ጉዳይ ሱዳን ንምርኣይ ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ኣኼባ ተዓንቂፉ
2025-07-15 21:38:07 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 230 timesካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ምክትል ሓላፊት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ኣንበሳደር ስዑድያ፡ ኣንበሳደር ኢማራት፡ ኣንበሳደር ግብጺ
ዝተወሰና ሃገራት ብኣባልነት ዝርከበኦ ዝለዓለ ጉጅለ፡ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ መጀምርያ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2025 ዝጀመሮ መስርሕ ከም ዝተዓንቀፈ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ ዕንቅፋት ዝተፈጥረ ግብጺ ኣብቲ ርክብ ወኪል ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ክሳተፍ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብምቕራባን ኣሜሪካ ከኣ ንርኢቶ ግብጺ ብምንጻጋን ምዃኑ ተሓቢሩ።
ናይቲ ኣብ ዋሽንግተን ብጉዳይ ሱዳን ዝተጋብአ ጉጅለ ኣባላት፡ ወከልቲ ኣሜሪካ፡ ሳዑድ ዓረቢያ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ግብጽን ክኾኑ እንከለዉ፡ ቀንዲ ቆላሕተኦም ከኣ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ዝፍተሓሉ መንገዲ ንምርካብ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ፍሉይ መርገጺ ናይታ ንመንግስቲ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ኤርትራን ሱዕድያን ኮይና ብቐረባ እትድግፍ ግብጺ፡ ከምቲ ዝድለ ክስጉም ከምዘይከኣለ ሓደ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፈ ዲፕሎማት ኣፍሊጡ።
ኣሜሪካ ብሰንክቲ ኣብ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘለዎም ኣሉታዊ ግደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዝተፈላለዩ እገዳታት ዝንበረትሉ መንግስቲ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብቲ መድረኽ ንክሳተፍ ዝቐረበ ናይ ግብጺ ርኢቶ ብትሪ እያ ተቓዊማቶ። ኣሜሪካ ኣብ ርእሲዚ ኣብ ክንዲ መንግስቲ ጅነራል ኣልቡርሃን፡ ነቲ ብሰንኪ ናይ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ሱዳን ዝተወገደ ሲቭላዊ መንግስቲ ወከልቲ ምዕዳም ከም ዝምረጽ’ውን ሓሳብ ኣቕሪባ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ማሕበረሰብ ሲቪላውን ፖለቲካውን ሱዳን፡ ኣብ ካልእ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ሱዳን ትሪቡን ብወገና ኣፍሊጣ። እቶም ሲቪላውን ፖለቲካውን ማሕበረሰብ ሱዳን ኣብቲ ርክቦም፡ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዝተፈጸመ ክሳብ ምጽናት ዓሌት ዝበጽሕ ሜላዊ መጥቃዕትታት ዝሕብር ሰነድ ከም ዘቕረቡ ድማ ተፈሊጡ።
እዚ ኩነታት ዘመልክቶ፡ ሱዳናውያን ጉዳዮም ባዕላቶም ብሰንኪ ክፈትሑ ዘይምኽኣሎም፡ ኣብ ኢድ ናይ ግዳም ሓይልታት ወዲቑ ይተሓላለኽ ምህላዉ እዩ።