ኣብ 2026 ዓሰርተ ናይ ስግኣትን ጐንጽን ቦታታት
2026-01-02 22:11:40 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 96 timesዓለምለኻዊ ጉጅለ ምክትታል ቅልውላው (international crisis group) ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ 2026 ናብ ዝኸፈ ጐንጺ ከይምዕብሉ ከየስግኡ ዝብሎም ቦታት፡ ንወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወሲኹ ዓሰርተ ሃገራት ጠቒሱ። እተን ግዳይ ናይቲ ገጐንጽን ግርጭታን ከይኮና የስገኣ ዝበለን ሃገራት፡ ቬንዙዋላ፡ ሱዳን፡ ማሊ፡ ብርኪናፋሶ፡ እስራኤል፡ ፍልስጥኤም፡ ኢራን፡ ሚያማርን ኣፍጋኒዝታንን ክብል ዘርዚርወን።
እቲ ኣብ ምእላይ ቅልውላው ዝግደስ ትካል፡ ንሱዳን “ኣብ ናይ ውግእ ሓዊ ዘላ ሃገር” ኢሉ ብምጥቃስ፡ ኣብክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይእጐድ ዘስግእ ሓዊ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ኩለመዳያዊ ህውከት ከይሸሞ ዘለዎ ስግኣት ኣስፊሩ። ክልቲአን ሃገራት ከስመዐኦ ዝጸንሓ ሕያል ቆይቊን ምስሕሓብን ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘፍርሕ እዩ ኢልዎ። ዓለም ነዚ ስግኣት ግቡእ ቆላሕታ ትህቦ ከምዘየላ እውን ትካል ጉጅለ ቅልውላው ዝሓደሮ ስግኣት ኣመልኪቱ።
ቀዳማይ ሚኔተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኤርትራ ኣንጻር መንግስቱ ዝኾኑ ሓይልታት ብምስልጣንን ብምዕጣቕን ጸገም ትፈጥረሉ ከምዘላ ብተደጋጋሚ ከም ዝኸስስ ኣስፊሩ፡ ኤርትራ ብወገና ኢትዮጵያ ክትወራ ትሸባሸብ ከም ዘላ ስምዕታ ተቕርብ ኣላ ኢሉ። ኣብይ ኤርትራ ንምውራር ዘቕርቦ ምኽንያት ኢትዮጵያ ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ብምዃና ዝብል ምስምስ ምዃኑ እቲ ትካል መስኪሩ። ኤርትራ ከኣ ኢትዮጵያ ነቲ ክሳብ ናጽነት 1993 ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ወደብ ከመልሶ እየ ዝብል ትዕቢት የስምዕ ኣሎ ኢላ ከም እትኸስስ እቲ ጉጅለ ገሊጹ።
ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምምላስን ናይ ኤርትራ ልኡላውነታ ናይ ምዕቃብን ህልኽ፡ ካብ ናይዚ እዋንዚ ኣስጋእቲ ምትፍናናት ምዃኖም እቲ ጉጅለ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፡ ነቲ ናይ ኣብይ ኣብ ኢትዮጵያ ብ2018 ናብ ስልጣን ምድያብ ተኸተሉ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዝነበረ ጽቡቕ ዝመስል ዝምድና ስዒቡ ዝመጸ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።
ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ብ2018 ዝምድና ምስ ፈጠሩ፡ ድሕሪ 2 ዓመታት ሓቢሮም ኣንጻር ትግራይ ውግእ ምክያዶም፡ ደሓር ግና ኣብይ ኣሕመድ ብ2022 ምስ ትግራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸተሞን ኤርትራ ዘይተሳተፈቶን ስምምዕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ምስሕሓብ ዘምረሐ ነቓዕ ከም ዝተፈጠረ እቲ ጉጅለ ከም ዘስግኦ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኣምሓ ፋኖ ግሁድ ውግእ፡ ኣንጻር ኤርትራ ድማ ናብ ውግእ ከየምርሕ ዘስግእ ምልዕዓል ተካይድ ኣላ ምስ በለ፡ ኤርትራን ንኣምሓራ ጥራይ ዘይኮነ ንኦሮሞ እውን ንውግእ ንምትብባዕ ትሕግዝ ኣላ ተባሂላ ከም እትኽሰስ ኣስፊሩ። ኣብይ ደጋጊሙ “ኢትዮጵያ ብጌጋ ዝሰኣነቶ ኣፍደገ ባሕሪ ከተምለስ እያ” እናበለ ከም ዝፍክር ከኣ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።