ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ወጽዓ ኣብ ኩሉ መዳያት እዩ። እቲ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ዘሎ ዘይሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ብኩራት ብምርጫ ዝቖመ መሪሕነታዊ ትካላት፡ ምኽላእ ናጽነት ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ምስቲ ገደብ ዘየብሉ ግድዱ ዕስክርና ደሚርካ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ናጻ ኮይኑ ከይሓርስን ከይነግድን ብግጉይ ህዝቢ ዘየሳትፍ ፖሊሲታት ኢደ-እግሩ ኣሲርካ ግዳይ ዘይሕጋዊ ንግድን ናይ ራሺን ቁጠባን ከም ዝኸውን ምግባሩ እውን ካልእ ናይቲ ጭቆና መልክዕ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ከም ዘሎ፡ ኣብ መዳያት ሕክምናን ትምህርትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ስእነት ዝኾነ ዓይነት መድሃኒት፡ ኣብ ስእነት ፍትሒ፡ ኣብ ኢደ ወነናዊ ኣልማማ ማእሰርትን ኣብዚ ሃገርዚ ተራእዩ ዘይበሃል ኣተሓሕዛ እሱራትን ግህሰትን ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን እንተሪኢና፡ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ከጋጥም ኢልካ ዘይትግምቶ ድሑር እዩ። ህዝብና ከኣ ስም ጥራይ ሒዛ ኣብ ዝተረፈት ሃገር “ቋሕ ተበልካ ሰማይ፡ ሰም ተበልካ ምድሪ” ኮይንዎ፡ ከምቲ “ናተይ ኢንተልካዮ መቓብር እውን ይመውቕ” ዝበሃል፡ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ኣብ ጸልማት ይነብር ኣሎ። መራሒ ህግደፍ እውን ባዕሉ “ኩሉ ነገር የለን”  መግለጺ ኤርትራዊ ህይወት ምዃኑ ብዘይሕፍረት  ብተደጋጋሚ ዝገለጾ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልሙት ህይወት ከም ዝነብር ዝገበሮ ከምቲ ከመሳምሶ ዝፍትን፡ ዓቕሚ ስኢኑ ወይ ከኣ ናይ ግዳም ሓይልታት ስለ ዝኣገድዎ ኣይኮነ። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ዘይጉዳዩ እንዳተዋግአ፡ ምስምሳቱ ቦታ የብሉን። ቀንዲ ምኽንያቱ እምበኣር  ህዝቢ ኤርትራ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕቶኡ ተመሊስሉ  ንስልጣኑ ዝፈታተን ሕቶታት ከየቕርበሉ ስለ ዝሰግእ እዩ። እዚ  እቲ ጉጅለ “ህዝቢ ኣእሚንካን ሕቶታቱ መሊስካን ዘይኮነ፡ ኣገዲድካን ገጽ ከሊእካንዩ ክምራሕ ዝግበኦ” ብዝብል እኩይ ኣተሓሳስባ ከም ዝምራሕ ዘርኢ እዩ። እቲ ካልእ እቲ ጉጅለ ዝጥቀመሉ ስልቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቀኛ ኩነታት ከይፍለጥ፡ ዘይመንግስታዊ ሚድያታት ዓጺኻን ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ናብ ኤርትራ ከይኣትዋ ከልኪልካን ነቲ ሓቀኛ ምስሊ ምሕባእ ኮይኑ ጸኒሑ። ሎሚ ሎሚ ግና ሳላ ዕቤት ናይቲ ሰንጢቕካ ናይ ምእታው ዓቕሚ ዘለዎ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ምሕባእ ዓቕሙ ተዳኺሙ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉጅለ ኮሚሽነራት ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ምእታዉ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።

