ኣሜሪካዊ ኣማኻሪ ብዛዕባ ሰላም ሱዳን ስምምዕ ተበጺሑ ኢሉ

2026-02-05 10:11:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 120 times

ኣሜሪካዊ ኣማኻሪ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ማሳድ ቦሎስ፡

ኣሜሪካዊ ኣማኻሪ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ማሳድ ቦሎስ፡ እቲ “ብኳድ (Quad)” ዝፍለጥ፡ ኣሜሪካ፡ ግብጺ፡ ስዑድ ዓረቢያን ኢማራትን ዝርከበኦ ጋንታ ንሰላም ሱዳን ኣብ ዝምልከት ሰነድ ከም ዝተሰማምዐን  ክሳብ 1.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንሕውየት ብውግእ ዝተሃስየ ከባቢታት ሱዳን ዝውዕል ከም ዘዋጸኣን ሓቢሩ።

ቦሎስ ንሱዳን ትሪቡን ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፡ ናይ ኣሜሪካ ባይቶ ሰላም እቲ ንሰላም ሱዳን ዝምልከት ሰነድ ካብ ዝመጽእ ዘሎ  ወርሒ መጋቢት 2026 ጀሚሩ  ክትግበር ትጽቢት ኣሎ ኢሉ። እቲ ሰነድ ተኹሲ ጠጠው ድሕሪ ምባልን ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላት ሱዳን ብሓገዝ እተን 4 ሃገራት ምትዕርራይ ምግባር ከም ዘጠቓልል ሓቢሩ።

ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ትካል ሰላም ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ንሰላም ሱዳን ዝምልከት ኣብ ዝተገብረ ዘተ፡ እቲ ሰነድ ብክልቲኦም ወገናት ተቐባልነት ረኺቡ ናብ ተኹሲ ጠጠው ዘብጽሕ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ኣማኻሪ ኣሜሪካ ምእንቲ ሰላምን ሰብኣዊ ኣቕርቦትን ካብ ዝተወሰኑ ከተማታት ወተሓደራት ናይ ምውጻእ መደብ ከም ዘሎ እውን ኣፍሊጡ።

እቲ ንሰላም ሱዳን ዝምልከት ሰነድ፡ ድሕሪ በቶም ዘዳለዉዎ ኣካላት ምጽዳቑ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ክግበርዩ። ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ነቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ኣካል ኣጽዋር ተቕርብ ኣላ ብዝብል፡ ንተሳትፎ ኢማራት ኣብቲ ሰነድ ሰላም ዘዳልው ዘለዉ ዘሎ ኣካል  ክቃወም ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ካብቲ ንሰባኣዊ ሓገዝ ሱዳን ዝዋጻእ 1.5 ቢልዮን ዶላር፡ እቲ 500 ሚልዮን ዶላር ናይ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ምዃኑ ኣንበሳደር ቦለስ ኣፍሊጡ።

Last modified on Thursday, 05 February 2026 11:18