2025ን 2026ን ኣብ ምትኽኻእ
2025-12-30 12:07:24 Written by ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 106 timesእነሆ “2025 ዛዚምና ናብ 2026 ኣብ እንሰጋገረሉ” እዋን በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክትኣቱ እንከለኻ፡ መጻኢ ሰናይ ክኾነልካ ምምናይ ንቡር እዩ’ሞ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2026ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” ንብል።
እዛ “መጻእኩኹም” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት፡ ጉዕዞኣ እትጅምረሉ ናይ ግዜ ዑደት መስርዑ ሓልዩ ቀጻሊ እዩ። ወዮ ምስቲ ዘዝመጸ ናይ ግዜ ምቕይያር ስለ ዘይንስጉምን ኣብ እዋኑ ክፍጸሙ ዘለዎም ስለ ዘይነተግብርን እዛ ዓመት እዚኣስ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃል፡ ከይተፈለጠትና’ያ ሓሊፋ” ንብል ኢና። ዘይተሓጐስናላ ዓመት እንተኮይና ከኣ፡ ምናልባት ንናትካ ድኽመት ንምሽፋን እውን፡ “እዛ ዓመትዚኣስ እንኳዕ ከደትልና” እንብለሉ ኩነታት’ውን የጋጥም።
ብፍላይ ምስቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሕሱም ኩነታት ክንመዝኖ እንከለና፡ ዓመት መጸት ነቲ ዝጽበየና ናይ ሰላምን ብሓባር ምውፋርን ስለ ዘይበቓዕናዮ፡ “መጻኢ ይቕደወና” ኢልና ኢና ነፋንዋ። እቲ ምቕዳውን ዘይምቕዳውን ግና ካብቶም ተውሳእቲ እምበር፡ ካብቲ ወትሩ ዘይቕየር ሰሙናትን ኣዋርሕን ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ።
እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ፡ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይ’ውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ነቲ ብተፈጥሮ ብናጻ ዝተዋህበና ናይ ግዜ ህያብ ዘይምብኻን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ኣብ ምትኽኻእ ዘለዋ ሓላፊትን ተካኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ዕማም ኣለወን። ንሱ ድማ እቲ ንሕና እንጐዓዞ መስርሕ እዩ። ምእንቲዚ እዩ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ዕዉታት ንክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ኮይና ሰናይ ናይ ዓወት ትምኒት እንገልጽ። ኣብቲ መስርሕ “ክንድቲ ንምነዮዶ ንተግህ ወይ ኣይፋልናን?” ከኣ ብተመኩሮ ከም ዝተዓዘብናዮ ብዳሂ እዩ። ብናትና ድኽመት ኮነ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾኑ ወድዓዊ ምኽንያታት ውጽኢትና ኣንጻርቲ ዝተመነናዮ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ እዩ።
ኣብ ዓመተ 2025፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዎ ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንረብሓ ህግደፍ ዝሸጡን ኤርትራዊ ወገናት ገዲፍካ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ናይቲ ጉጅለ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ብዘይፍለ፡ “ኣጨናቒ እዩ ነይሩ” ምባሉ ከረዳደኣና ዝኽእል’ዩ።
ክሳብ ሕጂ ብዝተዓዘብናዮ፡ ንመጻኢ’ውን ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭካነን በደልን ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቕ፡ ኣብ 2026’ውን ዝገጥመና ብደሆ ካብ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ስለ ዘይከውን፡ ክንቅረበሉ ዝግበኣና’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ወጽዓ ካብዚ እንተነዊሑ፡ ንህልውና ህዝብናን ሃገርናን ዝኸበደ መዘዝ ዘስዕብ ስለዝኾነ። ምእንት’ዚ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ከኣ ሕቶ ሓቢርካ ምቅላስ ንምምላስ፡ ክንጸባበ እነባኽኖ ግዜ ተመሊሱ ስለ ዝሃስየና፡ ነቲ “ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብል ምሳልያዊ ብሂል ክንመሃረሉ ይግባእ።
