ኣብ ማዕከናት ዜና ዝረአ ዘሎ ምክሳስን ምጥቕቓዕን
2025-10-21 08:19:16 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 30 timesዞባና ምስቲ ተበሃጊ ኣቀማምጣኡ፡ በብግዜኡ ኣዛረብቲ ፖለቲካዊ ክስተታት ዝረኣይሉ ከባቢ እዩ። ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ምስእንግንዘብ፡ ሃገራት ከባቢና ካብ ሕድሕድ ምውጣጥን ምክሳስን ሓሊፎም፡ ግዳይ ውግእን ህልቂትን ክኾና ምጽነሐን ዝፍለጥ እዩ። ዝሓለፉ ይኹኒ ዘለዎ ናይተን ሃገራት መንግስታት ኮኑ፡ መዕንገልቶም ንምንዋሕ ዕድመ ስልጣኖም ክብሉ፡ ዝፍጠሩ ጸገማት ንምግዳድ ዓረቕቲ መሲሎም ክሕምሱ ከም ዝጸንሑ ታሪኽ ዝምስክሮ’ዩ። እነሆ ድማ ሎሚ፡ እቲ ካብ ኣጀንዳነት ኣዕሪፉ ዘይፈልጥ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ዞባና ሓሊፉ ኣህጉራዊ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።
ኣዛራብነት ኤርትራን ኢትዮጵያን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልምዓት፡ ሰላምን ምትሕባርን ዝተሰረተ፡ ናብ ብሩህ መጻኢ ዘማዕዱ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ቋንቋ ውግእን ምውጣጥን ዝቃልሓሉን ስግኣትን ሻቕሎትን ህዝብታት ዘርኢ እዩ። እዚ ዘይርጉእ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ብዝተፈላለዩ ኣካላትን መልክዓትን ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ብመንጽር’ዚ ገለ ኣብቲ ጉዳይ ተዋፊረን ካብ ዘለዋ ካብ ርኢቶ ናይቶም መንግስታት ናጻ ዘይኮና መርበባት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ምስቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ዓብይ ኣጀንዳ ዝዛመድ፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታታት ተጻራሪ ናይ ሓሳባት ምምንጣላትን ምክሳስን ተዘርጊሑ። ካብኡ ኣብ ሆርን ረቪው (HORN REVIEW)፡ “ናይ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ንኤርትራዊ ሃገርነት ናይ ምስሓብ ጉዳይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብእንግሊዘኛ ዝወጸ ሰፊሕ ጽሑፍ ሓደ እዩ።
ኣብቲ ዝወጸሉ መርበብ እምበር፡ ጸሓፊኡ ዘይተጠቕሰ ብዙሓት መዲያታትን ኣንበብትን ዝተቐባበልሉ ጽሑፍ፡ “….. ኢትዮጵያ ንሓንቲ ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበት፡ እሞ እታ ኣፍልጦ ዝተዋህባ ሃገር ጥቕሚ ዘየብላን ጠንቂ ዘይምርግጋእን እንተኮይና፡ በቲ ኣቐዲማ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ተቐይዳ ክትነብር ትግደድ ድያ?” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፡ “እዚ ጉዳይዚ ምልዓልና መሰረት ዘየብሉ ኣይኮነን” እውን ይብል። “ንሓንቲ ሃገር ኣፍልጦ ዝወሃብ ብመንጽር ረብሓኻን ልኡላውነትካን ኮይኑ፡ ነባርን ዘይቅየርን ኣይኮነን” ዝብል ምስ ኣስዓበ ከኣ፡ “ዓለም ለኻዊ ሕጊ’ውን በቲ ሓንሳብ ንልኡላውነት ዝሃብካዮ ኣፍልጦ ተቐይድካ ንበር ኣይብልን’ዩ” ዝብል የስዕብ።
“ቀዋሚ ሃገር ንምዃን 4 መሰረታዊ ጉዳያት ክማልኡ ይግበኦም፡ ንሳቶም ከኣ፡ ቀዋሚ ህዝቢ፡ ብንጹር ዝተኸለለ ከባቢ፡ ኣድማዒ መንግስትን ብቑዕ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ክትፈጥር ምብቃዕን እዮም” ዝብል ሓሳብ ድሕሪ ምስፋር ድማ፡ “ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ንኣርባዕቲኡ መምዘንታት ሃገርነት ኣይትበቕዖን’ያ” እንዳበለ ይህውትት።
በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ቢኮን (RED SEA BEACON)፡ ኣብ ዝተባህለ መርበብ ሐበሬታ “ዘይቅየር ሓቂ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብተመሳሳሊ ዝወጸሉ መርበብ እምበር፡ ጸሓፊኡ ብውልቂ ዘይተጠቕሰ፡ ሰፊሕ ጽሑፍ “ ….. ናጽነት ኤርትራ ብኢትዮጵያ ዝተዋሕሰ፡ ወይ ኣብ ድሌት ኣዲስ ኣበባ ዝተንጠልጠለ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገርነት፡ ኣብ ናጽነት ካብ መግዛእቲ ዝተሰረተ፡ ብደምን መስዋእትን ዝተዋሕሰ፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝተረጋገጸን ብናይ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ሃገራዊ ግብራዊ ጉዕዞ ዝተመኮረን እዩ። ነዚ ንምኽሓድ ዝቐርብ ሓሳብ ከኣ ትንታነ ዘይኮነ ልብ-ወለድ’ዩ።” ዝብል መልእኽቲ ዝርከቦ ግብረ-መልሲ ኣስፊሩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ካብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምምንዛዕ ኢሉ ዘቕርቦ ኣገራሚ መርተዖታት፡ “ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ልኡላውነት ሃገርን ቁጠባዊ ዕቤት ስለ ዘይረጋገጽ፡ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኮይና ስለ ዘይትፈልጥ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ ኣሃዛዊ ብልጫ ስለ ዘለዎ፡ ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ኩሉ ዝከታተሎን ዝግረመሉን ዘሎ እዩ።
ነዞም ነዚ “ዕባራ ምኽንያታት” ዝድርድሩ “እሞ ኢትዮጵያ ኮነት እተን 44 ካብአን 16 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዓለም ልኡላዊ ዘይኮናን ቁጠባዊ ዕቤት ዘየርእያን እየን ማለት ድዩ?፡ ዶብ ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ናብ ካልእ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ቀረባ ስለ ዝኾነት ወናኒት ባሕሪ ክትከውን የኽእላ’ዩ ማለት ድዩ?” ንዝብሉን ዝኣመሰሉን ሕቶታት መልሲ ከምዘየብሎም ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ እዞም ምኽንያታት ተባሂሎም ተደጋጊሞም ዝቐርቡ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ቦታ ከም ዘየብሎም ብሩህ ስለ ዝኾነ።
ነቲ ኣብ መርበብ ሆርን ረቪው ዝወጸ ጽሑፍን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምኽኑይ ንምምሳል ዝደጋገሙ ሓረጋትን ኣብ ርእሲቲ ናይ መርበብ ቀይሕ ባሕሪ ቢኮን፡ ኣንበሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ብዛዕባ ህልዊ ምፍጣጥ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ብዘይካ ኣብተን ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝተቘረነትለን 1952-1962፡ ከምኡ'ውን ንፈደረሽን ብኢደ ወነኑ ብምፍራስ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንኤርትራ ኣብ ዝጐበጠሉ እዋን ካብ 1962 ክሳብ ናጽነት ኤርትራ 1991 ኣብ ዝነበራ 39 ዓመታት፡ እዛ ሎሚ ኢትዮጵያ ትበሃል ዘላ ሃገር ገማግም ባሕሪ ወኒና ከም ዘይትፈልጥ ታሪኽ ንባዕሉ ህያው ምስክር እዩ።” ብዝበሎ ክራጐድ እንከሎ፡ “ጥራሕ ዝባኑ ከም ዝወጽእ” ርዱእ እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ውግእ እተተኻይዱ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ኣብይ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኽፍሎ ዋጋ ከም ዝህሉ’ውን ከስተውዕል ነዘኻኽሮ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝሓለፈን ዘሎን ላዕልን ታሕትን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን፡ ብልጽግና እንተ ተጠቒምሉስ ምኽሮም ይልግሱ ኣለዉ። ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብደረጃ ወተሃደርነት ይኹን ብሲቪል ላዕለዋይ በዓል መዚ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ግዜ ዝሰርሐ፡ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሓደ እዩ።
ሻለቃ ዳዊት “ርእዮት-መዲያ” ምስ ዝተባህለት ዩቱብ ብዛዕባ’ዚ ሎሚ ዝለዓል ዘሎ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ኣነ ሓላፊ ኮይነ ብቐረባ ከም ዝፈልጦ፡ ኤርትራ ድሕሪ 1993 ናጻን ልኡላዊትን ሃገር እያ። ወድብ ዓሰብ ከኣ ካብ ግዜ ጥልያንን እንግሊዝን ጀሚራ ኣካል ኤርትራ እያ ነይራ። ሕጂ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ወደብ ክትከውን እትኽእለሉ ሕጋዊ ዕድል የለን። ኤርትራ ብድሌታ ምስ ኢትዮጵያ ብኮንፈደረሽን እንተ ሓቢራ ግና ኢትዮጵያ ተጠቃሚት ክትከውን ትኽእል እያ። እቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ጥሒስካ ብሓይሊ ምውናን ዝብል ግና መዋጸኦ ኣይኮነን።” ይብል። ሰማዒ እንተረኺቡ ከኣ ርኢቶ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ “ኣብ ባይታ ዝወድቕ ኣይኮነን።”