ሓቢእካ ዘይሕባእ ዓለም ዘጨነቐ፡ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ወራር ካብ ዘካይድ ድሮ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዚ ክስተት ምስ ኣጋጠመ እውን ጉጅለ ህግደፍ ንዝተወሰነ ግዜ በቲ “ርኡይ ናይ ምሕባእ” ባህሪኡ ቀጺሉ። ደሓር ግና ድሕሪ ክንደይ ምዕጥጣይ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተኸሰተ ተኣሚኑ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ ጉድኣት እንዳ ነከየ ነቲ ማህሰይቲ ከነኣእሶ ፈቲኑ። ብግብሪ ግና ዋላውን እቲ ንዓለም ዝንገር ይውሓድ እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ለበዳ ካብ ምልካፍን ሙማትን ኣይደሓነን። ዓለምና በዚ ኩነታት ተጨኒቓ ዝሓሸ ዓቅሚ ዘለወን ሃገራት ነተን ዓቕሚ ዘየብለን መከላኸሊ  መሳርሒ ክልግሳ ምስ ጀመራ ህግደፍ ከምቲ ልማዱ ነቲ ልግሲ ነጺግዎ። እዚ ከኣ ካልእ ኮነ ኢልካ ህዝቢ ናይ ምጉዳእ ዕላማ ከም ዝነበሮ ዘርኢ ጭብጢ ኮይኑ ተመዝገበ። ነቲ ህዝቢ ንኸይጥቀመሉ ኣናኣኢሱ ዝነጸጎ መከላኸሊ፡ ሂይወቱ ንምድሓን ግና ተጠቒምሉ እዩ።

ድሕሪ ክንደይ ናይ ሊቃውንቲ ዓለም ምምርማርን ጻዕርን ክታበት ምስተማህዘ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይርህራሀ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብናጻ ክረኽቦ ዝኸኣለ ክታበት  እውን ነፊግዎ። በዚ መሰረት ከኣ ኤርትራ ከምቲ፡ ብምእሳር ጋዜጠኛታት፡ ብብዝሒ ስደተኛታትን ብዝሒ ኣብያተ-ማእሰርትን ቅድሚት እትስረዖ “እንኮ ንህዝባ ክታበት ዝነፈገት ሃገር” ተባሂላ ተመዝጊባ ኣላ። በዚ ከኣ ህዝብና እቲ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ናይ ምክልኻል  ዓቕሚ ኣብ ምሕያል ርኡይ ኣበርክቶ ዘለዎ ክታበት ተነፊግዎ ኣሎ።  ምልስ ኢልና ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዘጋጠመ ዘይሓላፍነታዊ ምዕጻው ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስዚ ምእጋድ   ክታበት ተደሪቡ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ መልከፍትን ሞትን ብኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ መመሊሱ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ በቲ መንግስቲ ብዝሓደሮ ሕማም ሞይቱ እንዳተባህለ ዝቐርብ ዘሎ ኣሃዛት ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዝተፈልየ ምዃኑ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ኣካላት ዝህብዎ ምስክርነት እዩ። ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክገሹ እንከለዉ ናብተን ዝኸድወን ሃገራት  ንምእትው ክታበት ከም ቅድመ-ኰነት ሰለ ዘቕርባ ከይኣትዉ ይኽልከሉ ኣለዉ። ብሰንኪ ዘይምኽታብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ክሕከሙ ብዘይምኽኣሎም ዝሞቱ ኤርትራውያን ኣለዉ።  ደራሲ ተስፋየ ገብራኣብ ካብ ኤርትራ ንሕክምና ናብ ሃገረ ሽወደን ከይዱ ብሰንኪ ዘይምኽታቡ  ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ምምላሱ ካብ ጠንቅታት ሞቱ ሓደ ምንባሩ  ምጥቃሱ ኣብነት እዩ።  ጋንታ ብሽግለታ ኤርትራ ብሰንኪ ኣባላታ ዘይምኽታቦም ናብ ወጻኢ ከይዳ ካብ ምውድዳር ትእገድ ከም ዘላ ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ክቃላሕ ዝቐነየ ዜና እዩ።

