ተዘራሪኻ ናይ ምኽባብ ቅድድም

2025-09-02 08:28:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 156 times

ኣብ ዞባና ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራን ጐረባብታን ድማ ብፍላይ፡ ምስ ዓቕሚ ክፈጥረለይ ይኽእል እዩ እትብሎ፡ ተመሓዚኻ ናይ ምጥቕቓዕ ቅድድም ክረአ ጸኒሑን ኣሎን እዩ። ድሕር’ቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ውዑል ሰላም፡ ዝተራእየ ውድድርን ህልኽን፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተደረተ ይመስል ነይሩ። ሎሚ ግና እቲ ዝካየድ ዘሎ ተጻራሪ ክባን ዕጽዋን፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ከባቢና ዝሕቆን ዘሎ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኮይኑ ሓድሽ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ’ዩ። እዚ ክስተት ሕጂ ዝጅምር  ዘሎ ዘይኮነ፡  ክሕቆን ዝጸንሐ ምጥልላምን ትካላዊ ሰረት ዘይነበሮ ዝምድናታትን  ዘስዓቦ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።

ኣብዚ ኣብ ጐረባብትና ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕልላኽ፡  ኣስማተን ቅድሚት ዝጽራሓ ዘሎዋ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን እየን። ኣብዚ ውድድር እቲ ሓደ ዝሓዘ ሒዙ ነቲ ካልእ ናይ ምጭናቕ ቅድድም ኣብ ርሱንን ዘሻቕልን ብርኪ በጺሑ ይርከብ። ህግደፍ ኣብ ጐኑ ፋኖ፡ ኦነግ፡ ሓደ ክፋል ህወሓት፡ ኣብ ምስላፍ ተጸሚዱ’ሎ። ብልጽግና ብኣንጻሩ፡ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ፡ ብስም ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥን ካለኦት ኤርትራውያንን ኣብ ጐኑ  ንምስላፍ ካብ ምጽዓት ዓዲ ኣይወዓለን።

እቲ ጀጀንዳኻ ኣሰሊፍካ ናይ ምኽባብ ዓንኬል፡ በዚ ናይ ቀረባ  ጐስጓስ ዝድረት ዘይኮነ፡ ብዝሰፍሐ መልክዑ፡  ህግደፍ፡ ግብጺ፡ ሱዳናዊ ጉጅለ ጀነራል ኣልቡርሃንን ሳዑዲ ዓረብያን ኣለዋ። ብልጽግና ብወገኑ፡ ኢማራትን ሱዳናዊ ጉጅለ ሕመቲን ኣብ ጐኑ ከሰልፍ ይጽዕት ኣሎ። እዚ ብኣላይነት ነዊሕ ኢድን ህጣራ ካዝናን ዘለዋ ኢማራት ዝዝርጋሕ ሓደገኛ ገመድ፡ ክሳብ ቻድን ሊቢያን ዝምጠጥን ንሃገረ ሱዳን ናብ ክልተ ከይመቅል ዘስግእን ምዃኑ ይግመት።

ህግደፍን ብልጽግናን ነዚ ኩሉ ውዲታት ክኣልሙ እንከለዉ፡ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ሸቶታት ከም ዘለዎም ይነግሩ እዮም። ብልጽግና ዝሓዘ ሒዙ ኢትዮጵያ ብወገን ኤርትራ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ክገብራ እየ ይብል። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ሰልፊ ብልጽግና ማእከላይ ባይቶ ኣኼባ ኣብ ዝወጸ ደምዳሚ መግለጺ’ኳ፡ “ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ተፈጥሪኣዊ መሰልና ዓለም ለኸ ኣጀንዳ ጌርናዮ ኢና። በዚ መስረት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረና ዋንነት ንምምላስ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ሰጒምና ኣለና።” ይብል።

ህግደፍ ብወገኑ ብወግዒ ዝዛረበሉ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንኣብይ ካብ ስልጣን ኣወጊድካ ኣብ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ገባሪ ሓዳጊ ናይ ምዃን ሕልሙ ስለ ዘይቀበጸ እዩ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ዝሓማዙቕ ዘሎ። እቲ ኣብ ጐኒ ህግደፍ ኮነ ብልጽግና ተሰሊፉ ክጐራበት ዝደሊ ዘሎ ወገናት’ውን፡ ንመሰነይታ ዘይኮነ፡ ነናቱ ሕሳባት ኣለዎ። ህወሓት ብውሕዱ በዚ “ጽምዶ” ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ  ኣዛራቢ መንገዲ ኣቢሉ፡ ብሰንክቲ ውግእ ተወሲዱኒ ዝብሎ መሬት ከምልስ ከም ዝደሊ ርኡይ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ስኢንዎ ዘሎ ስልጣን ክመልስ ኣይሕልንን  ምባል’ውን ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕድሕድ ፖለቲከኛታት ትግራይ፡ “መጻኢ ጉዕዞና ናብ ነጻ  ሃገረ-ትግራይ ድዩ ወይ ጉዳያት ናብ ንቡር መሊስካ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይንካ ምቕጻል?” ዝብል  ኣዝዩ ኣከራኻሪ ኮይንዎም ዘሎ እዩ።

