መልእኽቲ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንፈስቲቫል 2025
2025-08-05 05:35:49 Written by ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ Published in EPDP News Read 68 timesክቡር ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት
ክቡር ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት
ክብርቲ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቀንስትዮን ኣቕራቢት መድረኽን
ክቡር ኣቶክብርኣብ ምስግና ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ፈስቲቫል
ክቡራንን ክቡራትን ናይ ሰለስቲኡ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን
ክቡር ኣቶ ጽሃየ ቀለታ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2025
ክቡር ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤል ኣቕራቢ መድረኽ
ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማትና
ብስም ማእከላይ መሪሕነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም
እንቋዕ ናብዚ ፈስቲቫልዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና።
ብሰለስቲኡ ኣካላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ተሰናዲኡ ንካልኣይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል እዩ። ምስ ሕሉፍ ተመክሮታትና ኣዛሚድካ ክርኤ እንከሎ ሓድነቱ ሓልዩ ምቕጻሉ እወታዊ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝነብሩ ኣባላትን መሪሕነትን ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ተላልዮም ኣድማዒ ስራሕ ንምስልሳል ዘኽእሎም ስርርዓዊ ቅርጻ ለቢሶም ምህላዎም ክሕብር ባህ ይብለኒ።
ናይ ምጥርናፍና ዕላማ ንምልኪ ስዒርካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ብዓወት ክዛዘም እንተዀይኑ ድማ እቲ ንምልኪ ቀንዲ ኣቚሙ ዘሎ ራዕድን ንምልካዊ ኣካይዳ ከም ንቡር ናይ ምውሳድ ባህልን ከብቅዕ ኣለዎ። ህዝብና ራዕዲ ከይቐንጠጠ፤ ዓገብ ናይ ምባል ባህሉ ከይመለሰ ንነብሱ ሓራ ከውጽእ ከቶ ኣይክእልን እዩ። ህዝብና ልዕልና ሕጊ ንምስፋን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል የዋጽኣኒ እዩ ዝብሎ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ማለት ዘይዓመጻዊ ይኹን ዓመጻዊ ክኽተል መሰሉ ምዃኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ይኣምን።
ካብዚ ብምንቃል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ክል'ቲ ብሓያሎይ ውድባት ተቐባልነት ዘለዎ እዉጅ 4 ሃገራዊ ሞቖምያታት ማለት፡
1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ
2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት
3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ
4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ
ሓደ ሰፊሕ ኣድማዒ ጽላል ንምቛም ጻዕርታቱ ቀጻሊ ክኸውን እዩ።
ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣበይ በጺሕኩም? ዝብል ሕቶ ክህሉ ይኽእል እዩ። ወርሒ 11 2023 "ኣብ ውሽጥና ሒቕታ ተረኺቡ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ቀጽሉ ንዕኡ ፈቲሕና ከነርክበኩም ኢና" ኢሎሙና። ክሳብ ሕጂ ድማ ገና ኣብ ትጽቢት ኣሎና። ተስፋ ንገብር ኣብ ሓጺር ግዜ እቲ ጉዳይ ተፈቲሑ ሓባራዊ ቃልሲ ሓባራዊ ጽላል ንምቛም ዕዮ ክጅምር ወይ ክቕጽል።
ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዕቱብ ዘተ ተኻዪዱ። ከምቲ ኣብ መልእኽቶም ዝሰማዕኩሞ ናብ ብራኸ እተሰጋገረ ኣብ ሓያሎይ ነጥብታት ስምምዓት ከም ዝፈጸምና ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ተፈላሊና ግን ርክብና ቀጻሊ ስለዝዀነ እቲ ብዕቱብ ናይ ምፍታሑ መንፈስ እውን ብዅሉ ሽነኻት ስለዘሎ ንዕኡ ንምፋሕ ንዕኡ ፈቲሕካ ሓደ ጽላል ናይ ምቛም ጻዕርታት ቀጻሊ ክኸውን እዩ።
