ዜናዊ ጸብጻብ ኣኼባታት ፖ.ሓ.ኤ
2026-01-25 09:22:16 Written by Neguse Tsegai Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 61 times1ይ ክፋል
ምምሕዳር ውደባዊ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብዕለት 22 ጥሪ 2026 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ዕላማ ናይ’ዚ ኣኼባ፡ ነቲ ብጻውዒት ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ፖ.ሓ.ኤ ብዕለት 17ን 18ን ጥሪ 2026 ዝተኻየዱ ናይ ኣባላት ሓፈሻዊ ኣኼባታት ምግምጋምን ክሳብ መጻኢ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ጽሕፈት ክፍጸሙ ዝግብኦም መደብ ስርሓት ንምትላምን እዩ ነይሩ።
ኣባላት ምምሕዳር ኣቐዲሙ ዝተሰላሰለ ሓፈሻዊ ኣኼባ ብትሕዝቶን ተሳትፎን እወንታዊ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ምብጻሕ ዕድመ ኣኼባ፡ ኣብ’ቶም ኣብ ጨናፍር ኰነ ዞባዊ ስርርዓት ጌና ዘይኣተዉ ዘለዉ ባእታታት ሓበሬታ ብኣግኡ ክበጽሖም ዘይምኽኣሉ ሓደ ካብ’ቲ ሕጽረታት ምንባሩ ተጠቒሱ። ኣኼባ ምምሕዳር ክሳብ መጠረስታ ለካቲት 2026 ክፍጸሙ ዘለዎም ክልተ ኣገደስቲ ናይ ትግባረ-መደባት ድሕሪ ምንጻር፡ ኣባላት ኣብ ከባቢኦም ብትግሃት ንምፍጻሞም ክጽዕቱ ተማሕጺኑ።
ብዕለት 17 ጥሪ ነቲ ኣብ ሰፊሕ ክፋል ክፍለ-ዓለማት ኣመሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ኣፍሪቃ እስያን፥ ብ18 ጥሪ 2026 ከኣ፡ ነቲ ብጀኦግራፊካዊ ኣቐማምጣኡ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ዘለዎ ኣብ ኣውስትራልያን ኒዩዚላንድን ዝርከቡ ኣባላት ዘጠቓለለ ኣኼባታት ፖ.ሓ.ኤ ኢዩ ተኻይዱ። ኣኼባታት፡ ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ብዘቕረበቶ መእተዊ ቃል’ዩ ተኸፊቱ። እቲ ኣኼባ ድሕርቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ንፈለማ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ዕላማኡ ኣብያተ- ጽሕፈት ፖሓኤ ዘሰላስልዎ ዕማማትን ናይ መጻኢ መደባትን ንምሕባር እዩ ነይሩ።
ድሕሪ ምንጻር ዕላማ ናይቲ ኣኼባታት፡ ሓለፍቲ ነፍስወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል ብተርታ መግለጺኦም ከቅርቡ ምዃኖም’ውን ተሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኦቦ መንበር ፖሓኤ፡ ንተሳተፍትን ኣዳለውትን ኣኼባ ብምምስጋን ሰናይ ኣኼባታት ክኸውን ትምኒቱ ገሊጹ፡፡ ኣብ ሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ኲነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ሃገርና ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ምህላዋ፥ ካብ ዘላቶ ሃለዋት ንምውጻእ ቃልስታትና ከነሐይል ከምዘድልየና፥ ከባቢና ብምልኡ ብኲናት ይሕመስ ምህላዉን ዓለምና ሓያላት ንኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን እናጠሓሱ ድላዮም ዝገብሩላ እንዳዀነት ትኸይድ ምህላዋን ኣብሪሁ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 2023 ጀሚሩ ዘየቋርጽ ዘመተን ናይ ውግእን ወረ ውግእን ደበናን የንጸላሉ ብምህላዉ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኰይኑ ኣሎ ኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብቓልስን መስዋእትን ዘረጋገጾ ልዑላውነትን ናጽነትን ኣሕሊፉ ከምዘይህብ እምነት ፖ.ሓ.ኤ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ብዝምልከት ከኣ፡ ኣብ ንጹር መትከላትን ኣብ መጽናዕትን ዝተመርኰሰ ክኸውን ብዕቱብነት ይስርሓሉ ከምዘሎ ኣሚቱ።
ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብወገኑ፡ ንዝሓለፈ ተመኩሮና ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ በይናዊ ምንቅስቓስን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ናይ ውድባት ኣዐዋቲ ከምዘይነበረ ብምግንዛብ፥ ነቲ ኣብ 2024 ዓ.ም ብደረጃ ሰለስተ ጽላላት ክዕመም ዝተጀመረ ሓባራዊ ወፍርን ኣብ 2025 ዝተፈጸሙ ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት፡ ማለት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ሕሰም መነባብሮን ክማላእ ዘለዎ ውሕስነታትን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕን ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተመርኰሰ ልዑላውነትን ሃገራት ምኽባርን ብኣውራኡ ድማ ምቅላዕ ንጨቋኒ ስርዓት ኤርትራን ዝብሉ ዛዕባታት ሓቢሮም ክሰርሑ ምጽንሖም ሓው የውሃንስ ኣስመላሽ ኣብሪሁ። ከምኡ’ውን፡ ምስ ህልዊ ኩነታት ንምግምጋምን ንምግጣምን ርክብ ናይ ሰለስቲኡ ጽላላት ኣብ ሓጺር ሓጺር ግዜ ክግበር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ሓቢሩ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና፡ ምምሕዳር ድሕሪ ምቛሙ፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ክሰላሰሉ ዝጸንሑ ዕማማት ንደገ ዘትኮረ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ጽላል ንዝካየድ ንጥፈታት ቀዳምነት ብምሃብ ክሰርሑን ንዘለዎም ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ንምምላእን ኣብ ቀጻሊ ጻዕርታት ምጽናሖምን ንተሳተፍቲ ድሕሪ ምሕባር፥ ክሳብቲ ዕለተ ኣኼባ ንጥፈታት ፖሓኤ ብጽሑፋትን ብድምጽን ኣብ ህዝቢ ንምብጻሕን ክስርሓሉ ከምዝጸንሐ ሓው ኢስማዒል ገባይታ ሓቢሩ። ዜናዊ ስርሓት ፖ.ሓ.ኤ ናይ ህዝብን ናይ ኩሉ ኣባል ተሳትፎን ምትሕግጋዝን ከምዘድልዮ ድማ ኣሚቱ።
ቀጺሉ ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት፡ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብዛዕባ ውደባ ክንዛረብ እንከለና ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳይና ንዛረብ ኣለና ማለት ኢዩ ኢሉ። መበገሲ መደብ ዕዮ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ድማ ኣብ ሰለስተ ስርዒታዊ መሰላል ማለት ጉባኤ፡ ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚ ኣካልን ብዝህብዎ ዕማማት ከምዝብገስ፡ ነዚ ዕማማት’ዚ ንምፍጻም ድማ ኣብ ውሽጢ ኣባላትን መሪሕነትን ፖሓኤ ሰለስተ ነገራት ከምዘድልዩ ኣመልኪቱ። እቲ ቀዳማይ ሞራላዊ ቅሩብነትን ድልውነትን ኰይኑ፡ ውሽጣዊ ሓያልነት ዝፈጥር እዩ። ሓያልነት ናይ ፖሓኤ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ሓያልነት ናይ ውልቀ ነቲ ጽላል ዘቑማ ውድባት ከምዝምርኮስ፥ እቲ ካልኣይ ውደባዊ ዕዮን ቀጻልነቱን ዝምልከት ክኸውን ከሎ፡ ውደባ መወዳእታ ዘይብሉ ቀጻሊ መስርሕ ከምዝኾነ፡ ብኣሰራርሓ ዝግዛእ፡ ሕጽረታትን ዓወትን ዘለዎ መስርሕ እዩ ክብል ኣብሪሁ። ብዘይካዚ ባዕላዊ ሕጽረታት ናይ ውሽጥና ስለዝኾነ ክንውግዶ ከምእንኽልን ነቲ ወድዓዊ ሕጽረታት ድማ ክንገጥሞ ክምዝግባእ’ውን ጠቂሱ።
ኣስዒቡ፡ ኣብ ቅድሜና ዓበይቲ ዓመታዊ ዕማማት ምህላዎምን ከነዐውቶም ክንንጽሮም ከምዘለናን ድሕሪ ምምልካት፡ ኣብቲ ብሓባር ዘለናሉ ቦታታት ብናይ ሓባር ኣባላት ዝቆማ ዘባታትን ገለ ጨናፍርን ምህላወን፡ ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ክንበጽሖ ዘይከኣልና ቦታታት’ውን ስርርዓትና ንኽንስርት ከምዝግባእን ኣብ ውሽጥና ድልዱል ምትእስሳርን ምትእምማንን ፈጢርና ናብ ህዝቢ ክንወርድ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም ምዃኑን ኣብሪሁ።፡
ይቕጽል……………..