ናብቲ ስፍሕ ዝበለ መድረኽ ምትፍናን ክውሰድ እንከሎ ከኣ፡  እተን ዝመሓዘዋን ንዋት ዝልግሳን  ሃገራት’ውን ነናተን ሕሳብ ኣለወን። ግብጺ ምስ ዓብይ ሕዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ዝተሓሓዝ ዘይተወደአ ዋኒን ኣለኒ በሃሊት እያ። ኤመራት ከኣ ንብልጽግና ደንጊጻ ጥራይ ዘይኮነት፡ ኣካልቲ ዝተነፍጋ ቁጠባዊ ግደኡ እናዓዘዘ ዝመጽእ ዘሎ  ቤት ምኽሪ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምዃን ህልኸኛ ህርፋን ኣለዋ።

 እቲ ካልእ ምስ ኤርትራ ኮነ ምስ ኢትዮጵያ ንምምሕዛው ዘብዘብ ዝብል ዘሎ ወገናት’ውን ነናቱ መዕለቢ ዘይረኸበ ውሽጣዊ ዕዮ ገዛ ዘለዎ እዩ። ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ጸገማት ናይ ሓደ መፍትሒ’ኳ ኣይገበረን። ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ትግራይን ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ክልል ደቡብን ዘዕለቕልቕ ዘሎ  ናይ ህውከት ማዕበል ኣቐሚጡ እዩ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘመዓዱ ዘሎ። እቲ ዘሕዝን ግና ነቲ ሓዊ እቲ ህውከተኛ  ምስ ኣጐዶ፡ እቲ ኣብ ዘይወዓሎ ክቡር ዋጋ ዝኸፍአሉ እቲ መከረኛ  ህዝብታት ምዃኑ’ዩ።

“በዚ ኣሰላልፋታት፡ በየናይ ኣገባብ ኣቢሎም’ዮም ነቲ ዝጽበይዎ  ክበጽሕዎ ዝደልዩ?”፡ ዝብል ሕቶ ኣዝዩ ኣከራኻርን ኣሰካፍን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ዓው ኢልካ ዝዝረበሉ ዘሎ ውግእን ወረ ውግእን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ዛዕባ ዞባና ክለዓል እንከሎ፡ ብቐጥታ ናብ ኣእምሮ ብዙሓት ዝመጽእ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያንሲ ወግእ  ክካየድ ድዩ ኣይካየድን?” ዝብል እዩ። ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ   ዝተፈላለየ ኮይኑ ንረኽቦ። ገለ ወገናት “ተኹሲ እዩ ዘይተሰምዐ እምበር፡ ኣብ ፖሮፖጋንዳዊ፡ ዲፕሎማሲያውን ሸመታ ኣጽዋርን እኮ  ውግእ ተጀሚሩ እዩ፡ እቲ ተኹሲ ድማ ዘይተርፍዩ” ይብሉ። ካለኦት ብወገኖም፡“እቲ ዝስማዕ ናይ ውግእ ዳንኬራታት ንምስንባድን ጠመተ ህዝቢ ንምጥምዛዝን እንተዘይኮይኑ፡ ውግእ ኣይክህሉን እዩ” ክብሉ ይስምዑ።

ብደረጃ ዓለምን ኣፍሪቃን ከይተረፈ፡ ሃብታም ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካውን ተመኩሮ ዘለዎ፡ ኤርትራዊ ኣንበሳደር ሃይለመንቄርዮስ ብወገኑ ኣብዚ ቀረባ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ውግእ ኣይመጽእን እዩ ኢልካ ክትሓስብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡” ምባሉ እውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።  ካብቶም ውግእ ንምክያድን ዘይምክያድን ብተዓዘብቲ  ኣብ ግምት ዝኣትዉ መለክዕታት፡ ናይተን ሃገራት ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓቕሚ፡ ዓለምለኻዊ ተጽዕኖ…….ወዘተ እዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ወጥሪ ክፍጠር እንከሎ፡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚርካ ብዙሓት ኣህጉራዊ ትካላት ዓገብ ክብሉ ምጽባይ ንቡር እዩ። እንተኾነ ናይ ካለኦትስ ይጽናሕ እሞ፡ ብዓብይኡ ድምጺ ናይቲ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ  ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ከኣ ድምጺ ናይቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣባልነት ዝርከበኦ 8 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ኢጋድ’ኳ ድምጹ ዘይምስምዑ ዘተዓዛዝብ’ዩ።

ኣብዚ ሓያል ናይ ምፍጣጥ መድረኽ፡ “ምስቲ ምስላፍ ኮነ ምስቲ ምውጋን” ንረብሓ ህዝቢ ሰለ ዘይኮነ፡ እቲ ፍታሕ “ውግእ ብዝመጾ ይምጻእ ዝድገፍ ዘይኮነ፡ ክኹነን ዘለዎ’ዩ” ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። እዚ ከኣ ካብቲ ክልተ ናይ ህውከት ህርፋን ጫፋት ወጻኢ ኮይኑ፡ ሰዲህኤ እውን ውግእ መፍትሒ ከምዘይኮነ ዝኣምን ሰልፊ እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮኡ ከም ዝነግሮ፡ ውግእ ብመን ከም ዝኽፈትን ደሓር ንመን ዋጋ ከምዘኽፍልን ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ፡ ምርጫኡ ኣንጻር ውግእ ከም ዝኸውን እሙን’ዩ። 

Last modified on Tuesday, 02 September 2025 10:31