ህወሓት ንብሕታዊ መዲያታት ብትሪ ኣጠንቒቓ
2025-10-01 09:12:53 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 67 timesህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ “ድሕሪ ሕጂ ንተግባራት ብሕታዊ መድያታት ዝጻወር ትዕግስቲ የብለይን” ከም ዝበለ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። እተን መድያታት ከፋፈልትን ናይ ጸላኢ መሳርሕን ኮይነን ብዝብል ዘጠንቀቐት ናይቲ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሕጋውነቱ ዝተሰረዘ፡ ውድብ ህወሓት ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ወ/ሮ ፈትለወርቂ ገ/እግዘኣብሄር ምዃና እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እዚ መጠቀቕታ ኣብተን መዲያታትን ጋዜጠኛታተንን ዓብይ ስግኣት ኣሕዲሩ ከም ዘሎ እውን ተሓቢሩ።
እቲ መጠንቀቕታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፈትለወርቅ ኣብ መቐለ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ ክኸውን እንከሎ፡ ዝርዝር መርተዖን ኣስማት መዲያን ብዘይምቕራብ “መሳርሒ ንውድብ ናይ ዝኸሓዱ ወገናትን ጽውላእትን ከይነን” ዝብል ነተን መዲያተት ከም ዝኸሰሰተን ከኣ ተፈሊጡ። እታ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ህውሓት እተን መዲያታት ኣብ ምክፍፋል ውድብ ኢድ ስለ ዝጸንሀን፡ ውድብን ሰራዊትን ኣብ ምቁጽጻረን ብሓባር ከም ዝሰርሑ ምጥቃሳ እውን ተሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ነቶም ዝኸሰሰቶም ጋዜጠኛታት “ገሊኦምሲ ተጋሩ ምዃኖም’ውን የጠራጥሩ” ብዝብል ጠቒሳ፡ ኣብ ልዕሊ ምሁራት፡ ፖለቲከኛታትን ኣብ መዲያ ዝሰርሑን ተጋሩ “ድሕሪ ሕጂ ተጸዋርነትና ናብ ዜሮ ወሪዱ እዩ” ብዝብል መጠንቀቕታ ሂባ።
ሓለፍቲ ብሕታዊ መዲያ ብወገኖም፡ እዚ ተግባር መራሕቲ ህወሓት ኣንጻር መዲያ ዘለዎም ኣሉታዊ መርገጽ ኣብቲ ዝኸፈአ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ዘመልክት እዩ ኢሎም። “ትዕግስትና ኣብ ደረጃ ዜሮ በጺሑ” ዝብል ኣገላልፋ፡ ኣብ ትግራይ ነጻ ፕረስ ናይ ምጉዕጻጽ ምልክት እዩ ክብሉ እውን ገሊጸምዎ። ብዓብይኡ ከኣ ጋዜጠኛታትን መዲያታትን ንምዕፋን ዘንቀደ መልእኽቲ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣኛታት ክረአ ዝጸንሐ ምፍርራሕ፡ ኣጸሊምካ ካብ ህዝቢ ምንጻልን ሓበሬታ ከምዘይረኽቡ ምግባሮምን ቀጻሊ ጐስጓስ ክካየደሉ ምጽንሑ ሓደ ካብ ሓለፍቲ መደብ ተለቪዥ ቲቢኤ (TBS TV) ኣቃሊዑ።
ኣብ ትግራይ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ በቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነጻነት ረኺቡ ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ ፕረሲደንትነት ጀነራል ታደሰ ወረደ ግና ከንቆልቁል ዝጸንሐ ምዃኑ ንብዙሓት ከዛርብ ዝጸንሐ እዩ።