 ነዚ ተዓዚቦም ኩነታት ህዝቦም ስለ ዘተሓሳስቦም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ውጻኢ ዝነብሩ 62 ኤርትራውያን ክኢላታት ሕክምና ድምጺ ህዝቦም ኮይኖም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ክታበት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሓሉ ኩነታት ክፈጥር ምሕጽንታ ምቕራቦም ዝተባባዕ እዩ። ብወገኖም ካብኣቶም ዝድለ ከበርክቱ ድልውነቶም ምርግጋጾም ከኣ ዝነኣድ ተወፋይነት እዩ። እቶም ካለኦት ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ብጸጋ ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ክታበት ኮቪድ-19 ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉቲ ንህዝቢ ኤርትራ ተነፊግዎ ዘሎ መሰል እንዳረኸቡ፡ ምስቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝኸልእ ጉጅለ ተጐዝጒዞም “ቀጽሎ፡ ንኺድ ጥራይ” ዝብሉ ወገናት ህዝቦም ይብድሉ ከም ዘለዉን ጽባሕ ከም ዘጣዕሶምን በዚ ኣጋጣሚ ኢደ-እግሮምን ገንዘቦምን ካብ ህግደፍ ክስሕቡ ነዘኻኽሮም።

  

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ናይዚ ከባብና ክቃልሑ ካብ ዝቐነዩ ዛዕባታት ሓደ፡ እቲ “ደደቢት-ሚድያ” ዝተባህለት፡ ብዩቱብ ንኤርትራ ዝምልከት ዘቃለሓቶ መልእኽቲ እዩ። ኣርእስታ “ትግራይ ወናኒት ባሕሪ እያ፡ ባሕሪ ናይ ምውናን ታሪኻውን ሕጋውን መሰል ኣለዋ”  ዝብል ኮይኑ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ግሂሱ ቀይሕ ባሕርናን ወደባትናን ናብ ምውናን ዝዓለመ ወስታ እዩ። ብዛዕባ ተጠቃምነት ወደባት ኤርትራ ኮነ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን ኣይመዛረበን። ምኽንያቱ ተጠቃምነት ንልኡላውነት ኤርትራን ዋንነት ባሕራን ወደባታን ብዘይትክፍ፡ ብፈቓድ ህዝባ፡ ኣህጉራዊ ሕግን እሞ ድማ ናይ ሓባር ረብሓ  ብዝማእከሉ ቅጥዕን ውዑልን ዝትግበር ስለ ዝኸውን።

ብኣመሓደርቲ ደደቢት ሚድያ ክበሃል ዝተሰምዐ ግና፡ ቀይሕ መስመር ልኡላውነትና ሰጊሩ “እታ ዋናታት ዘለዉዋ ሃገር ኤርትራ ናትና እያ” ዘስምዕ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ናይ ቀትሪ ሕልሚ ስለ ዝኾነ፡ ብኹሉ መልክዑ ቅቡል ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ “ህልውና ትግራይ ንምርግጋጽን፡ ዝተወስደ መሬታ ራያን ወልቃይትን ንምምላስ ይቃለስ ኣለኹ” ካብ ዝብል ሚድያ “ጽባሕ ትግራይ ንኤርትራ ወሪራ ባሕርን ወደባትን ክትውንን እያ” ብዝብል፡  ምስ መግዛእቲ ዕድመኡ ብዘብቀዐ ስምዒት ተጐልቢብካ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ተጋራጫዊ ኣካይዳ እዩ።

ኣብ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ትግራይ  ብኸመይ ጸረ ሰላም ሓይልታት ተሳዒሮም ናይዚ ጐረባብቲ ህዝብታት ሰላም ናብ ንቡር ይምለስ ኢሉ ሃንቀው ዝብለሉ ዘሎ እዋን ብኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ፡ ዝተላዕለ ሓሳብ ንህዝቢ ትግራይ ይውክልዩ ዝብል እምነት የብልናን። ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተኸቢቡ ንዓለም እውን ኣብ ዘጨንቕ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኩነታት እናሃለወ፡ ከምዚ ዓይነት ዛዕባ ምልዓል ብሓጺሩ ግጉይ እዩ። እዚ ዝያዳ ንምብራሁ “ተጋሩ ንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወደባቱን ብሓይሊ ክንውንን ኢና” ኢልካ ከተፈራርሕ ምህቃን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታትን ግዜን ቅቡል ኣይኮነን ማለትና  እዩ።

