ኣኼባ ኣብ ኢትዮጵያን መልእኽቱን
2025-01-31 22:33:14 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1521 timesብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰሚናር ኣካይዱ ዝብል ዜና ኣብ ኤርትራውያን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ። እዚ ፍጻመ ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብሪጌድ ንሓመዱ ስለ ዝኾነ ዘይኮነ፡ ኣብታ ምስ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣሉታዊ ምትእሳር ዝጸንሓ ጐረቤት ሃገር ዝተጋበአ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብ’ዚ ብዘይፍለ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ተመኩሮ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዘዘኻኽር ስለ ዝኾነ ‘ውን እቲ ካልእ ምኽንያት ኣዛራብነቱ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ዝፈርስ ዘይመስል ዝነበረ ዘይርጡብ ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ከም ዝፈሸለ ዝመልክት ምዃኑ’ውን ካልእ ኣዛራብነቱ’ዩ።
ህላወ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንዲ ነጻነት ኤርትራ ዕድመ ኣለዎ። ብዛዕባ ኣኼባ ምክያድ ንዛረብ ስለ ዘለና ከኣ ኣኼባታት ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ነዊሕ ዝርዝር ኣለዎ። ብዘይካ’ቲ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዝነበረ ሰሚናራትን ጉባአታትን ብደረጃ “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን” ዝተኻየዱ ጉባአታትን ኮንፈረንሳትን ተጠቀስቲ እዮም። ጎንደር፡ መቐለ፡ ሰመራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ደረዘይቲ፡ ኣቃቅን ኣዋሳን ከኣ ካብተን ሰፋሕቲ ርክባት ኤርትራውያን ዝካየደለን ዝነበራ ከተማታት ኢትዮጵያ እየን። እዚ እዩ ከኣ ናይ 27 ጥሪ 2025 ኣኼባ ብሪጌድ ንሓመዱ መቐጸልታ ናይ ዝሓለፉ ኣኼባታት ተቓውሞ ኤርትራ እምበር፡ ናይ መጀመርያ ተርእዮ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ኤርትራ ኣይኮነን ዘብሎ። ብመንጽር ብሪጌድ ንሓመዱ’ውን መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከካይዶ ዝጸንሐ ኣኼባታት እምበር ሓድሽ ኣይኮነን።
እቲ ዝተጠቕሰ ናይ ቅድም ኣኼባታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደሉ ግዜን ሎምን ዘሎን ዝነበረን ኩነታት ዝተፈላለየ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣትው ዝግበኦ እዩ። እቲ ፍሉይ ኩነታት ነቲ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ኣኼባ ኤርትራውያን ክጸልውዎ ባህርያዊ እዩ። እቲ ኩነታት ዝተፈላለየ ምዃኑ ንምብራህ ሓደሓደ መነጻጸሪ ነጥብታት ምጥቃስ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብቲ ቅድም ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኤርትራዊ ውድባት ብጉባአታት ዝጸደቑ መደብ ዕዮታትን ዝተመርጹ መሪሕነታት ዝነበሮም ኮይኖም፡ ብኣንጻሩ ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ዝተዘርግሐ፡ ናይ ዝተፈላለያ ውድባትን ማሕበራትን ኣባላት’ውን ዝሳተፍሉ ህዝባዊ ማዕበል እዩ።
ኣብቲ ቅድም ኣብቲ ፖለቲካዊ መስርሕ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ኤርትራውያን መራሕቲ ውድባት ድሕረ-ባይተኦም ብዘየገድስ፡ ገዳይም ኮይኖም፡ ብዛዕባቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሪሕ ጽልዋ ዝነበሮ ውድብ ህወሓት በሪኽ ኣፍልጦ ዝነበሮም እዮም። እቲ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብቐረባ ዝዋሳእ ዝነበረ ኣካል መንግስቲ ኢህወደግ ዝነበረ ህወሓት ብወገኑ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዝነበሮ እዩ። እዞም ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኼባ ዘካየዱ ኤርትራውያን ኮኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመርሑ ዘለዉ ሰብመዚ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጠኦም ድሩትን ኣብ ሕድሕዶም ክንድቲ ዝድለ ዘይፋለጡን ክኾኑ ከምዝኽእሉ፡ ተመኩሮኦም ይኹን ኣመጻጽእኦም ናብ ቃልሲ ዘመልክቶ እዩ።
ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዝምድናዊ ሚዛን፡ ዘቤታዊ ጉዳዩ ዝወገነን ሰላም ህዝቡ ዘውሓሰን ነይሩ። ብኣንጻሩ፡ ሎሚ ኣኼባ ብርጌድ ንሓመዱ ክካየድ ዘፍቀደ ብብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ውግእን ቁጠባዊ ቅልውላውን ኣብ ዝሳዕረረሉ፡ ብፍላይ ከኣ ምስታ ምስ ፖለቲካ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝምድና ዝጸንሐን፡ ነዊሕ ዝርጋሐ ዶብ ዘለዋን ክልል ትግራይ ኣብ ዘይህዱእ ርክብ ዘሎ እዩ። ተጋሩ ፖለቲከኛታት ኣብ ሕድሕዶም ኣብ ኣዝዩ ዝለዓለ ወጥሪ ኣትዮም፡ ብዛዕባ ሓድሽ ናይ ኣሰላልፋ ሕርያ ብዙሕ ይውረዮም ዘለሉ ኩነታት’ዩ።
መንግስቲ ኢህወደግ፡ ኣብ ምትግባር እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ኳ ይዕንቅጽ እንተነበረ፡ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘስግእ መንግስቲ ኣይነበረን። ብብልጽግና ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ግና ብዕሊ ክሳብ ምውናን ወደብ ዓሰብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምህናጽ ወተሃደራዊ መደበር ዝመጣጠር ጠለባት ዘቃልሕ ዘሎ እዩ።
ስለዚ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ኮይንካ ዝግበር ቃልሲ፡ በቲ ኣብቲ ትዋሰኣሉ ቦታ ዝረአ ፖለቲካዊ ምዕባለ ክጽሎ ስለ ዝኽእል፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህርፋን ንጉዕዞ’ቲ “ንወተሃደራዊ ምድላው እሸባሸብ ኣለኹ” ዝብል ዘሎ ብሪጌድ ንሓመዱ ከም ዝጽለው ብጽሞና ክሓስበሉ ናይ ግድን’ዩ። በዚ መሰረት ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሓት ብደሆታት ከምዘለዉ ክግንዘብ ይግበኦ።
ብሪጌድ ንሓመዱ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ተመኩሮ ቃልሲ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ክመሃረሉ ቅሩብ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን?” ዝብል ተጸንዐን ኣርሒቑ ዝጥምትን መልሲ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ዝሓለፈ ጌጋ ንዘይምድጋም ዝሕግዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ወለዶታት ቃልሲ ናይ ምቅብባል ኣካል’ውን ስለ ዝኾነ።
እቲ ካልእ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ህግደፍን ብልጽግናን ዘይትካላዊ ዝምድናኦም መኺኑ፡ ኣብ ሓያል ምውጣጥን ምጽልላምን ዘለውሉ ተሃዋሲ መድረኽ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት’ውን ኣብ መንጎ’ቲ መቃለሲ ባይታ ዘፍቅድ መንግስትን ፍቓድ ረኺቡ ዝንቀሳቐስ ወገንን ዝፍጠር ናይ ሓሳብ ምውጣት ክህሉ ርዱእ እዩ። ናይቲ ምውጣት ትርጉም፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ዘዕቆቦ ተቓውሞ ረብሓኡ ዝረጋግጸሉ ልኡኽ ገይሩ ክልእኮ ክደሊ እንከሎ፡ እቲ ኣብዘይሃገሩ ኮይኑ ዝቃለስ ወገን ከኣ ናይ ምውሳን ነጻነቱን ክብሪ ሃገሩን ኣሕሊፉ ንዘይምሃብ ክከላኸል ግድን እዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ብብሩህ ዝተራእየ ቅድሚት ዝስራዕን ዝነበረ ብደሆ እዩ።
እዚ ብደሆ ሎሚ’ውን ከም ዝህሉ ርዱእ ኮይኑ፡ “ብሪጌድ ንሓመዱኸ ክሳብ ክንደይኮን ተቐሪብሉ ይህሉ?” ዝብል ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝተራእዩ እሞ ክእረሙ ዝግበኦም ተመኩሮታት ሓደ፡ ፍልልያትካ ወጊንካ ዓቕምኻ ክትእክብ ዘይምብቃዕን ዘይግሉጽነትን ቅድሚት ካብ ዝስርዑ እዮም። እዚ ድኽመት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣብ 2013 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነዊሕ ግዜ ወሲደን ኣብ ዘካየደኦ ዓሚቕ ገምጋም ዝተረዳድኣሉ እዩ።
ብርጌድ ንሓመዱ ምድላዉ ብመንጽር ኣካብነት ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎ፡ ኣብ ጉዕዘኡ ካብ “ጽባሕ ነርክበሉ” ወጺኡ ብትብዓትን ጥንቃቐን ዝርእዮ ክኸውን ይግበኦ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ በቲ ሓደ ወገን ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ኣበይ ይቃለስ ባዕሉ እምበር ህግደፍ ዘይውስነሉ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ጐረቤት ንህግድፍ ሓላል ንደንበ ተቓውሞ ከኣ ሓራም ከምዘይኮነ ዘርኢ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦ ተረኽቦ’ዩ።