ጨንፈር ፖሓኤ ዓዲ እንግሊዝ ኣኼባ ኣካይዱ
2026-02-13 16:53:44 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖሓኤ Published in EPDP News Read 53 timesጨንፈር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዓዲ እንግሊዝ፡ ብ12 ለካቲት 2026 ኣኼባ ከም ዘካየደ ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ሓቢሮም። እቲ ኣኼባ ናይ ዝሓለፉ ምንቅስቓስ ጨንፈር ብምግምጋም፡ ዝጸንሖ ሕጽረታት ብምእራም፥ ኣብ መጻኢ ቃልሱ ክቕጽል ከም ዝወሰነ ኣረጋጊጹ። ነቲ ዝተበጸሓ ምርድዳእ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ከኣ፡ ኣቦመንበር ጨንፈር ምስ ኣባላት መሪሕነት ጨንፈር ንክተሓባበር መምርሒ ከም ዝሃበ ሓቢሩ።
ኣኼባ ጨንፈር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍን ተለዋዋጥን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታት ብምድህሳ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ብምግሃስ፡ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ብሓይሊ ንምውሳድ ከቃልሖ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ኣዋጃት ኣዝዩ ከም ዘሻቕሎ ተገንዚቡ። ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ኣዋጅ ሓሊፉ፡ ናይ ውግእ ምቅርራብ ዝመስል ምንቅስቓስ ይረአ ምህላዉ ብምርዳእ፡ ውግእ እንተ ጀሚሩ ውጽኢቱ ኣዝዩ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ድማ፥ ኣኼባ ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ስግኣቱ ኣንቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ኣንጻር ግህሰት ልኡላውነት ኤርትራ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ኤርትራን ማሕብረሰብ ዓለምን ብዛዕባቲ ዝፍራሕ ዘሎ ሓደገኛ ሳዕቤን ምግሃስ ልኡላውነት ኤርትራ ዝፈልጥሉ ኩነታት ንክጣጥሕ ብምትሕስሳብ ምዝዛሙ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።