ደደቢት ሚድያ ድምጻ ምስቶም ካብ ቀደሙ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ሎሚ እውን ተስፋ ዘይቆረጹ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስርዑ ኣዝዩ ዘሕዝን ኮይኑ፡ መርገጽ ህወሓት ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዝውክልዩ ዝብል እምነትና ጽኑዕ እዩ። ዝተፈላለዩ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝነጥፉ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ትካላት ዜናን ጸለውቲ ባእታታትን፡ ንቐጻሊ ሰላም፡ ምክብባርን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግምት ኣእትዮም፡ ንዓሻ ድፍረት ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ ዘስምዕዎ ናይ “ዓገብ” ድምጺ ዝድገፍን ሓላፍነታውን እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንጉዳይ ጉርብትና ምስ ህዝቢ ትግራይን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ብመንጽር ፖሊሲ፡ ሰናይ ጉርብትና፡ ናይ ሓባር ረብሓን ሰላምን ኢድ ዘይምትእትታውን እዩ ከመሓድሮ ጸኒሑ። ሕጂ እውን ካብዚ ኣርሑቑ ዝጥምት ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ዝማእከሉ፡ ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛኡ ፈልከት ኣይብልን እዩ። በዚ መዕቀኒ ንጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ኣተሓሳስባ ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ ብዘይንሕስያ ይቃወሞ። ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ኣብ ድሮዚ ናይ ደደቢት ሚድያ ዘይቅቡል ሓሳብ ምዝርጋሑ ብ29 ጥሪ 2022 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባኳ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ፡ ንተግባራት ናይዚ ንኤርትራ ዝጭቁንን ምስ ጐረባብታ ዘዳምን ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ዘቕርቦ ምስምሳት እዝኒ ከይሃበ ብኹሉ ዓቕሙ ክኹንኖን ክቃለሶን ባይቶ ሎሚ’ውን ከም ቅድሚ ሕጂ ይጽውዕ።”  ዝብል ሓሳብ ዝርከቦ ውሳነታት እዩ ወሲኑ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ፡ ኤርትራውያን ካብ ብዙሕነትና ዝነቅል ክመሓድር ዝኽእል ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትኳ እንተለና፡ ብዘይካ ወለቕዘለቕ ጉጅለ ህግደፍን ውሑዳት ደቂ ልቢ ገርሃን ኣንጻር ከምዚ ናይ ደደቢት ሚድያ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር ግህሰት ግና ሓደ ከም ዝኾነና ክርድኡ ነዘኻኽሮም። ንድፍረቶም ብኤርትራውያን ዝወሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ድማ ነዚ እዩ ዘብርህ።

Martyr Abdulrahman Mohammed Ali

ስዉእ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ (ዓብዱልራሕማን ካይሮ)፡ ብ1 ጥሪ 1950 ኣብ ከረን ተወሊዱ። ታሕታዋይን ካልኣይ ደረጃን ትምህርቱ እውን ኣብ ከረን ወዲኡ። ኣብ ኣስመራ ብሞያ ናይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት (Nurse) ድሕሪ ምምራቑ  ካብ 1971-1974 ዓ.ም ኣብ ከረንን ኣቑርደትን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1975 ዓ.ም ምስ ገለ ብጾቱ ካብ ሆስፒታል ኣቑርደት ብርክት ዝበለ መድሃኒትን መሳርሕታትን ሕክምና ሒዞም ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምርካብ ናብ ሱዳን ኣትዩ።

