ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ መጠንቀቕታ ጉዕዞ ኣውጺኣ

2026-04-02 21:27:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 32 times

ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ብ1 ማዝያ 2026 ብዘውጸኦ “ደረጃ ኣርባዕተ” ዝበሎ፡ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዜጋታት ኣሜሪካ ከይንቀሳቐስዎም ዝበሎም ክልላት ኢትዮጵያ ዘርዚሩ። ከም ምኽንያት ናይቲ ስግኣት ኢሉ ካብ ዝዝጠቐሶም ጠንቅታት፡ ወተሃደራዊ ጐንጺ፡ ዝተፈላለዩ ገበናትን ሰባት ጠሊፍካ ምስዋርን ይርከብዎም።

ካብቶም ኣሜሪካውያን ዜጋታት ከይንቀሳቐስዎም ኢሉ ዝዘርዘሮም ናይ ዝለዕለ ስግኣት ከባብታት፡ ክልላት፡ ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ጋምቤላን ቤንሻንጉል ጉምዝን ይርከብዎም። እቲ ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ እቶም ዝተጠቕሱ ክልላት ብቕልጡፍን ግዜ ዘይህብን ወተሃደራዊ ጐንጽታት፡ ፖለቲካውን ዓሌታውን ጥሕሰታትን ይሕመሱ ከም ዘለዉ ኣስፊሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ብፍላይ ኣብ ክልላት ጋንቤላን ቤንሻንጉልን ከምኡ እውን ጐንጽታት ኣብ ዘለዎም ናይ ዶብ ከባቢታት ናይ ሰባት ጠሊፍካ ምስዋር እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኣስጋኢ ገበን ምዃኑ ጠቒሱ። ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ እቲ “ደረጃ ኣርባዕተ” ዝበሎ ዝለዓለ ስግኣት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ “ደረጃ ሰለስተ” ስግኣት ከም እትርከብ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ግና ኩነታት ዋና ከተማ ኢትዮጵያ  ኣዲስ ኣበባ  ብዝምድናዊ ዓይኒ ህድእቲ ኣላ ኢሉ።

ኣብ ብዙሓ ከባብታት ኢትዮጵያ ዜጋታት ኣሜሪካ ናብ ቤት ጽሕፈት  ቆንስል ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምውካስ ኣብ ዝደልይሉ  ናይ ኢተርኔትን ካልእ ናይ ተሌ-ኮም ኣገልግሎታትን ስለ ዝቋረጽ ጸገም ከም ዝፍጠር ኣብቲ መጠንቃቕትኡ ሓቢሩ። መንግስታዊ ሰብ መዚ ኣሚሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ካብታ ዋና ከተማ ወጻኢ ክንቀሳቐሱ እንከለዉ፡ ፍሉይ መረጋግጺ ክሕዙ ከም ዝግበኦም ጠቒሱ፡ እቲ ኤምባሲ ነዚ ዝምልከት ኣድላይ ሓገዝ ክገብር ድልዊ ምዃኑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ከም ናይ ኢሚግረሽን ዝኣመሰሉ ሕግታት ምጥሓስ ክሳብ ምስጓግ ካብ ሃገር ከኸትል ከም ዝኽእል’ውን ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2026፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ ብወገኑ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ምስዚ ናይ ኣምሜሪካ ወጻኢ ጉዳይ ዝመሳሰል መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Thursday, 02 April 2026 23:33