ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንህላወ 2 ሃገራት ደጊፉ

2025-09-14 19:41:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 233 times

ሓፈሻዊ ኣኼባ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ12 መስከረም 2025 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ጉዳይ እስራኤልን ፍልጥኤምን ንህላወ ክልተ ሃገራት ኣፍልጦ ብምሃብ ክፍታሕ ይግበኦ ዝብል ውሳነ ብዝለዓለ ድምጺ ከም ዝደገፈ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፈን ካብ ዘድመጻ 164 ሃገራት  142 ነቲ ሓሳብ ደገፍ፡ 10 ተቓውሞን 12 ከኣ ተዓቅቦ ከም ዘመዝገባ እቲ ዜና ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነታንያሁ እቲ ውሳነ ምስተወሰነ፡ 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ነቲ “ፍልጥኤም እትበሃል ሃገር ብፍጹም ኣይትህሉን” ብዝብል ከም ዝነጸጎ ተሓቢሩ።

ነዚ ህላወ ክልተ ሃገራት ዝድፍ “ኣዋጅ ነው ዮርክ” ዝተሰምየ ሓሳብ፡ እዋናውን ንድሕሪት ዘይምለስን ንዝተባህለሉ መፍትሒ፡ ቀንዲ ተቓወምቱ እስራኤል ባዕላን ከም ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ናይ ቀረባ መሻርኽታ ሃገራትን ምዃነን ተጠቒሱ።

እቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ተመያይጡ ብዝለዓለ ድምጺ ዘጽደቖ እሞ እንተተግቢሩ፡ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኣቢሉ  ውሕስነትን ቀጻልነትን ዘለዎ ሰላም ከምጽእ ዝኽል ንእስራኤል ፍልስጥኤም ከም ነጻ ሃገራት ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ ብፈረንሳን ሳዑዲ ዕረቢያን ተነዲፉ ዝቐረበ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዝጸደቐ ንድፊ ኣብ ጋዛ ኣንጻር እስራኤል ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ሓማስ፡ ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ እስራኤላውያን ክፈትሕን ዕጥቁ ነቲ ኣፍልጦ ዝወሃቦ መንግስቲ ፍልስጥኤም የረክብን ዝብል ሓሳብ ከም ዝርከቦ ተሓቢሩ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ፍልስጥኤም ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ፍረንሳን ሳዑድያን ነቲ ክትግበር ዘለዎ ዝበሎ ንድፊ ብሓባር ብምቕራበን  ኣመስጊኑ፡ ግቡእ ኣፍልጦ ፍልጥኤም ብዘረጋግጽ ጐበጣ እስራኤል ንከብቅዕ ከም ዝጸውዐ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ኣብዚ ኣኼባ ኢትዮጵያ ዕቃበ ከተመዝግብ እንከላ፡ ኤርትራ ግና ምስተን ምጽቃጥ ዝመረጻ እያ ተሰሪዓ።

Last modified on Sunday, 14 September 2025 21:47