ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ይስማዓሎ ተባሂሉ

2025-11-25 08:50:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 64 times

ክሻያ ኩማር ናይቲ ትካል ዲረክተር ምጥባቕ ንሰብኣዊ መሰል

ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል (human rights watch)፡ ኣብዚ ቀረባ ብመንገዲ ክሻያ ኩማር ናይቲ ትካል ዲረክተር ምጥባቕ ንሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ዘውጸኦ መጠንቀቕታ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ገበናት ውግእን ካልእ ጥሕሰታትን ጠጠው ዝበለ ኣዘራራቢ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይቋረጽ  ዘለዎ ስግኣት ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኩሎም ጽልዋ ዘለዎም ወገናት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ምህዳእ  ንክሰርሑ ጸዊዑ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ “ገበነኛ ጉጅለ” ክብል ገሊጹ፡ ክውገድ ዘለዎ ኣካል እዩ  ምስ በለ፡ ብወገን ትግራይኳ ዓለም ለኻዊ ናይ ዘተ መጸዋዕታ እንተቕረበ እቲ ወጥሪ ግና ኣይሃደአን ኢሉ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ እውን ይብርኽ ኣሎ ኢሉ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራን ህወሓትን ኣንጻር መንግቱ ይተሓባብሩ’ለዉ ክብል ዘቕረቦ ክሲ ናይቲ ወጥሪ መርኣያ ምዃኑ ከኣ እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ እዚ ኩሉ ምክሳስ ኣብቲ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ወግእ ዘይሓወየ  ከባቢ ሓዲሽ ጐንጺ ከይፍጠር ዘስግእ እዩ ኢሉ።

እቲ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ክሳብ ዓፋርን ካልእ ከባብታትን ዝለሓመ ዝሓለፈ ውግእ፡ ናይ ብዙሓት ህይወት ምጥፋእን ምምዝባልን ከም ዘስዓበ ዝጠቐሰ እቲ መጠንቀቕታ፡ ዝለዓለ ዕንወት ትሕተ-ቅርጻ ከም ዘኸተል እውን ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ናይ ምድኻም ስጉምትታት ይወስድ ከምዘሎ’ውን ጠቒሱ። እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ብግብሪ ንሰብኣዊ መሰል ግቡእ ኣቓልቦ ከም ዘይሃበ ድማ ኣብቲ መጠቀቕታኡ ኣስፊሩ።

ኢርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ኣብ ህዝቢ ዝወረደ በደል ከምዘይተገደሱ ጠቒሱ ከኣ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ብ2023 ኣብ ኢትዮጵያ ገበናት ዝምርምር ቀዋሚ ኮሚተ ኣብ ምቛም ከምዘይተዓወተ ኣቃሊዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ሎሚ ግዜኡ ኣብቲ  ከባቢ ናይ ዲፕሎማስን ወጥሪ ጠጠው ናይ ምባልን እዩ ክኸውን ዝገባኦ ኢሉ። ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ወገናት ክንቀሳቐስሉ ድማ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ኣብዚ እዋንዚ ካብ ቀንዲ ደገፍቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኮይኖም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ተጋሩ ሓደ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበታብ ጋዜጣ ሪፖርተር ክፍሊ እንግሊዘኛ ሓደ ጽሑፍ ኣውጺኡ’ሎ። ንሱ ኣብቲ ጽሑፉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተዋሳኢት ንምዃን፡ ቅድም ቀዳድም ውሽጣዊ ጸጥታዊ ብደሆታታ ብሰላማዊ መንገዲ ክትፈትሕ፡  ኣብ ቁጠባዊ ዕቤታ ከተተኩርን  ፍትሓዊ ምምሕዳር ከተውሕስ ይግበኣ ኢሉ። ኣብዚ መዳይዚ ጉዳይ ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሰላም ምፍታሕ ከም ዘድሊ ብምጥቃስ ንናይ መንግስቲ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ኣብ  ጉዳይ ኢትዮጵያ ምኹናን ግና  የድሊ ዝብል ሓሳብ ኣብቱ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

Last modified on Tuesday, 25 November 2025 09:58