ኤርትራ ዝለዓለ ምልሽውና ምስ ዝሳዕረረለን ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ

2025-02-12 19:32:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 372 times

ኤርትራ ኣብ 180 ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ንብልሽውና (corruption) ዝምልከት መጽናዕቲ 2024፡ ካብ ሚእቲ 13 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ፡ ኣብ መበል 173 ከም ዝተሰርዐት ዓለም ለኻዊ ግሉጽነት (transparency international) ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። ምስ ኤርትራ ማዕረ 13% ብምርካብ ድሕሪት ዝተሳዕራ ሃገራት፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ሊብያን የመንን ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኤርትራ እትርከበን ዝያዳ ዝገደዳ ተባሂለን ዝተመዝገባ ከኣ፡ ሲርያ፡ ቬንዝዋላ፡ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ምዃነን ኣብቲ መጽናዕቲ ተመዝጊቡ።

ኤርትራ ብደረጃ ኣፍሪቃ እውን፡ ካብ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ጥራይ ዝሓሸት ተባሂላ፡  ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ። እዚ መጽናዕቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብልሽውና የለን እንዳተባህለ ዝቐርብ ግጉይ ምጽብባቕ ዘቃልዕ እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ዓለም ለኻዊ ትካል፡  ኣብዚ ናይ 2024 ዳህሳሱ ካብተን ንመጽናዕቲ ዝተመርኮሰለን 180 ሃገራት ክልተ ሲሶ ዝኾና ትሕቲ 50 % ከም ዝረኸባ ጠቒሱ። ንውድቐት እተን ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ዲሞክራሲ ምድኻም ምዃኑ ጠቒሱ፡ ካለኦት ከም ናይ ክሊማ ምቅይያር ዝኣመሰሉ ረቛሕታት ከም ዝርከብዎ’ውን ኣስፊሩ።

ኣተሓሒዙ ድማ ብልሽውና ኣብ ርእሲቲ ንዕቤት ሃገርን ህዝብን ንድሕሪት ዝመስል ምዃኑ፡ ብኩራት ዲሞክራሲ፡ ምርግጋእን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝኸትል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሃገራት ኣንጻርዚ ሓደገኛ ተርእዮ ብልሽውና ምቅላስ ቀዳምነት ሂበን ክሰርሓሉ ከም ዝግባአን ኣስፊሩ። ኣብዚ እዋንዚ ብልሽውና ከም መቐየሪ ፖሊስን ምድኻም ምቁጽጻርን ምሕላው ሚዛንን ይኸውን ከም ዘሎ እውን ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ።

ኣብዚ እዋንዚ 6.8 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓልለም፡ ኣብተን ብናይ ብልሽውና መለክዒ ካብ 50% ንታሕቲ ዝረኸባ ሃገራት ከም ዝነብር ብምጥቃስ፡ ደንማርክ 90%፡ ፊንላንድ 88%፡ ሲንጋፖር ከኣ 84% ብምርካብ ከም ቀዳሞት ዳርጋ ብልሽውና ዘይረኣየለን ሃገራት ሰሪዕወን። ብኣንጻሩ ድማ፡ ደቡብ ሱዳን 8%፡ ሶማሊያ 9%፡ ሲርያ 12%፡ ሊቢያ፡ ኤርትራ፡ የመንን ኢኳቶርያል ጊኒን ከኣ ነፍሲ ወከፈን 13% ብምርካብ ኣብ መወዳእታ  ሰሪዕወን።

ካብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ደሓን ምምሕያሻት የርእያ ኣለዋ ተባሂለን ዝተጠቕሳ ከኣ፡ ኮትዲቭዋር፡ ደሞኒካ ረፖብሊክ፡ ኮሶቮ፡ ኩዌት፡ ሞልደቪያን ዛምቢያን ተጠቒሰን። ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን ሱዳንን ድማ ብቕደም ሰዓብ ኣብ መበል 99፡ 127ን 170ን ተሰሪዐን ይርከባ።

Last modified on Wednesday, 12 February 2025 20:45