“ከይጸመደ ኣንጐደ”

2025-12-09 09:58:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 682 times

ህልዊ መሰረታዊ ጸገም ኤርትራውያን፡ ክቱርን ኩለ-መዳያዊ ጭቆናን ጉጅለ ህግደፍን ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብሩህ እዩ። ከምዚ ሎሚ ብወገን መንግስቲ ብልጽግና ዝዋፈር ዘሎ ዝኣመሰለ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝቃልሕ ግዳማዊ ተጸብኦ ከም ዘጋጥም’ኳ ዝረአ ዘሎ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ግና ህግደፍ ዝመበቆሉ ዘቤታዊ ጸገም እዩ። ብዛዕባ’ቲ ጸገምናን መፍትሒኡን ኣብ ገዛእ ሃገርና፡  ምስ ህዝብና ሓቢርና እንቃለሰሉ ባይታ ዘይምርካብና ከኣ ነቲ ጸገም ተደራራቢ ይገብሮ። ብሰንክዚ ኢና ከኣ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ክንቃለስ ተገዲድና ዘለና።

ኣብ ወጻኢ ከም መቃለሲ ዝምረጽ ቦታ ህዝብኻ ኣብ ዘለዎ ሃገር እዩ’ሞ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ዘይኣተዋ ሃገር ስለ ዘየለ ቃልስና በብደረጃኡ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ’ዩ። እቲ ቃልሲ ብህዝቢ፡ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህላወ ህዝቢ ከም ናይ ቃልሲ መዕቀኒ ዝውሰድ። ካብኡ ናብኡ እቲ ዝያዳ ዝምረጽ መቃለሲ ቦታ  ደሃይ ቃልስኻ ናብቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ደላይ ለውጢ ህዝቢ ብቐሊሉ ዝስመዓሉን ዝጸልወሉን ጐረቤት ሃገር እዩ። ኣብ ታሪኽ ቃልስና ንሱዳንን ህዝባን ፍሉይ ግምታ ክወሃቦም ዝጸንሐ ከኣ ብመንጽርዚ እዩ።  ኢትዮጵያ እውን ብፍላይ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ መነሃርያ ቃልስና ኮይና ጸኒሓ’ያ። እዘን ሃገራት ከም መነሃርያ ዝምረጻ፡ ጐረባብቲ ብምዃነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ህዝብና ብእግሪ ከይተረፈ ተጓዒዙ ዝመላለሰን ብምዃነን’ውን እየን።

 ናይቶም ነተን ሃገራት ዝመርሕወን መንግስታት ፖለቲካዊ ባህሪ እውን ናቱ ግደ ነይርዎን ኣለዎን። በዚ መዕቀኒ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ኣብቲ ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዝነበሮም እወታዊ ግደ ታሪኽ ዝርሰዖ ኣይኮነን። መንግስታት ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ ግዜ ሃጸይ ሃይለስላሴን ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግን፡  ኣንጻር ሰውራ ኤርትራ ይዋግኡ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብኡ ኮይንካ ምቅላስ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ምዝካሩ ዘጸግም ኣይኮነን። ምስ ኩሉቲ ጸቢብ ዕድል ግና ኣማኢት ኤርትራውያን ብምስጢር ተወዲቦም ግቡኣቶም እናፈጸሙ ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ኩነታት ኢትዮጵያ ብመንጽር ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ናብቲ  ኢህወደግ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ዝነበረሉ ኩነታት ዝምለስ ዘሎ እዩ ዝመስል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ኢህወደግ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ናጽናትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝማታእ ኣይነበረን። ናጽነት ኤርትራ ምእማን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ዲክታተርነት ተወጊዱ ህዝቢ ዝማእከሉ ሕገመንግስታዊ፡ ብዙሕነታ’ውን ዲሞክራሲያ’ውን ስርዓት ንክምስረት ብዘተባብዕ ስርዓት እያ ትምራሕ ነይራ። ኣብቲ መስርሕ ናቱ ሕሳባት እኳ እንተነበሮ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምግሃድ ንዝቃለሳ ውድባትን ሰልፍታትን ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ተራኺበን ምእንቲ መሰሉ ንክቃለስ ኣለዓዒለን ዝውድባሉ ባይታ’ውን ዝፈቅድ እዩ ነይሩ። ብሳላ’ዚ ባይታዚ እየን ከኣ ምስ ኩሉ ድኽመታተን ኣስታት 13 ውድባትን ሰልፍታትን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ነናተን ኮነ ናይ ሓባረን ኣብያተ-ቤት ጽሕፈት ከፊተን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘካይዳ ዝነበራ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ውድባት ኤርትራ፡ ዘሰማምዑ ነጥብታት’ኳ እንተነበርወን፡ ፍልልያት እውን ነይርወን እዩ። ካብቲ ከም ቀንዲ ድኽመተን ዝውሰድ ከኣ፡ ነቲ ዝነበረን ዕድል ተጠቒመን፡ ፍልልያተን ኣመሓዲረን ኣብቲ ዘሰማምዕን ኣትኪለን ሰጒመን ከድመዓ ዘይምቀዐን እዩ። እዘን ውደባታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበራሉ ብርኢቶን ሓሳብን ካብ ምውድዳር ሓሊፈን፡ ብዓይኒ ጽልኢ ተረኣእየን፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ካብ ናይ ቃልሲ መድረኽ ናይ ምውጋድ ሕልና ኣይነበረንን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብወግዒ ነተን ውድባት ብሓደ ዓይኒ ካብ ምርኣይን ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ካብ ምምካርን ሓሊፉ፡ ብዘይካቲ ኣብ 1994 ዝተራእየ ምእሳር ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኣብ 1998 ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ካለኦት ውዳበትን፡ ነቲ ሓደ ክሰጉግን ከግልልን ነቲ ካልእ ድማ፡ ብርኡይ ዝሓብሓብሉ ተመኩሮ ኣይነበረን። ውድባት  ቅርበተን ምስቲ መንግስቲ ዝተፈላለየ ደረጃ ከም ዝነበሮ ግና ዘይክሓድ እዩ።  

