ዓረብ ሊግ፡ ኢትዮጵያ ካብ በይናዊ ውሳነ ክትቁጠብ ጸዊዑ
2025-09-07 06:33:45 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 68 timesዓረብ ሊግ ኣብ መበል 164 ናይ ሚኒስተራት ኣኼባኡ፡ ብ5 መስከረም 2025 ኢትዮጵያ ኣብ ምምላእን ምምሕዳርን እቲ ዓብይ ሓጽቢ በይናዊ ውሳነ ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ደጊሙ ከም ዝጸውዓ ኢጅብት ቱደይ (Egypt today) ዝተባህለት ጋዜጣ ካብ ካይሮ ኣፍሊጣ።
እቶም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ዓረብ ሊግ፡ ኣብ መወዳእታ ኣኼባኦም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ናይቲ ሊግ ኣባላት ግብጽን ሱዳንን ናይ ማይ ውሕስነት ንምርግጋጽ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ምብጻሕ ህጹጽ ተደላይነት ከም ዘለዎ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ ዝግበር ስምምዕ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዕቤት ድሌት ኣብ ግምት ክኣቱ ከም ዝግባእ እውን ኣስሚረምሉ። ብዝተፈልየ መልክዑ ድማ እቲ ኣኼባ ሚንስተራት ብዝኾነ መንገዲ ናይ ግብጽን ሱዳንን ማያዊ ድሕንነት ምወሓስ ኣካል ዓረባዊ ጸጥታ ዝኸውን’ዩ እውን ኢሉ።
ናይ ሱዳንን ግብጽን ማያዊ ድሕንነት ዝጥሓስ ዝኾነ ውሳነ፡ ብዝኾነ መልክዕ ተቐባልነት የብሉን ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኢትዮጵያ ንግብጽን ሱዳንን ብዝጐድእ ብበይናዊ ውሳነኣ ምቕጸላ ከም ዘሕዘኖም ከኣ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዞም ድማ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብ2025 ኣብ ሱዳን ዝተኸተመ “ናይ ኣጠቓቕማ መትከላት” ዝብል ስምምዕን ዓለምለኻዊ ሕግታትን ዝጠሓሰ እዩ ኢሉ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዝጠሓሰቶ ሕግታትን ስምምዓትን ተመሊሳ ክትርእዮ ጸዊዑ።
ብዘይካዚ እቲ መዋጸኦ፡ ኩለን ናብ ሩባ ኒል ማይ ዘበርክታ ሃገራት ዝሰማማዓሉ ሓባዊ ስምምዕ ክብጻሕ ምኽኣልዩ ምስበለ እቲ መግለጺ፡ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳይ ዓረብ ሊግ፡ ኣብ ቀጻኢ ኣኼባኦም ዝረአ ምዕባለታት ብምክትታልን ምቁጽጻርን ነቲ ዛዕባ፡ ናይ ግብጽን ሱዳንን ናይ ማይ ድሕንነት ንምድሓ ኣጀንዳኦም ገይሮም ክሕዝዎ ከም ዝተሰማምዑ ተሓቢሩ። እዚ መግለጺ ሚኒስተራት ዓረብ ሊግ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብ ድሮ ምምራቕ እቲ ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣዛራራቢ እዩ።