መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ፡ ምስ መራሕቲ ጨናፍር ኣኼባ ኣካይዳ
2025-03-16 09:22:01 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 89 timesሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ14 መጋቢት 2025 ምስ መራሕቲ ጨናፍር ኣኼባ ከም ዘካየደት፡ ብኣቦመንበራ ዝተላእከ ጸብጻብ ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ኣብዚ ኣኼባ ካብ ኩለን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ጨናፍር ከም ዝተሳተፋ’ውን ጠቒሱ።
እዚ ምስ መራሕቲ ጨናፍር ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብውሳነ 2ይ ኣኼባ ሽማግለ ዞባ መሰረት ዝተጸውዐ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ከኣ ጨናፍር ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከባ ንምድህሳስ ምንባሩ ተሓቢሩ። ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ዞባ ብጻይ ሃይለ ወልዱ ኣቃውማን ናይ ስራሕ ምክፍፋልን መሪሕነት ዞባ ከመይ ከም ዝመስል ንተሳተፍቲ መብርሂ ሂቡ።
ኣብቲ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር ኣብ ከመይ ደራጃ ከም እትርከብ፡ በቶም ወኪለምወን ዝተሳተፉ፡ ሓያልን ድኹምን ጐድንታተን ዝምልከቱ መብርህታት ተዋሂቡ። ኣብቲ መብርህታት ከም መምዘኒ ዝያዳ ቆላሕታ ዝተዋህቦምን ምይይጥ ዝተኻየደሎምን ነጥብታት፡ ምፍጻም ስሩዕ ግቡኣትን ፍሉይ ኣበርክቶታትን፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን፡ ኣብ ምሕያል ዜናዊ ስረሓት ዘሎ ተሳትፎን ብምትኳር ቀሪቦም።
ኣብ መወዳእታ እዚ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ክቕጽል ብተሳተፍቲ ለበዋ ዝቐረበሉ ኣኼባ፡ ብጻይ ጐይተኦም መብራህቱ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያትን ሰዲህኢ፡ ብዛዕባ ሰልፋዊ ንጥፈታትን ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብን ንተሳተፍቲ ከም ዝሓበረ፡ እቲ ብኣቦመንበር ዞባ ኤውሮጳ ብጻይ ሃይለ ወልዱ ዝተላእከልና ሓበሬታ ጠቒሱ።