ኣኼባ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ብሄር ኦሮሞ ኣብ ወጻኢ
2025-08-02 06:35:11 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 92 timesእቶም ምሁራትን ወከልቲ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ኦሮሞ ኣብ ኣኼባ
ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ምሁራትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ብሄር ኦሮሞ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2025 ኣብ ምሪላንድ ኣኼባ ከምዘካየዱ፡ “ኦሮሞ መዲያ ኔት ዎርክ (oromo media network) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ኣኼባኦም ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ “ክቕየር ኣለዎ” ኣብ ዝብል ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ብዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።
እቲ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኦሮሞ ዘይውክል ምዃኑ ጠቒሶም። ኣብ ርእሲኡ ድማ እቶም ፖለቲከኛታት ኣባላት ቄሮ፡ ኦነግን ካለኦት ውድባትን ዝርከብዎም፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ሃገራት ይፈጥሮ ንዘሎ ማህሰይትን ተጽዕኖን ከም ዝቃለስዎ’ውን ሓቢሮም። እዞም ምሁራትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣብ መወዳእታ፡ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ኣንጻርዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ንክቃለሱ ጸዊዖም። እታ ነቲ ኣኼባ ዘወሃሃደት ኮሚተ ብወገና፡ እቲ መደብ ተሰሪዕሉ ዘሎ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ክቕጽል ምዃኑ በቲ መገለጺ ሓቢራ።
ዶር ጸጋየ ኣራርሳ፡ ዶር ህዝቅኤል ጋቢሳን ኣቶ በቀለ ገርባን ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኦሮሞ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና ዝመርሖ ዘሎ መንግስቲ መንግስቲ ናይ ኦሮሞ ወኪልዩ እናተባህለኳ ዝሕመ እንተኾነ፡ ብፖለቲከኛታት ብሄር እውን ሓያል ተቓውሞ ዘጋጥሞ ዘሎ እዩ።
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290