ዜናዊ ጽብጻብ፡ መበል 20 ዓመት ዝኽሪ መስዋእቲ ስዩም ዑቕባሚካኤል
2025-12-21 10:05:24 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 133 timesብስድራቤት ስዉእ ስዩም ዑቑባሚካኤል ሓረስታይ፡ ዝተሰርዐ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት መስዋእቱ፡ ብ20 ታሕሳስ 2025 ተኻይዱ። ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ፡ ንግሆ ስድርኡን ቤተሰቡን፡ ናይ ቃልሲ ብጾቱን ፈተወቲ ስድራን ኣብ መቓብሩ ተረኺቦም ዕንበባ ኣንቢሮም። ኣብቲ መድረኽ ብጻይ ኣሰፋው በርሀ ብዛዕባ ስዉእ ስዩምን ታሪኽ ቃልሱን ሓጺር ዝኽሪ ኣቕሪቡ። ድሕሪኡ ድማ ብኣካል ካብ ኣዳራሽ ሮተርዳምን ብዙምን ብዙሓት ታሪኽ ኣባላት ቤተሰቡን ሓርበኝነት ስዩም ዘገድሶም ናይ ቃልሲ ብጾቱን ዝተሳተፍዎ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ርክብ ተኻይዱ።
ኣብቲ መድረኽ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ኣዝመራ ሃይሉ፡ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል ንተሳተፍቲ ኣመስጊና፡ “ደጊም ብሓርበኝነት ስዩም ንተሓበን እምበር ሓዘን ያኣክል” ዝብል መልእኽቲ ኣስሚዓ፡ ንደቃን ኣሕዋቱን ከኣ ስዩም ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ንሃገር ብዘበርከቶ ንተሓበን ክትብል ኣተባቢዓ። ስዩም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ ቦታ ኣለዎ ድሕሪ ምባላ ድማ ኣበርክተኡ ካብታ ተወዲቡ ዝተቃለሰላን ዝመረሓላን ተሓኤ ሓሊፉ፡ ናብ መላእ ኤርትራ ዝጥምት ተባዕ ምንባሩ ጠቒሳ።
በኹሪ ጓሉ ኣይዳ ስዩም ብወገና ብስም ኣሕዋታ ብዛዕባ ኣቦኣ ዘለዋ ናይ ቁልዕነት ተዘክሮ ዝምልከት ዘረባ ኣስሚዓ። ኣብቲ ቃላ ዋላ’ኳ ኣቡኣ ብሰንኪ ኣብ ቃልሲ ምጽማዱ ከምቲ ዘድሊ እንተዘየስተማቐረቶ ጓል ሓርበኛ ብምዃና ከም እትሕበን ጠቒሳ። ኣሓቱ ለምለምን ኤልሳን ብወገነን፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ስዩም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዘሕለፎ ህይወትን ናቱ ማእሰርቲ ኣብ ስዳቤቱ ዝገደፎ ስንብራትን ብምዝካር ቃለን ኣስሚዐን። ዋላኳ ንስድርኡ እንተዘይኮነ ኣብ ዕላምኡ ጸኒዑ ብምስውኡ ከም ዘሕጉሰን’ውን ዘርዚረን።
ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብቲ መድረኽ ቃል ካብ ዘስምዑ ሓደ ነይሩ። ገረዝጊሄር ብዛዕባ ትብዓት፡ ጽንዓት፡ ንጹርነት፡ ተወፋይነትን መሃዝነትን ስዩም ከም ዝግረም ብሰፊሑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብዛዕባ ስዩም ኣብ ቃልሲ እንከሎ ዝተኣስረሉ ኣጋጣምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝገጥሞ ዝነበረ ስቓይን ንዓኡ በዲሁ ዘካየዶ ቃልስን ነብሱ ንምዕባይ ዝገብሮ ዝነበረ ቃልስን ብኣካል ዝተዓዘቦ ብሰፊሑ ምስክርነቱ ገሊጹ። ስዩም ንዲሞክራሲ ብዛዕባ ዝነበሮ ምእዙዝነት ድማ ንኢዱ።
“ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ) ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት”ብዝብል ኣርእስቲ ድማ ናይ ስዩም ናይ ሓጺር ግዜ ሕማምን መስዋእትን ከምኡ ድማ መስዋእቱ ኣብ ብዙሓት ዝፈጠሮ ስንባደን ዝገልጽ ሓጺር ጽሑፍ ኣብቲ ኣሰንባዲ ኩነታት ብኣካል ብዝነበረ ደበሳይ በየነ ቀሪቡ።
ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ብወገኑ፡ ንስዩም ካብ ንእስነቱ ብኸመይ ከም ዝፈለጦ ዝምልከት ተመኩሮኡ ኣካፊሉ። ብኸመይ ነቲ ናይ ንእስነት ዕርክነቶም ፖለቲካዊ መልክዕ ከም ዘትሓዝዎ ብኣብነታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ንስዩም ናብ ሜዳ ካብ ዘፋነውዎ ምንባሩ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብ ብዙሓት ንስዩም ዘጋጠምዎ ዝነበሩ ተረኽቦታት ተፈልይዎ ከም ዘይፈልጥ ብምጥቃስ ከኣ ብዛዕባ ትብዓትን ጽንዓትን ስዩም ኣዘንትዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ግዜ ቀብሩ ንስዩም ስለቲ ኣበርክተኡ ዘቕረበሉ ምስጋና ደጊሙ ዘኪሩ፡ ስድራቤቱ ነቲ መድረኽ ምድላዎም ድማ ኣመስጊኑ።
ነባር ተጋዳላይ ምሓመድ ብርሃን ብላታ ቀጻሊ ወሃቢ ቃል ነይሩ። ከም ኩሎም ከኣ ንስዩም ክጠቅሶ እንከሎ ንስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን እውን ዘኪርዎ። ስዩምን ወልደዳዊትን ብመተማ ኣቢሎም ቃልሶም ንምቕጻል ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ ካብ ዝተቐበልዎም ምንባሩ ዘኪሩ። ኣብ ርእሲዚ ስዩምን ወልደዳዊትን ብዘርኣይዎ ብቕዓት ንዝተፈላለየ መዝነት’ኳ ይሕጸዩ እንተነበሩ፡ ምርጨኦም ግና ህዝቢ ምውዳብን ምስቲ ኣሜዳ ዝነበረ ቃልሲ ምትእስሳርን ከም ዝነበረ ምስክርነቱ ሂቡ። ብዛዕባ ዘጋጥሞም ዝነበረ ብደሆታትን ዝሰዓርሉ ዝነበሩ ጽንዓትን’ውን ብሰፊሑ ኣስፊሩ።
ኣብ ርእሲዚ ንስዩም ኣብቲ “ሓረስታይ” ዝብል ስም ዘውሃቦ ማሕበር ሓረስቶት ሓቢሩ ዝመረሐ ሓው ወልዱ ነጋሲ ብዛዕባ ኩለ-መዳያዊ ብቕዓት ስዩም ምስክርነቱ ሂቡ። ሓው ነጋሽ ዑስማን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓው ዑቕባዝጊ ድቡስ ንውብድ ሓድነት ኤርትራውያን ሓው ወልደስላሴ ዑቕበ ድማ ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብምውካል ድማ ብዛዕባ ስዩምን ናይ ቃልሲ ኣበርክተኡን ኣገደስቲ መልእኽታቶም ኣመሓላሊፎም።
ብዘይካዚ ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ኣብ ሜዳ ብመሪሕነት ስዩም ዑቕባሚካኤል ምስ ህዝባዊ ማሕበራት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንምርኻብ ኣብ ዝኸድሉ ዘጋጠሞም ተዘክሮ ክጠቕስ እንከሎ፡ ብጻይ ፍሰሃየ ሓጐስ ድማ ቅድሚ ሕጂ ብቋንቋ እንግሊዚ ብዛዕባ ስዩም ዘዳለዋ ግጥሚ ኣቕሪቡ። ካለኦት ተሳተፍቲ እውን ተዘክሮታቶም ብዛዕባ ስዩም ኣብቲ መድረኽ ኣንጸባሪቖም። በዚ ከኣ እቲ ብኣላይነት ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተኻየደ መድረኽ ተዛዚሙ።