ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ሕቶ ኤርትራ ተቐባልነት ንኸይረክብ ጸዊዑ

2025-06-26 15:03:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 144 times

ሰብኣዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል (Amnesty International)፡ መንግስቲ ኤርትራ ቀጻልነት ናይቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ተመዚዙ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተል ራፖርተር፡ ንክቋረጽ ዘቕርቦ ዘሎ ጠለብ ተቐባልነት ንከይረክብ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ካብ 4 ክሳ 7 ሓምለ 2025 ክካይዶ ተመዲብዎ ዘሎ መበል 59 ጉባአኡ ኣንጻር ሕቶ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ንከድምጽ ናይቲ ትካል ዳይረክተር ዞባ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ቲገረ ቻጉታህ ጸዊዑ።

ኣምነስቲ ኣብዚ ናብ ኣባል ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዘቕረቦ ምሕጽንታ፡ መስርሕ ምክትታል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣይተዛዘመን ድሕሪ ምባል፡ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰታት ተሓታትነት እውን ኣይተረጋገጸን ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ምቕጻል እቲ ፍሉይ ራፖርተር መሪሕ ግደ ዘለዎ ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ ተሓታትነት ንክትግበር ክሕግዝ ከም ዝግበኦ ኣብቲ መጸዋዕታኡ ኣስፊሩ ግህሰታት ኣብ ኤርትራ ምምዛዝ ናይቲ ራፖርተር 10 ዓመት ኣብ ዝመለኣሉ’ውን ቀጻሊ ምህላዉ’ውን ኣቃሊዑ።

ኣተሓሒዙ ከኣ ብወገን ኤርትራ ኣድላይነት ናይቲ ራፖርተር ንከቋርጽ ሒዝዎ ዘሎ ኣጀንዳ ክዕወት ዘይግበኦ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ዓብይ ሓላፍነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዘስተናዕቕ ምዃኑ እውን ኣስፊሩ። እዚ ምምዛዝ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ካብ 2012 ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። እንተኾነ ቅድሚ ኹሉ እቶም ዝምዘዙ ራፖርተራት ናብ ኤርትራ ናይ ምእታው ዕድል ስለ ዝተነፍጎም ክንድቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከድምዑ ኣይጸንሑን።

Last modified on Thursday, 26 June 2025 17:09