ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብ ኣወስትራሊያ ዑደት የካይዳ’ሎ

2025-03-10 18:10:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 337 times

ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ኣወስትራልያ ዑደት የካይድ ኣሎ። ኣቦመንበር ሰልፊ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ ጀማሪ ዑደቱ፡ ብ9 መጋቢት 2025 እዩ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ኣቦመንበር ዞባዊ ሽማግለ ኣወስትራሊያ ምስ ዝርከቦም ኣባላት ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣብዚ ፈላሚ ኣኼብኡ፡ ብሓፈሻ ብደረጃ ሰዲህኤን ፖለቲካዊ ሓይልታ ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ክትግበሩ ተታሒዞም ዘለዉ መደባት፡ ብፍላይ ከኣ ጉዳይ ምንቅስቓሳት መንእሰይን ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ዝምልከቱ ዛዕባታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቕልቀሉ ዘለዉ  ጠንቂ ምልዓል ውግእ ከይኾኑ ዘስግኡ ምንቅስቓሳት ብዝምልከት ንተሳተፍቲ ገሊጹ።

ኣብ መብርሂኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ውግእ ስለ ዘይርብሑ፡ “እምቢ ንውግእ፡ ሕራይ ንሰላም” ዝብል ምንቅስቓስ ከካይዱ  ከም ዝግበኦም ጠቒሱ።  ብሓፈሽኡ ሕብረተ ሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎም መንግስታት እውን እዚ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ናብ  ውግእ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ብሰላም ዝፍተሓሉ መንገዲ ንምርካብ ጻዕሮም ከሕይሉ ህጹጽ መጸዋዕታታት ምቕራብ ኣድላይ እዩ ኢሉ።

ብዛዕባቲ ብኤርትራውያን መንእሰያት ዝካየድ ዘሎ ማዕበላዊ ቃልሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ከኣ፡ ጉዕዘኦም ብሰንኪ ሕጽረት ተመኩሮን ኣስተብህሎን ከይኩለፍ ምሕጋዞም ኣድላይ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይዚ  ንምሕጋዝ ድልዊ ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዓለም ዘለዉ ኣባላት ሰዲህኤ ድማ ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ናይ ምትሕግጋዝ ግዲኦም ከበርክቱ ኣዘኻኺ። ኣተሓሒዙ መንእሰያት ኣባላት ሰዲህኤ ሰልፎም ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ንክድልቡ ይስረሓሉ ከም ዘሎ ኣብሪሁ፡ ንሳቶምውን ነዚ ንምብቃዕን ሓላፍነት ንምስካም ድልውነቶም ከርእዩን  ግቡኣቶም ናይ ምፍጻም ቅሩብነት ንክቕጽልዎ ኣዘካኺሩ።

ድሕርቲ ሰፊሕ መብርሂኡ፡ ብኣባላት ንዝቐረቡ ሕቶታት መሊሱ፡ ሓገዝቲ ለበዋታት ከኣ መዝጊቡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቶም ዝተቐበልዎ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ዑደቱ  ዕዉት ንክኸውን ንዝገበርዎ ኩለ-መዳያዊ ኣቀባብላ፡ ኣብነታዊ ኣበርክቶን ምቅርራብን ኣመጒሱ። ዑደቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣወስትራልያ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝገብሮ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ቀጻሊ ምዃኑ እውን ካብቲ ዝበጻሓና ዜናዊ  ጸብጻብ ምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

Last modified on Monday, 10 March 2025 19:33