መዕረፊ ዘይረኸበ፡ ስቓይ ስደተኛታት መደበር ኣለምዋጭ

2025-08-18 20:46:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 19 times

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ካብ ከተማ ጐንደር ንሰሜን  ከባቢ ከተማ ዳባት ዝርከብ፡  ኣለምዋጭ ኣብ ዝተባህለ መደበር ተዓቚቦም  ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓድሽ ጉድኣት ከም ዘጋጠመ ሬድዮ ኤረና ብ17 ነሃሰ 2025 ኣፍሊጣ። እቲ ጉድኣት ዘጋጠመ ኣብቲ መደበር ኣብ ሕድሕድ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዝተኸፍተ ተኹሲ ምዃኑ ኤረና ኣብቲ መደበር ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቲ

ብጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መሰረት፡ ልዕሊ 19 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቑብሉ ምዃኑ ዝንገረሉ መደበር ዓለም ዋጭ፡ ብተደጋጋሚ ጸገም ዘጋጥሞ ኣብ ናይ ውግእ ዞና ዝርከብ እዩ። እዚ ሓድሽ ጉድኣት ዘጋጠመ እቶም ስደተኛታት ብ15 ነሃሰ 2025 ረዲአት ንምውሳድ ተኣኪቦም እንከለዉ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ዜና፡ በቲ ዝተኸፍተ ተኹሲ ነጃት ኢብራሂም ዝተባህለት ጓል 15 ዓመት ከም ዝተወግአት ተፈሊጡ።

ካብዞም ኣብቲ መደበር ኣብ ሕማቕ መነባብሮን ናይ ጸጥታ ስግኣትን ዝርከቡ፡ መብዛሕትኦም ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ኣብቲ ክልል ካብ ዝነበረ መደበራት ናብ ኣለምዋጭ ዝገዓዙ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብሰንኪ ውግእ ሱዳን ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን እውን ከም ዝተወሰኽዎ ይንገር።

ኣለምዋጭ ኣብዚ እዋንዚ ካብተን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ተዓቚበሙለን ዘለዉ ሰለስተ መደበራት ሓንቲ እያ።

Last modified on Monday, 18 August 2025 23:05