኮነናት ናብ ዝተፈላለዩ ደረጃ መዓርግ ጀነራልነት ኣደይቡ።

ንውድብ ወለዶ ትግራይ ዝምስርቱ ዘለዉ ተጋሩ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝተፈጥረ ምክፍፋል ኣካልቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ዝነበሩ እዮም። ብዘይካዚ ካብቶም መስረቲ መብዛሕተኦም ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊው ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሕታት ምምሕዳር ትግራይ ተመዲቦም ዝነበሩ በቲ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ሓለነቶም ዝተመንዝዑን ድሕሪኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክኸዱ ተገዲዶም ዝነበሩን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኣቶ ጉዕሽ ግዳይ ኣብቲ መስራቲ ጉባአ፡ ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ናይ ለውጢ ባህጊ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ውድቦም መንእሰይ ትግራይ ነቲ ባህጊ ኣብ ግብሪ ንከውዕል ኩነታት ንከጣጥሕ ዕድል ዝኸፍት እዩ ኢሉ። እዚ ካብቲ ኣቐዲሙ ኣብ መስርሕ ምምስራት ከም ዘሎ ዝጠቐሰ፡ ውድብ ስምረት ትግራይ ተፈልዩ ንገዛእ ርእሱ ዝውድብ ዘሎ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ህወሓት ብወግዒ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣቶ ጉዕሽ ግደይን ናብ ዝምርሑ ሰለስተ ኣካላት ከም ዝተኸፍለ ዘመልክት እዩ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ናብቲ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ብዝምልከት ዘልዕሎ ዘሎ ዓመጸኛ ዛዕባ ብዘድሃበ፡ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስትን ሓይሊ ሕማምን ዝበለን ኣካላት ምምስራቱ ተሓቢሩ። ብ20 መስከረም 2025 ድማ፡ ጐኒንጐኒ’ቲ ናይ ውግእ ፕሮፓጋንዳኡ፡ 4 ናይ ምሉእ ጀነራልነት፡ 2 ናይ ሌፍትናንት ጀነራልነት፡ 17 ናይ ሜጀር ጀነራልነትን 43 ናይ ብሪጌደር  ጀነራልነትን ብድምር ን66 ወተሃደራዊ መኮነናት ዝለዓለ መዓርግ ከም ዝሃበ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

Last modified on Sunday, 21 September 2025 13:56