ስዉእ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ፡ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ኣብ ሱዳን ንኤርትራውያን ብናጻ ሕክምናዊ ኣግልግሎት ዘበርከተ፡ ኣብ’ቲ ምእንቲ ናጽነትን ዲሞክራስን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ድማ ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ግቡኣት እውን ዘበርከተ ተቓላሳይ ኣባል ኢዩ ነይሩ።  ስዉእ ዓብዱልራሕማን ካይሮ፡ ብሱዳናውያን ዜጋታት እውን ከይተረፈ ብዝገበሮ ኣገልግሎት ኣዝዩ ምስጉንን ፍትውን ኢዩ ነይሩ።

ተጋዳላይ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ፡ ብ7 ለካቲት 2022 ኣብ ከተማ ፖርትሱዳን ተሰዊኡ። በዚ ኣጋጣሚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንስዉእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም ራሕሱ ድማ የውርደሎም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

 

(ስእሊ ኣነተ ወበር ካብ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ)

ኣነተ ወበር ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ (terrorists)  ናይ ምውጻእ ምይይጥ ይካየድ ከም ዘሎን ብተግባር ክፍጸም ተኽእሎ ከም ዘሎን ብ12 ለካትቲ 2022 ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ከም ዝሓበራ ብእንግሊኛ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ እትሕተም ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ  ገሊጻ። 

እተን ፍልይቲ ልእኽቲ ኣተሓሒዘን፡ እቲ ንህወሓት ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ናይ ምውጻእ ምይይጥ፡ ኣብ ፓርላማ ዝካየደ ምዃኑ ጠቒሰን፡ እዚ እንተደኣ ተዓዊኢቱ ተኹሲ ናይ ምቁራጽን ርክብ ናይ ምቕጻል ተኽእሎን ከም ዝህሉ ሓቢረን።

ኣነተ ወበር፡ ኣተሓሒዘን ብመሰረት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበረኦ ርክብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ “ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ኣሎ”  ዝብል እምነት ከም ዝሓደረን ሓቢረን። ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ኣሎ ዝበላሉ ምኽንያታት ክገልጻ እነከለዋ ከኣ ኣብ ናይ 11 ለካቲት 2022 ዝርርበን  ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዘይምእታዉን ናይ ብዙሓት ብጃምላ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተጋሩ ምፍታሕን ስምዒት ከም ዘሕደረለን ጠቒሰን።  ናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ ብ5 ጉንበት 2021 እዩ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን  ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ብኣዋጅ ቁጽሪ 1176/2020 ኣብ መዝገብ ፈጠርቲ ራኦዲ ኣስፊርዎም።

ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦቦሳንጆ ዝገበረኦ ርክብ ብምጥቃስ ከም ዝበለኦ ከኣ፡ ኣውንታዊ ተስፋ ከም ዘለዎም  ጠቒሰን፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ፡  ዝሓስብዎ ናብ ምቑራጽ ተኹሲ  ምኻድ እዩ ከም ዝበልወን እውን ተዛሪበን።

ኦባሳንጆ ብወገኖም ብ10 ለካቲት 2022 ንናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽን ጉዳያት ፖለቲካን ጸጥታን ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን መብርሂ ሂቦም። ኣብቲ መብርሂኦም ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት፡  ብዛዕባቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘስካሕክሕ  ሰብኣዊ ኩነታትን  ጭቡጥ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕርን ግደ ዞባውን ዓለም ለኻውን ውሁድ ምላሽን ምትሕብባርን ከም ዘድሊ ምጽውዖም  ናይቲ ሕብረት ኮሚሽን ፖለቲካን ጸጥታን ኣፍሊጡ።

(ስእሊ  ዩኒሰፍ UNICEF)

ዩኒሰፍ UNICEF፣ ብ8 ለካቲት 2022 ኣብ ጄኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ኩነታት ቆልዑን ስድራቤታትን ኣዝዩ ኣሰካፊ ከምዘሎ፡ ብፍላይ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ጸገም ከም ዘለዉ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቤት ጽሕፈቱ መበል 18 ሓበሬታ  ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ብዝብል ዝዘርግሖ መግለጺ ምርዳእ ተኻኢሉ።

