ኣኼባ ምምሕዳር  ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰዲህ ኤ ተኻይዱ

2025-03-10 10:28:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 160 times

ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝተሳተፍሉ ስሩዕ ኣኼባ ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት  ወጻኢ ጉዳይ ሰዲህኤ፡ ብ9 መጋቢት 2025 ተኻይዱ። ኣብዚ ኣባላት ምምሕዳር ካብ ማእከላይ ምስራቅ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝተሳተፍዎ ኣብ ዓመተ 2025 ንካልኣይ ጊዜ ዝተጋበአ  ኣኼባ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን እዩ ተቓኒዑ።

  ዶክቶር ኣኽሊሉ ግርማይ ኣባል ፈጻሚ ሽማገለን  ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይን ሰዲህኤ፡ ድሕሪ ሰላምታን ንጾመ-ኣርበዓን ሮመዳንን ዘለዎ ሰናይ ትምኒትን ምቓራቡ፡  ድሕሪቲ ዝሓለፈ ርክብ ክሳብዚ ካለኣይ ኣኼባ ዝተሰላሰሉ ስረሓትን ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝዕመሙ ዘለዉ ስረሓትን ዝምልከት  ዝርዝር መብርሂ ኣቕሪቡ።  ዶር ኣክሊሉ ኣብ መግለጺኡ ኩሉ ምንቅስቓስና ብደረጃ ፖሓኤ ክኸውን እንከሎ  ዝያዳ ከም ዘድምዕ ንተሳተፍቲ ምግላጹ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተረኽበ ዜና ጠቒሱ።

ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ንመብርሂ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብጽሞና ድሕሪ ብምስማዕ፡ ኣገደስቲ ርእቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ኣብ ለበዋኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኣባላት ናይተን ንፖሓኤ ዘቆማ  ውድባት ኣብ ዝቐልተፈ ተራኺቦም ብሓባር ክሰርሑ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ጠቒሶም ነቲ ኣብ መግለጺ ሓላፊ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ዝቐረበ ርእይቶ ደጊፎም። ብመንጽርቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ዘንጸላሉ ዘሎ፡ ውግእን ወረ ውግእን መሪሕነት ፖሓኤ ውግእ ከስዕቦ ዝኽእል ኩሉ መዳያዊ ክሳራታት ምግንዛብ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ዝያዳ ጻዕርታት ክገብሩን ተጽዕናኦም ከዛይዱን  ህጹጽ መጸዋዕታ ንከቕርብ እውን ተሳተፍቲ  ምምሕጻኖም  ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።

 

Last modified on Monday, 10 March 2025 11:47