ምምዝባል ተጋሩ ሓደ ካብ ሳዕቤናት ውግእ

2026-01-06 20:24:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 144 times

ውግእ ብሓፈሻ ኩሉ ሰላማውን ፖለቲካውን መንገድታት ተዓጽዩካ፡  ምርጫ ምስ ሰኣንካ  ዝእቶ’በር፡ መሰረታዊ መፍትሒ ዘምጽእ ኣይኮነን። ሳዕቤኑ ከኣ ኣዝዩ ከቢድን ኩለ-መደያ’ውን እዩ። ሓደ ካብቲ ብዙሕ ሳዕቤናቱ ናይ ዜጋታት ተገዲዶም ካብ መረበቶም ክመዛበሉን ኣርሒቖም ናብ ስደት ከምርሑ ዝድርኽን ምዃኑ እዩ። ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣንካ ተገዲድካ ዝእተው ቅኑዕ ውግእ ከም ዘሎ ከኣ፡ እቲ  ነዊሕን መሪርን ኤርትራውያን ኣንጻር መግዛእቲ  ተቓሊሶም ዘዕወትዎ  ናይዚ መርኣያን ተመኩሮን እዩ።

ኣብ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምዝባል ኤርትራውያን ካብ መላእ ኢትዮጵያን እቲ ውግእ ካብ ዝተኻየደሉ ከባብን ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ መሪር ከም ዝነበረ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ስንብራቱ  ክሳብ ሎሚ ከምዘይሓወየ ከኣ ኣብ ብዙሓት ግዳያት ዝረአ ዘሎ እዩ። ምምዝባል ምስ ጠጠው ምባል ናይቲ ጠንቁ ዝኾነ ውግእ ዝቋረጽ ዘይኮነ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ከቢድ ጻዕሪ ዳግመ-ምጥያስን ሕውየትን ዝሓትት ከም ዝኾነ  ተመኩሮ ናብ መረበቶም ናይ ዘይተመልሱ ኤርትራውያን ግዳያት የርእየና። 

ኣብ ትግራይ ብ2020-2022 ብዝተኻየድ ንብዙሓት ዘሕዝነን ዘሰንበደን ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይ-ኢትዮጵያን ዘኸተሎ ሳዕቤን ናይ ቀረባ ተመኩሮ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባኡ ምዝንታው ኣየድልን። ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ዓውዲ ተቐርቂሩ  ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ማህሰይቲ ከቢድ ምንባሩ ዘዛርብ ኣይኮነን።  ከምቲ ስነ-ጥበባዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ብዝምድናዊ ዓይኒ ንምርኣይ እንተዘይኮኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እውን ብሰንክቲ ውግእ ኣይተሃስየን ማለት ኣይኮነን።

  እቲ ሳዕቤን፡ ዕንወት ንብረትን ሕልፈት ህይወትን ዝተሓወሶ ኮይኑ፡ ናይ ብዙሓት ተጋሩ ካብ መረበቶም ምምዝባል ከኣ እቲ ዝኸፈአ  ገጽ ናይቲ ውግእ ሳዕቤን ምዃኑ ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ ሓቂ እዩ። ነቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክሳብ ዝምለስ፡ ኣብቲ ዘለዎ ግዝያዊ መጽለልታት መሰረታዊ ነገራት ንምቕራብ፡ ኣህጉራዊ ትካላት ከይተረፉ ክረባረቡ ጸኒሖም እዮም። እንተኾነ እቲ ዝቐርብ ሓገዛት  እኹል ኣብ ርእሲ ዘይዃኑ፡  ኣብ  ምምሕዳሩ ካብ ምክሳስ ናጻ ኣይጸንሐን።

እቲ ብሰንኪ ውግእ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ራያን ወልቃይትን ብብዝሒ ዝተመዛበለ ተግራዋይ፡ ከባቢ 1.2 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ 146 ዘይምቹኣት መዕቆብታት ሰፊሩ ዝሳቐ ዘሎ እዩ። ካብ’ቲ ውግእ ጠጠው ዘበለ ውዕል ፕሮተርያ፡  ዝለዓለ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ዓንቀጻት ሓደ፡ “ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ክምለስሉ ዝኽእልሉ ኩነታት ምጥጣሕ” ምንባሩ ይዝከር። እዚ ዘይምትግባሩ ከኣ እቲ ቀጻልን ዘተኣማምንን ሰላም ከውሕስ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውዕል ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ኣብ ዘስግእ ደረጃ በጺሑ’ሎ። ብስንኪ እዚ ከኣ ነቶም ናብ መረበቶም ክምለሱ ሃንቀው ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ተመዛበልቲ  ተስፋ ይቖርጹ’ለዉ።

እቶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ተመዛበልቲ ስድራቤታት፡ ብሰንኪ መሰረታዊ ቀረብን ብቑዕ መጽለልን ዘይምርካብ ኣደዳ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ማሕበራዊ ጸገማትን ንጥቃዕቲ ኣራዊት ምቅላዕን ኮይኖም፡ ሰማዒ ዘይረኸበ ኣውያቶም ካብ ዘስምዑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከኣ ኣብቲ ተዓቚበምሉ ዘለዉ መጽለሊ ማእከላት “ሰባት ብጥሜት ይሞቱ’ለዉ” ዝብል ዘሰንብድ ሓበሬታ ብመዲያታት ተቓሊሑ። ብፍላይ ኣብቲ ቅድሚ ውግእ ትግራት፡ ኣስታት 15,017 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚበምሉ ዝነበሩ ሕጻጽ፡ ሎሚ ድማ ልዕሊ 14 ሺሕ ተመዛበልቲ ዘለዉዎ፡ እቲ ኩነታት ዝኽፈአ ምዃኑ ይንገር ኣሎ። ብዙሓት በቲ ክስተት ዝሰንበዱ ወገናት ከኣ ጥሙያት ንምዕንጋልን ዕሩቓት ንምኽዳንን ኣብ ዝነኣድ  ምንቅስቓስ ኣትዮም ኣለዉ።

 መሰረታዊ ሕቶ ናይቶም ተምመዛበልቲ፡ “ንሕና ንካለኦት ንሕግዝ እምበር ተጸበይቲ ረዲአት ኣይነበርናን እሞ፡ ሰሪሕና ንቡር መነባብሮና ክንመርሕ ናብ መረበትና ምለሱና” ዝብል እዩ። ኣብ ኣድላይነት ምምላስ ናይዞም  ግዳያት ፍልልይ የለን።  እንተኾነ  ብመንጽርቲ ኣብ ዓንቀጽ 10 ቁጽሪ 4 ውዕል  ፕሪቶርያ፡ “ክልቲኦም ወገናት፡ ብዛዕባ ዘሰሓሕቡ ከባብታት ምስ ሕገመንግስቲ ፈደራላዊ ረፐብሊክ ኢትዮጵያ ብዝሰማማዕ ይፈትሕዎ” ዝብል ሓሳብ  ““ብኸመይን መዓስን ይምለሱ?”   ፍልልይ ይረአ’ሎ  ።

 ነዚ ዓንቀጽ  ምትርጓም ከኣ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ፖለቲከኛታት እውን ተሪር ፍልልያት ፈጢሩ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ምምላሶም እቲ ዝተመልስዎ ቦታ፡ “ብመንን ብኸመይን ይመሓደር?” ምስ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ።

እምበኣር እዚ ምምዝባል ውጽኢት ውግእ ስለ ዝኾነ፡ ዓሚቕን ተደራራብን ፖለቲካውን ምምሕዳራ’ውን ትርጉም ኣለዎ። መሰረታዊ ፍታሕ ዝረክብ ከኣ እቲ ናብቲ ውግእን ሳዕቤኑን ዘብጸሐ ፖለቲካዊ ፍልልይ ክፍታሕ እንከሎ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ነቲ ንዝተመዛበሉ  ዘጋጥሞም ዘሎ ክሳብ ሞት ዘብጽሐ ማሕበራዊ ጸገም ንምክልኻል ግና ከምቲ “ሰብ ንምሕጋዝ ሰብ ምዃን ጥራይ እኹል እዩ” ዝበሃል፡ ናይ ዝኾነ ገባር ሰናይ ህጹጽ ምርብራብ እዩ ዝሓትት። ብመንጽር’ዚ እቲ ዘሰንብድ ሓበሬታ “ሞት ብሰንኪ ጥሜት” ምስተቃለሐ፡ ኤርትራውያን ይኹኑ ካልኦት ወገናትን ብውልቂ ኮነ ብሓባር ዘርእይዎ ዘለዉ “ህይወት ናይ ኣድሕን” ሰናይ ተግባር  ክምስገንን ክተባባዕን ዝግበኦ እዩ።

ነቲ ዝሓለፈን ጋና ሳዕቤኑ ሰባት ዘሳቒ ዘሎን  ውግእ ንድሕሪት መሊስካ ምእራሙ ከምዘይከኣል ርዱእ እዩ። ኣብ መጻኢ ከምዘይድጋም ንምግባሩ ግና፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ኢድ ዘለዎም ኣካላት፡ ብፍላይ ከኣ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ብደሆ ኣሎ  እሞ፡ ኩሉ ኣድላይን ዝከኣልን ዘበለ ዋጋ ክኸፍሉ ቅሩባት ክኾኑ ነዘኻኽሮም። 

ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ጸሚድዎ ዘሎ ዘቤታዊ ውግኣት፡  ነቲ ናብ ኤርትራ ዘቕነዖ ዘሎ፡ ዘይታሪኻዊ፡ ዘይፖለቲካውን ዘይሓላፍነታዊ ወስታ “ንረብሓ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይኮነን” እንብሎ እውን ብመጽር’ዚ ኢና።

Last modified on Tuesday, 06 January 2026 21:28