ዩኒሰፍ UNICEF ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማለት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልያን፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ንዝተጠቕዑ 5.5 ሚልዮን ቆልዑ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከም ዝሃበ ጥቒሱ  ካብኣቶም ናይቶም  1.5 ሚልዮን ዝገደደ ምንባሩ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ እዋንዚ ጐንጽታት፣ ድርቅን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ተደማሚሩ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ከም መርኣያ ናይዚ ኣብዚ  ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን፣ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ቀረባት ማይን መግብን ከምዘድልዮም እቲ ኣህጉራዊ ትካል ቆልዑ ገሊጹ።ብዓንተቦ ዝናብ እንተዘይዘኒቡ ከኣ እቲ ኩነታት ዝያዳ ከም ዝብእስ ኣብቲ ናይ ዩኒሰፍ UNICEF  ሓበሬታ ተጠቒሱ። ካብቲ ተጠቒሱ ዘሎ ሕክምና ናይ ዝረኸቡ  ህጻናት ኣሃዝ እቶም 465,683  ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ካለኦት እዚ ሕክምና ክረኽቡ ዝግበኦም ግና  ዘይረኸቡ 723 ሽሕ ምዃኖም ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ናይቲ ትካል ሰፊሩ ኣሎ።

ዩኒሰፍ UNICEF ኣብ ምቕራብ ክታበት ቆልዑ፡ ቫይታሚን ኤን መኣዛዊ መግብታትን ዘተኮረ  ኣብዘን  ኤርትር እትርከብን ኣርባዕተ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ህወይት ሰባት ንምድሓን፣ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2022 ኣብ ዘሎ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዜ ናይ 123 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ከምዘድልዮ ብምጥቃስ  ናብ ሓገዝቲ ሃገራትን ትካላ ግብረ ሰናይን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

Saturday, 12 February 2022 21:41

Dimtsi Harnnet Sweden 12.02.2022

Written by
Saturday, 12 February 2022 18:08

መርድእ

Written by

ነፍሰሔር ፍስሃ ገብረማርያም

ነፍሰሔር  ክቡር ሓውናን ኣቦናንን ኣቶ ፍስሓ ገብረማርያም (ሓወቦይ)ብሕማም ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል (Nord west krankenhaus) ፍራንክፎርት ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 10-02-2022 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ምህላዉ ምስ መሪር ሓዘና ንሕብር። ሓዘን ዝግበረሉ  ቦታ ኣብ St. Hedwig Gemeinde Elsterstr 18,  65933 Frankfurt Griesheim  (ኣብ ካቶሊካዊት ኪዳነ ምህረት ቤት ክርስትያን ግሪስሃይም ) ኮይኑ፣ ንሰኑይን ሰሉስን ዕለት 14-02-2022 ዕለት 15-02- 2022 ካብ ሰዓት 12.00 ክሳዕ ሰዓት 20.00 ዘሎ ሰዓታት  ተፈቒዱልና ኣሎ። ቅዱስ ፍትሓትን ስነ-ስርዓት ቀብሪን ዝግበረሉ ዕለትን ቦታን ድሒርና ክንሕብር ምዃና ነፍልጥ።

