ወርሓዊ ኣስተምህሮ ኣባላት ሰዲህኤን ኣኼባ ኣባላት ፖሓኤን ተሰላሲሉ
2025-02-22 20:57:01 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 440 timesኣቐዲሙ ብጥምሮ ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ ዝወጸ ስሩዕ ወርሓዊ መደብ መሰረት፡ ብ22 ለካቲት 2025 ንኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብ15 ለካቲት 2025 ዝተኻየደ ብሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ዝተመርሐ ኣኼባ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ድማ በዚ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ተሰላሲሉ።
ነቲ “ህንጸት ሃገራዊ መንግስቲ ብ‘ምዝማድ ምስ ህንጸት ሃገር፡” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ሓው ኣሰፋው በርሀ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ እዩ። ብጻይ ኣሰፋው ኣብቲ ኣስተምህሮኡ ብዛዕባ ሃገርነትን መንግስቲን ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ምትእሳራትን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ብዛዕባ ኩለ-መዳያዊ ትሕዝቶ ልኡላውነት እውን ዕሙቕ ዝበለ መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ሃገርን መንግስትን ዝምልከት ብኣብነታት ኣሰንዩ ምስ ኣብርሀ ከኣ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ክህሉ ብዛዕባ ዝግበኦ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ውዕልን ተሓታትነትን፡ መንግስቲ ከማልኦ ዝግበኦ ጉዳያትን ዘርዚሩ፡ እዚ ዝምድና ሚዛኑ ሓልዩ ንክቕጽል ኣብ ሕገመንግስቲ ምስፋሩ ወሳኒ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ኣብሪሁ።
ድሕሪዚ ሓፈሻዊ ክለሰ ሓሳባዊ መእተዊ ምቕራቡ ድማ፡ ምስ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ክህልው ትጽቢት ዝግበረሉ ምሕደራ ንምዝማዱ ይሕግዙ ብዛዕባ ዝበሎም ኣገደስቲ ዛዕባታት ስፍሕ ዝበለ ተንታን ኣቕሪቡ። እቶም ብፍላይ ዝተገደሰሎም ዛዕባታት “ምምሕዳር ሃገራዊ ጸጋታትዓይነት፡ ምምሕዳራትን ተደላይነት ዲሞክራሲያዊ ምሕደር፡ ዕላማታት ሃገረ መንግስቲ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ሃገረ መንግስቲ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ሃገረ ኤርትራ፡ ዜጋን ሓጋጊ ስልጣንን ከምኡ’ውን ስልጣንን ዕላማን ሃገራዊ ፓርላማን” ዝብሉ ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ ዝሰፍሩ ንኡሳ ኣገደስቲ ሓሳባት’ውን ብምጥቃስ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣቕሪቡ።
ድሕሪ መግለጺ ተሳተፍቲ ነቲ ኣቀራርባን ትሕስቶን ኣስተምህሮ ንኢዶም ሕቶታት ሓቲቶም ኣድላይ መልሲ ክወሃቦም እንከሎ፡ ኣብ መጻኢ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኻት ክቕጽል እውን ለበዋ ኣቕሪቦም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ15 ለካቲት 2025 ምስ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝነብሩ ኣባላት ፖሓኤ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብዚ ዕለት’ውን ምስ ኣብ ኣወስትራልያን ኒውዘላንድን ዝርከቡ ኣባላት ቀጺሉ። ኣብዚ ኣኼባ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፖሓኤ፡ ካብ ህልዊ ምንቅስቓሳት ፖሓኤ ጀሚሩ ብዛዕባ ብደረጃ ሃገራዊ ዞባውን ኣህጉራውን ዝረአ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ምዕብልናታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ኣብዚ ኣኼባ’ውን ከምቲ ናይ ቅድም፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፖሓኤ፡ ብዛዕባ’ተን ዝመርሕወን ዘለዉ ትካላት ሓጸርቲ ጸብጻባት ኣቕሪቦም ኣባላት ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ክሳተፉ ብዛዕባ ዝኽእልሉ ኣንፈታት ኣመልኪቶም። ተሳተፍቲ ብወገኖም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም መብርሂ ምስ ተዋሂብዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ርክባት ቀጻሊ ንክኸውን ድማ ተማሕጺኖም።