ኣብ ካምፓላ ልዕሊ 150 ኤርትራውያን ተኣሲሮም
2024-07-17 09:01:40 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 712 timesወሃቢ ቃል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይ ኡጋንዳ ሲሞን ሙዳይ
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኡጋንዳ ብ15 ሓምለ 2024፡ ልዕሊ 150 ኤርትራውያን ከም ዝኣሰረን መብዛሕትኡ እቲ ማእሰርቲ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኤርትራውያን ኣብ ዝነብርዎ ከባቢ ከም ዝተኻየደን ናይቲ ሚኒስትሪ ወሃቢ ቃል ሲሞን ሙዳይ ሓቢሩ። እቲ ወሃቢ ቃል ከም ዝገለጾ፡ እዞም ኤርትራውያን ዝተኣስሩ ኣብ ጐደናታት ከተማ ካምፓላ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ስለ ዝተዋፈሩ እዩ። እቶም ኤርትራውያን ነቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንጸጥታ ብዘስግእ ብለይቲ እሞ ኣብ ከባቢ ዓበይቲ መንግስታዊ ትካላት ከይተረፈ ከም ዘዘውትርዎ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ወሃቢ ቃል እቲ ማእሰርቲ ክቕጽል ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ፡ ካብቶም ዝተኣስሩ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኮይኖም፡ መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ ስለ ዘይቅበል ናብ ሃገሮም ናይ ምስጓግ ዕድሎም ጸቢብ ምዃኑ ጠቒሱ።
እቲ ጸብጻብ ብምቕጻል ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ኡጋንዳ ይውሕዙ ከም ዘለዉ ኣስፊሩ፡ ምኽንያቶም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት እታ ሃገር ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓደ ውድብ ህግደፍን ስለ ዝወደቐት ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ዘይምህላውን ግዱድ ውትህድርናን ድማ ካብቲ ቀንዲ ጠንቅታት ንህድማ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ምዃኖም ጠቒሱ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኣብዚ እዋንዚ ኡጋንዳ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ስደተኛታት ኣዕቚባ ከም ዘላ ጠቒሱ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሃገራቶም ምንባር ስኢኖም ዝተሰዱ ስለ ዝኾኑ፡ ካብ ዓቕሚ እታ ሃገር ንላዕሊ፡ ንጸጥታ ዘስግእ እንተዘይኮይኑ፡ ጥቡቕ ምቁጽጻር ከምዘይትገብረሎም ኣፍሊጡ።