መጓዓዝያ፣ ካብ ፍራንክፎርት ቀንዲ መደበር ባቡራት ንሆክስት ገጸን ዝኸደ Strassenbahn 11 ን 21  

መላእ ስድራቤት

ማእከላይ ባይቶ  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ በ29 ጥሪ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባቲ ብሰንኪ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ውግእን፣ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ለውጢ ናይ ሓባር ጽላል ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፣ ግደ ሰዲህኤ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን ብሰፊሑ ተመያይጡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ዛዕባታት ብዝምልከት ሒዝዎ ዝጸንሐ መርገጻትን ዝምረሓሉ ፖሊሲታትን ተመስሪቱ  ውሳነታት ኣሕሊፉ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ብኣቦመንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል እናተምርሐ ንሓያሎ ሰዓታት ዘካየዶ  ፍሉይ ኣኼባኡ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከምዚ ሒዝዎ ዘሎ እንተቐጺሉ፡ እቲ ኣብ ትግራይን እቲ ውግእ ኣብ ዝበጸሖ ከባቢታት ኢትዮጵያን ዘውረዶን ሕጂውን ዘውርዶ ዘሎን ዕንወትን ህልቂትን ርኡይ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ደቃ ብዘይ ድሌቶም ኣብቲ ውግእ ተጠቢሶም ዝጠፍኡዋ ዘለዉ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባና እውን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ባይቶ ተገንዚቡ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪቲ ኣብቲ ክልተ እዋናዊ ዛዕባታት ዘካየዶ ዓሚቕ ገምጋምን ሰፊሕ ምይይጥን እዞም ዝስዕቡ መደምደምታታትን ውሳነታትን ኣስፊሩ፡

  • ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸስተ ውግእ ንምብላሕ ዝተኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዓቦ ብርሰትን ዕንወትን ኩኑን እዩ። እዚ ብሽርክነት ውግእ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ነቲ ንቡር ሕውነት ክልቲኡ ህዝብታት ኣዚዩ ዝሃሲ፡ ንሉኣላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፣ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ስለ ዝኾነ ከኣ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ደጊሙ ኣውጊዝዎ። ባይቶ ሰ.ዲህ.ኤ ሕጂውን ስርዓት ህግደፍ ብወያነ ኲናት ተኸፊቱና ብዝብል ጉልባብ ካብ ደገፍቱን እናኣፈራርሀ ካብ ዘገድዶም ንጹሃት ዜጋታትን ገንዘብ ይእክብ ምህላዉ ስለዝተገንዘበ ኩሎም እቶም ንመፈጸሚ ጸረ ህዝቢ ስርሒታት ገንዘብ ዝውፍዩ ወገናት ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ ተሪር መጠንቀቕታ ኣመዝጊቡ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ፡ ንተግባራት ናይዚ ንኤርትራ ዝጭቁንን ምስ ጐረባብታ ዘዳምን ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ዘቕርቦ ምስምሳት እዝኒ ከይሃበ ብኹሉ ዓቕሙ ክኹንኖን ክቃለሶን ባይቶ ሎሚ’ውን ከም ቅድሚ ሕጂ ይጽውዕ። ኣብ ርእሲ እዚ ኩሎም እቶም ኣብቲ ውግእ ግህሰት ዝፈጸሙን ብኣዕናዊ ተግባራት ዝሕተቱን ኣካላት ጉዳዮም ብነጻን ዘይሻራውን ኣካል ተጻርዩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ህዝቢ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኑ ከቕርብ ኣኼባ ባይቶ የዘኻኽር። ብዝተተሓሓዘ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት፤ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ገበናት ህግደፍ ድኣእምበር ብእኡ ዝሕተት ከመዘይኮነ ክርድእሉ ነማሕጽን።
  • እዚ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሰፊሑ ዘሎ ውግእ መሰረታዊ ጠንቁ ፍልልይ ሕገመንግስታዊ ኣተረጓጉማን ፖለቲካዊ ኣረዳድኣን ስለ ዝኾነ፡ ማእከላይ ባይቶ ምቕጻል ውግኣት ክፈትሖ ከም ዘይክእል ይኣምን። ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ውግእ ጠጠው ብምባል እቲ ፍልልይ ብዘተ ንክፍታሕ ንዘቕረብዎ ዘለዉ ጻውዒትን ንዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ኣኼባ ባይቶ ደገፉ ኣረጋጊጹ። ክልቲኦም ወገናት ንዘተን ፍታሕን ቅሩባት ክኾኑ ከኣ ጸዊዑ።ንህዝቢ ትግራይን ንኩሎም ብውግእ ዝተሃስዩ ካልኦት ወገናትን በዂሩዎም ዘሎ ሕቶ መሰረታዊ ቀረባት ብህጹጽ ክምለሰሎምን፡ ብሰንኪ’ዚ ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክወሃቦን ኣኼባ ተማሕጺኑ።