ኣብዚ እዋን’ዚ ገለ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐስ ዝደሊ ዘሎ ኣካል  ደገፍቲ ኢና በሃልቲ፡ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት  “ቅድሚ ሕጂ ደም ንጹህ ዝፈሰሳ ሃገር፡ መጻወቲ በጋሚዶታት ደቂ ኣስመራ እንድያ ኮይና፡ ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝበሃል የለን። ዘይተቓለሰ ዋላ ምሁር ይኹን ናብ ስልጣን ገጹ ኣይቀርብን እዩ። ….ዝኾነ ነዚ ግንባር ዘይድግፍ እንተኮይኑ፡ ውድብ ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጽእ ዋላ ብመዲያ ክንጉስጉሰሉ ኣለና።….መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈሪሙ ባይታ እንተሂቡና፡ ብጉልበትና፡ ብገንዘብናን ብሓሳብናን  ከነጥፈኦም ኣለና። ጸላእትና፡ ህግደፍ፡ ውድባት ኤርትራ፡ ህወሓትን ፋኖን እዮም” ዝብሉ ክለጣጥፉ እንከለዉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይመጾ ከም ዘሎ ዘጠንቅቖ ደወል እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝልለየሎም ብዙሓት ባህርያቱ፡ ኣብ ኤርትራ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ምንፋግ ሓደ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ካብቲ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ኣለዎም ንዝብሎም ተቓወምቱ ናይ ምውዳብ ዕድል ከምዘይረኽቡ ምግባር እዩ። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝምድና ክምስርት እንከሎ፡ ካብ ዝሓቶም ቅድመ-ኩነታት ከኣ“ንተቓወምተይ ኣረክቡኒ ወይ ድማ ካብ ሃገርኩም ስጐጉለይ” ዝብል ቅድሚት ይስራዕ። ካብዚ ስግኣትን ጽበትን ብምንቃል ናይቲ ጉጅለ ስግረ ዶባዊ ቀንጻሊ ጉጅለ ምስ ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ሓለፍቲ ብምትሕብባር፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተቐንጸሉን ተጨውዮም ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ኤርትራውያን ተቓለስቲ ታሪኽ ዝርሰዖም ኣይኮኑን።

ምስ ናይ ህግደፍ ብዝመሳሰል በሓቲ ኣካይዳ፡  “ኢትዮጵያ ነዓና ሓላል፡ ንኻለኦት ግና ሓራም”  ዝብል ስሰዐ ይቀላቐል ምህላዉ፡ “ከይጸመደ ኣንጐደ” ወይ “ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕድረናን” ዘብል እዩ። እዚ  እቲ “ኤርትራ ናይቶም ንህግደፍ ዘገልግሉ ጥራይ እያ” ዝብል ስሰዐን ብደዐን ከይደግም ዘሰክፍ ብምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዓንተቦ ኣስተብሂሉ ክቃለሶን ዝጽበዮ ዘሎ ዕማም እዩ። 

 

Last modified on Tuesday, 09 December 2025 11:02