ኣኼባ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ተኻይዱ

2025-07-20 07:12:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 288 times

ጥምረት ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ዘማእክሎ ሰፊሕ ኣኼባ ኣባላት፡ ብ19 ሓምለ 2025 ተኻይዱ።  ኣብቲ ብኣላይነት ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ፖሓኤ ዝተኻየደ  ኣኼባ፡ ብዛዕባ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ዘካየዶም ስረሓትን ብዛዕባ  ኣሰናዳዊት ሽማግለ ፈስቲቫል  ኤርትራ ፍራንክፎርት 2025ን ዝምልከት መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ምይይጥ ተኻይዱ።

ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያትን ፖሓኤ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ ኣገዳስነት ሕድሕድ ኣባላት ምትእምማን ምፍጣርን ኣባልነት ንምስፋሕን ዝካየድ ጻዕርን ጠቒሱ። እቲ ኣወዳድባ ብደረጃ ዞባታት፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤውሮጳ፡ ሱዳን፡ ኣወስትራሊያን ኢትዮጵያን ይካየድ ከም ዘሎን ኣብ ትሕቲ እተን ዞባታት ከኣ ጨናፍር ከም ዝህልዋ ኣብሪሁ።

ካብ ቀንዲ ዕላማታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ሕድሕድ ናይተን ፖሓኤ  መስሪተን ዘለዋ ኣካላት ግቡእ ምልላይን ስጥመትን ክህሉ ምግባር፡ ኣባላት ኣብ ዘዘለዉዎ ከባቢ  ህዝባውን ማሕበራውን ባይታ ዘጣጥሕሉ ኩነታት ምፍጣር፡ ምስ ኣብያተ-ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ተቐራሪብካ ምስራሕን ናይ ኩለን ኣባላት ኣብ ዘየብሉ ከባቢ እቶም ዘለዉ ናይ ፖሓኤ ውክልና ዝወስድሉ ኣሰራርሓ  ምሕያልን ዝብሉ ከም ዝርከብዎ’ውን ሓው ተስፋይ ኣስፊሑ  ገሊጹ።

ሓው ተስፋይ ደጊጋ ኣብ ኩለን ዞባታት ዘሎ ንጥፈታት ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ፡ ብዝምልከት  ዝበጸሖ ጸብጻባት ብምጥቃስ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ምምሕዳራት ናይተን ዞባታት ከኣ ተወሰኽቲ መብርህታት ሂቦም። ኣብ መጻኢ በቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ንክዕመሙ ከም  መደብ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ዞባ ዝስራሕ ኣውንታ ናብተን ካለኦት ከም ኣብነት ምትእትታውን ዞባታት ብጋድሚዊ ርክብ ከም ዝተሓጋገዛ ምግባር፡  ዓቕሚ ንምፍጣር ዝሕግዙ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ምስላጥ፡ ኣብ ከባቢአን ምስ ዝርከቡ ኣካላት ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝምድና ምፍጣርን ዝኣመሰሉን ምዃኖም ኣብቲ መብርሂኡ ኣስፊሩ። ብዓብይኡ ድማ ንዕዉት መጻኢ ጉባአ ፖሓኤ ምድላው ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ 1 ክሳብ 3 ነሃሰ 2025 ዝካየድ  ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ብወገኑ፡  ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ሓቢሩ ኤርትራውያን ግዱሳት ንክሳትርፍዎ  መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ብዛዕባ ክልቲኡ ዛዕባታት ዘይበርሃሎም ጉዳያት ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም መብርሂ ተዋሂቡ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝብልዎም ሃነጽቲ ሓሳባት ኣቕሪቦም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣብ መጻኢ’ውን ንክቕጽል ተላብዮም።

Last modified on Sunday, 20 July 2025 09:15