ግብጺ ኢትዮጵያ ክትክሕሳ ሓቲታ
2026-01-21 19:58:27 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 265 timesሚኒስተር ሃብቲ ማይን መስኖን ግብጺ፡ ሃኒ ስወይለም፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ብምህናጻ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ሱዳንን ዘውረደቶ ጉድኣት ክትክሕስ ኣለዋ ዝብል መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ፡ ሶማሊ ሪፖርተር (Somali report) ዝተባህለ ጋዜጣ ኣፍሊጣ።
ግብጻዊ ሚኒስተር ሃኒ ስወይለም፡ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ናይ ሃገሩ ሰነይት ቀሪቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ ምዃኑ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ሚኒስተር ኣተሓሒዙ ከኣ ከምቲ ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ዓብይ ግድብ ብውልቃዊ ውሳነ ሓንቲ ሃገር ኣብ ፈለግ ናይል ተሃኒጹ ከምዘይፈልጥ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ብኢትዮጵያ ዝተሃንጸ ዓይብ ህዳሰ ሓጽቢ፡ ካብቲ ግብጺ ካብ ፈለግ ናይል ክትረኽቦ ዝነበራ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ማይ፡ 38 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ከም ዝጐደላ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ነቲ ሓጽቢ ዝሃነጸቶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምምጫውን ንዋሕዚ ናይቲ ናብ ሱዳንን ግብጽን ዝውሕዝ ማይ፡ ንምምዕርራይን ኢላ ከም እትገልጾ ከኣ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።
ግብጺ ከምዚ ዝኣመሰለ ኢትዮጵያ ዘይተጽበየቶ ሕቶ ካሕሳ ተቕርብ ዘላ፡ ድሕሪቲ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ብ16 ጥሪ 2026፡ “ቅድሚት ካብ ዝሰርዖ ኣጀንዳ እዩ” ብዝብል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ናይል ክሽምግል ምዃኑ ምፍላጡ እዩ። ነቲ ናይ ትራምፕ ናይ ሽምግልና መጸዋዕታ፡ ግብጽን ሱዳንን ብሓጐስ ከም ዝቕበለኦ እየን ኣረጋጊጸን። ብፍላይ መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ ንተበግሶ ፕረሲደንት ትራምፕ ብኽብሪ ከም ዝገልጾ እዩ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ግና ንመጸዋዕታ ሽምግልና ትራምፕ ኮነ ንሕቶ ካሕሳ ግብጺ ዝምልከት ዝሃበቶ መልሲ የለን።