ህገደፍ ሎሚኸ ካብ ዝሓለፈ ተመኩረኡ ተማሂሩ ደኾን፡ “ናይ ውግእ ከበሮ ካብ ምውቃዕ ይእደብ ይኸውን?” ዝብል፡ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ሕቶ ነይሩ ይኸውን። እንተኾነ ኢሳያስ ብዘይውግእን ህውከትን ስለዘይነብር፡ ካብ ምንዳይ ህውከት ዝዕገስ ኣይኮነን። ድሕሪ ፍሽለቱ ኣብ ውግእ ትግራይ፡ “ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣይክኣቱን እዩ” ዝብል ግምት ዝነበሮም ኤትራውያን’ውን ነይሮም’ዮም። ብግብሪ ከኣ፡ ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝበሃል፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ምእታዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዘቤታዊ ዛዕባ ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ “ምስ ፋኖ ኣምሓራ፡ ሓይልታት ትግራይን ኦሮሞን” ሕግብግብ ይብል ከምዘሎ፡ መዛረቢ ብዙሓት መዲያታት ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኢዱ ኣብ ጉዳይ ሱዳን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ኣብ ምብላሕ ወጥሪ ግብጽን ኢትዮጵያን’ውን ከምኡ።
ካብ ዓመት 2024 ጀሚሩ፡ ዘይርጉእ ኣካይዳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዘይሕጋዊ ሕቶ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምስሕሓብ ዝያዳ ይውጠር ከም ዘሎ ንዕዘቦን ንቃለሶን ዘለና እዩ። ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ኣህጉራውን ዞባውን ትካላትን ከይተረፉ፡ ኣብዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመተ-2026 ናብ ውግእ ገጹ ከይምዕብል ሻቕሎቶም ይገልጹ ኣለዉ። ነዓና ነቶም ሰብ ጉዳይ ከኣ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ዝያዳ ዘሻቕለናን ብትኹረት እንከታተሎን ክኸውን እዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ 2026 ካብ 2025 ኣትወርሶ ዘላ ዘይተፈትሐ ሽግራት እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዝጸንሖ ብዝገደደ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን፡ ሶማልያን ንኤርትራን ህዝባን ብዝጸሉ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ውግእ ዘሻቕል እዩ። ስለዚ ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ስግኣት ውግእ ቀንጢጥካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምስጓም ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ብሓባር ከተኩርሉ ዝግበኦም’ዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ ኩነታት ዩኩረይንን ሩስያን፡ ፍልስጥኤምን እስራኤልን፡ ኢራንን እስራኤልን ከምኡ’ውን ምምሕዳር ሮላንድ ትራምፕ ዝፍትኖ ዘሎ ዶብ ሰገር ናይ ምስፍሕፋሕ ወስታታትን፡ ካለኦትን ኣብ 2025 ኣሻቐልቲ ኮይኖም ዝጸንሑ ኩርነዓት እዮም። ኣብ 2026 ናበይ ገጾም ከም ዝምዕብሉ ድማ ዓለምና ብስግኣት እትጽበዮም ዘላ እዮም። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገራ ዝጸንሑ ስደተኛታት ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ትፈጥሮ ዘላ ስንባደ’ውን ኣብ 2026 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥ እዩ።
ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ምስ መላእ ህዝብና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና፡ ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ኣብዚ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኣና ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎ ኣንጻር ህግደፍ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ ሓደ ካብ ድኽመታትና ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። ስለዚ ካብዚ ድኽመት’ዚ ንምውጻእ ብፍላይ ከም ፖሓኤ ጀሚርናዮ ዘለና ጻዕሪ ምድልዳልን ምስፋሕን ኣብ 2026 ካብ ዝጽበዩና ዕማማት ክኸውን እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰልፋዊ መሳርዑ ምድልዳልን ምስፋሕን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓቕምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምሕያልን፡ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኣብ ምስፋሕን ካብ ናይ 2026 ኣጀንዳታቱ ሓደ ገይሩ ክቃለሰሉ እዩ።