ጋዜጠኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኣሲሩ

2025-05-12 19:25:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 22 times

ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሬድዮ ኤፍኤም ላዕለዋይ ሪፖርተር ዝነበረ  ከም ዝተኣስረ፡ “ራድዮ ታማዙጅ” ዝተባህለት ምንጪ ሓቢራ። እዚ ማንያንግ ማዮም ዝተባህለ፡  ሬድዮ ሪፖርተር “ሬድዮ ኤፍኤም ሚራያ” ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር፡  ከባቢያዊ ምምሕዳር ሩምበ፡ ማቦር ኣብ ዝተባህለ መራኸቢ ዘየብሉ ፍሉይ ቦታ ከም ዝተኣስረ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ማእሰርቲ “ናይ ደቡብ ሱዳን ሓይልታት ህዝባዊ ምክልኻል (SSPDF)” ብዝተባህለ ዝተዓጥቀ ኣሃዱ ከም ዝተፈጸመ  ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ።

ሬድዮ ጋዜጠኛ ማንያንግ ማዮም፡  ድሕሪ ማእሰርቱ ሃለዋቱ ከም ዘይተፈልጠ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ኣባላት ቤተሰቡን ሓቢሮም።  መርበብ ሱዳን ቱሪቦን ብወገና፡ ናይቲ ጋዜጠኛ ማእሰርቲ ምስቲ ዘመሓላልፎ መደባት ኣስተምህሮ ምትእስሳር ኣለዎ ድዩ የብሉን ከምዘይተረጋገጸ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብቲ ከባቢ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መንግስቲ መቆጻጸሪ ዓንቀጻት ኣቚሞም፡ ካሜራታት፡ ኮምፒተራት፡ ተለፎናትን ዝኣመሰሉ ክቡራት  ንብረትን እናራሰዩ ብዙሓት  ሰባት ከም ዝኣስሩ ኣፍሊጦም።

እዚ ተኣሲሩ ዘሎ ጋዜጠኛ ቅድሚ ኣብ ሬድዮ ኤፍኤም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምቑጻሩ፡ ኣብ መንግስታዊ ሬድዮ ሱዳን ኣባል ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ጋዜጣዊ ተግባራት ዝነጥፍ ዝነበረ እዩ። ሓደ ናይ ቀረባ ዘመዱ ብወገኑ ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ጋዜጠኛ ስድራ ክሓትት ናብ ትውልዲ ዓዱ ምስከደ ተኣሲሩ ምስ ተሰምዐ፡ ብተለፎን ደሃዩ ንምፍላጥ ዝተገበሮ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ንሚድያታት ሓቢሩ። ናይዚ ጋዜጠኛ ሬድዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃኑ ብፍሉይ ብማዕከናት ዜና ይዝረበሉ ኣሎ እምበር፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ጋዜጣኛታት ዘለዎም ኣረኣእያ ኣሉታዊ ብምዃኑ  ግዳይ ይገብርዎም ምህላዎም ተፈሊጡ።

ላዕለዎት ፖለቲካዊ ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ክፍጽሙ እንከለዉ ንዘቃልዕዎም ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሲቪል ማሕበራትን ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ስለያ ከም ዝኸስዎምን ኣንጻር ነጻነት መዲያን ሓሳብካ ምግላጽን  ኩሉ ዕንቅፋት ከም ዝፈጥሩ’እውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ።

Last modified on Monday, 12 May 2025 21:31