ኣብዚ ዓመትዚ ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራዊ ዜናዊ ትካላትን ብሓባርን ብተናጸልን ጎስጓስ ኣክዪድና መዝነት ናይ ዶክ/ መሓመድ ዓብድሰላም ባብክር፥ እቲ ካብ መስከረም 2020 ክሳብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነታት ኣብ ኤርትራ ክከታተልን ጸብጻባት ከቕርብን ዝጸንሐ ከም ዝቕጽል ምግባርና እንቋዕ ሓጐሰና ንብል። ናይ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ጠለብ እቲ መዝነት ከይናዋሕ እዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ሰብኣዊ ግህሰታቱ ክስነድን ክዕቀብን ከሎ ንሕጂ ሕቶታት ከም ዘልዕለሉ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ዘኽስስን ዘፍርድን መርትዖ ኰይኑ ክቐርብ ከም ዝኽእል ስለ ዝፈልጥ እዩ። ደጊሙ ምልዓሉ ኣይክተርፎን እዩ'ሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ስራሓት ቀጻሊ ክኸውን ነተባብዕን ድሉውነትና ንገልጽን።
ኣብ ልዕሊ ካልእ እዋናዊ ጉዳያት ከምኒ ውግእን ጽምዶን ብደገፍ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ስርዓታዊ ለውጢ ምምጻእን ንስደተኛታት ዝምልከትን ዘሎና መርገጽ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡
ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ብልዝብ ክፍታሕ ከምዘለዎ ንርኢ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት ንውግእ ተቛሪጹ ፍልልያቶም ብሰላም ክፈትሕዎ ከም ዝግባእ ንኣምን። እንተድኣ ውግእ ተላዒሉ ሳዕቤኑ ንምግማቱ ኣሸጋሪ እዩ ብድሕሪ ክልቲኦም እተሰለፉ ዞባውያን ሓይልታት ኣለዉ፡ ከረጋግጽዎ ዝደልዩዎ ሸቶታት ክህልዎም ድማ ርዱእ'ዩ። ንሳቶም ከኣ፡
- ሓደ ደምበ፡ ኤርትራ፡ ብዶክ ደብረጽዮን ዝምራሕ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ውድባት ኣምሓራ፡ ግብጺ፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ናይ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ስዑዲ ዓረብ።
- እቲ ካልእ ደምበ፡ ሰልፊ ብልጽግና፡ ምምሕዳር ኦሮሞ፡ ናይ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ RSF፡ ኢራን፡ ከምኡ’ውን ኢማራት ዓረብ
ጸለውቲ ሃገራት ከምኒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ዘለወን ዓቕሚ ተጠቒመን ውግእ ንኸይልዓል ተራአን ከበርክታ ክንጽውዕ ጸኒሕና። ውግእ ናይ ብሚልዮናት ዝቕጸሩ ስደተኛታት ዋሕዚ ከኸትለለን ስለዝኽእል ንረብሓኤን ክብላ ንደበና ውግእ ከብንናኦ ከነመልክት ጸኒሕና።
ጽምዶ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ገለ ክፋል ናይ ትግራይን ይካየድ ኣሎ እንዳተባህለ ዝንገረሉ ጽምዶ፥ ኣብ ትሕቲዚ ናይ ውግእ ሃዋህው ንውግእ እምበር ንሰላም ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እተደገፈ ኣይኮነን። ንጸጥታኡ ከም ሓደጋ'ዩ ዝርእዮ። ጥዕና ዘለዎ ጽምዶ ክፍጠር ዝክኣል ክልቲኡ ስርዓታት ልዑላውነት ሕድሕድ ኣኽቢሩ፡ ዶባት ብግቡእ ሓንጺጹ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ኣህዛብ ብግዲ ዘይኮነስ ብወለንታኦም ዝዋስኡሉ ሕጋዊ ኣገባባት ክሰርዑሎም እንከለዉ እዩ።
ሓሓሊፉ ገለ ኤርትራውያን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ንምእላይ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዄንካ ምቅላስ ሓላል እዩ ክብሉ ይስምዑ። ዝዀነ ኣካል ምስ ዝደለዮ ኣካል ክማሓዞ መሰሉ እኳ እንተዀነ ነቲ በጃ ዝሓልፈሉ ህዝቢ ኣሕሊፉ ከይህቦ፥ እወ ነታ ቅዋማዊ ስርዓት ክተኽለላ ዝድሊ ሃገሩ ወይ ክፋላ ምእንቲ ከይስእን፡ እቶም ዝሕግዝዎ ብእዉጅ ኣገባብ ብልዑላውነት ኤርትራ ከም ዝኣምኑ ከረጋግጽ የድልዮ። ነየናይ ረብሓታት ንምዕቋብ ሓቢሮም ይቃለሱ ከም ዘለዉ ብንጹር ክሰፍርን ክእወጅን ይግባእ። ኣውራ ድማ እንተድኣ እቲ እትማሓዘዎ ዘሎኻ ሓይሊ መርገጻቱ ወግሐ-ጸብሐ ዝቐያይር ኰይኑ፥ ምስኡ እትኣትዎ ስምምዕ ብህዝብና ክእመን ዘለዎ ዕድል ኣዚዩ ታሕቲ ምዃኑ ምግንዛብ ጠቓሚ ከይኰነ ኣይተርፍን።
ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ክመሃር፡ክሰርሕ፡ክወልድ ክዝምድ፡ ዘለዎ ዕድላት ኣዚዩ ጸቢብ ስለዝዀነ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ። ኣብ ስደቱ ድማ እዚ ዘይብሃል ግፍዕታት ይወርዶ ኣሎ። ፖሓኤ ስቅያቶም ንምቅላል ኣቤቱታ ኣብ ምጽሓፍን ግፍዕታቶም ኣብ ምስናድን ተዋፊሩ ይርከብ።
ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝባኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ባዕሉ እቲ መላኺ ከይተረፈ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብ ናይ ዕለት 23 ሓምለ ቃለ መጠይቑ ኣብ ኩሉ መዳይ ከምኒ ሕርሻ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ኣገልግሎት ሕክምና፡ መጓዓዝያ፡ ትምህርቲ ወዘተ. . .ጸብጺብካ ዘይውዳእ ሕጽረታት ዘርዚሩ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ ባህርያዊ ግብረመልሲ በል 34 ዓመታት ገዚእካ ልምዓት ኰነ መገዲ ልምዓት ከተትሕዝ ካብ ዘይክኣልካ፡ ውረደልና ሃገርና ባዕላትና ከነምሓድር ክብሃል እዩ ዝግባእ።
ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።
ናይ መንእሰአያት ህዝባዊ ምልዕዓል፡ብርጌድ ንሓመዱ ንራዕድን ፍርሕን ቀንጢጡ ንገባቲ ስርዓት ምብድሁ ኣዚዩ ዝንኣድ'ዩ። ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ዝጠቕሞ ነገራት ከነካፍሎ እንኽእሎ ነገራት ኣሎና። ተቐባል ሕድሪ እወ ተካኢ ወለዶ ብዕቱብ ተላዒሉ ምህላዉ ንፍናንና ክብ ዘብል ተረኽቦ ምዃኑ እንዳገለጽና፥ ጸላኢ ኣትዩ ፋሕፋሕ ከየብሎም መስርዖም ክስጥሙን ብምክብባር ብምጽውዋር ብልዝብ ንፍልልያቶም ክፈትሑን ንጹር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ንክህልዎምን ንዝተኽልዎ ዓንዲ-ሕጊ ምእዙዛት ክዀኑን በዚ ኣጋጣሚዚ ንምዕዶም።
ኤርትራዊ ዜጋ ክፍጽሞ ዘለዎ ግዴታ ጥራሕ ኣይኰነን ዘለዎ መሰል እውን ኣለዎ። እወ ናይ ምምእማን፡ ምዝራብ፡ ምሕሳብ፡ ምጽሓፍ፡ ምምሃር፡ ምስራሕ፡ ምእካብ፡ ምንቅስቓስ፡ ምውዳብ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ፡ መራሕቱ ናይ ምምራጽን ምውራድን ወዘተ መስል ኣለዎ። ነዚ መሰላትዚ ህግደፍ ሓሪሙዎ ኣሎ ተቓሊሱ ክምንዝዖ ኣለዎ። ደረትን ዓስብን ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ከምቲ እተኣወጆ 18 ኣዋርሕ ክኸውን፥ ዓስቢ ድማ ክህልዎ ክቃለስ ይግባኦ። ናይ ሓደ ዜጋ መሰል ክግሃስ ከሎ ኣብ ክንዲ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተዓዛቢ ምዃን ሎሚ ናብኡ ጽባሕ ናባይ ኢልካ ተቢዕካ ኣብ ጎድኑ ጠጠው ምባል'ዩ እቲ ቅኑዕ ስጉምቲ።
ኣብዚ ቅንያትዚ ናይ ቤት ትምህርቲ ቁርኣን፥ ጊንዳዕ ኣማሓዳሪ ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን መሳርሕቱ ኣቶ ሽኔቲ ሓሰንን ንህዝቢ ኤርትራ ዘላደየ ስብኣዊ ግህሰት ኣጋጢሙዎም ኣሎ። ክልቲኦም ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ከም ዘለዉ ይንገር ኣሎ። እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ 'ዚ ንኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ፥ መበቈል ዘርኡን ሃይማኖቱን ብዘየገድስ፥ ደጊም ትሩፍ ክሳብ ምዓስ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ሕጊ እንዳተገፍዐ ስቕ ኢልና ክንርኢ ንልዓል ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን እቶ ሽኔቲ ሓሰንን ካልኦት ኩሎም ናይ ሕልና እሱራትን ይፈትሑ ኢሉ ክልዓል ካብዚ ኣዳራሽ ንጽውዕ!!
ኣብ መደምደምታ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ።
ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።
ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!
ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!
ብሓድነት ንሓርነት!
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
02 ነሓሰ 2025።
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290