  • ብሰንኪ’ቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ክባ ኣእቲኻ ኣደዳ ዓጸቦ ምግባር ዝብል ዕላማ ወረርቲ ሓይልታት ከም ዝቋረጹ ተጌሮም ዘለዉ ኣገልግሎታት ሓይሊ መብራህቲ፡ መስመር ተሌፎንን ኢንተርነትን፡ ማይ፡ ባንክ፡ መጓዓዝያታትን ዝኣመሰሉን ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለሱ ባይቶ ደጊሙ ይጽውዕ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ በቲ ሰኣን መግብን ሕክምናን ዝመውት ዘሎ ህዝቢ መሪር ሓዘን ከም ዝስምዖ ባይቶ ኣስፊሩ። ካብዚ ንምድሓን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝለኣኽ ሰብኣዋ ረዲኤት ንኸይበጽሖ ካብ ምዕንቃፍ ክቑጠቡ ይጽውዕ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተማዛበሉ ኢትዮጵያውያን ከምዚ ዓይነት ኣረሜናዊ ተግባር ከይፍጸምን ረድኤት ኣብ ግዝይኡ ከምዝበጽሖም ክግበርን ድማ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።
  • እቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ መደበራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ገበናትን፡ ኣብ ልዕሊቲ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቱ_(መነባብርኡ) ተመዛቢሉ ኣብ ፈቐዶ መዕቆቢ ቦታታት ዘሎ ህዝቢ ትግራይን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ደብዳባት ነፈርትን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰታትን ጠጠው ክብል፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ግህሰታት ከኣ ሻራ ብዘይብሎም ወገናት ብግቡእ ተጻርዩ ፈጸምቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተትቲ ክኾኑ ኣኼባ ባይቶ ይጽውዕ። ኩሎም ኣህጉራዊ ትካላት ኣብዚ መዳይዚ ክጽዕቱ ከኣ ጸዊዑ።
  • ምሩኻት ውግእ ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግታትን ክትሓዙ፡ ብገበን ዝጥርጠሩ እንተለዉ ከኣ ጉዳዮም ብነጻ ኣካል ክሳብ ዝጻረ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መሰሎም ከይጓደል ዝከኣሎም ክገብሩ።
  • ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንምትእኽኻብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ናብቲ ዝተሓሰበሉ ሸቶ ክበጽሕ ይቀራረብ ምህላዉ ማእከላይ ባይቶ ርእዩ። በዚ መሰረት ሰልፍና ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ ኣብዚ እዋንዚ ግደታ እምበር ምርጫ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ሕቶ ምምስራት ሓቢርካ ዘቃልስ ጽላል ክሳብ ዝዕወት ቃልሱ ቀጻሊ ምዃኑ ባይቶ ወሲኑ። ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ጻዕሮም ከዛይዱ ከኣ ከም ወትሩ ጸዊዑ።

ኣኼባ ባይቶ፡ ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ዘይህዱእ ኩነታት ረብሓን ሰላምን ህዝቢ ሱዳን ብዘውሕስ፡ መንገዲ ንክተሓዝ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

በዚ ኣጋጣሚ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝብድሎ ዘሎ ከይኣኽሎ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ወራራት ፈጢሩ ዘወድኦ ዘሎ ህግደፍ ከይተሓለለ ቃልሱ ከሐይል ደጊምና  ነዘኻኽሮ። ሎሚ እዚ ጉዳይ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እምበር ናይ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ስለ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ብምዃኑ ኣብ መኸተናን ሓድነትናን ኣንጻር ወጻዒ ንኽሕይል ተርኡ ንኽጻወት ንጽወዖ። መላእ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ከኣ ከም ወትሩ ፖሊሲታት ሰልፎምን ውሳነታት መሪሕነቶምን ኣብ ኩሉ መዳያት በቲ ልሙድ ጽንዓቶም ተወፋይነቶም ምዕዋት ክቕጽልዎ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ይጽውዕ።

ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

29 ጥሪ 2022