ብዕለት 1.05.2018 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ፍራንክፎርት 2018 ካልኣይ ኣኼባኣ ኣካይዳ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ካብ ዘሎው ትሽዓተ ኣባላት ማሕበርን ሰልፍን ዝቆመት ሽማግለ ኮይና፡ ቀንዲ ዕማማ ድማ፡ ነቲ ብሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጅርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን፣ ኣብ ፍራንክፈርት ህዝብን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ሰልፍታትን፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ብምርኻብ ሃገራውን ህዝባውን ጉዳያት ንምርላዛብን ሓሳባቶም ንምልውዋጥን ዝካየድ ዓምታዊ በዓል ኤርትራ ንምዕዋት ድሮ ስርሓ ጀሚራ ትርከብ።

እዚ ብዕለት 01 ጉንበት 2018 ዝተኻየደ ኣኼባ ሽማግለ፣ ብኣቦ-መንበር ሽማግለ ኣቶ ተስፋማርያም ክብርእብ ተኸፊቱ። ኣኼባ ንኣጀንዳታቱ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምርኣይ፣ ክሳብ’ቲ ዕለት’ቲ ዝተሰላሰሉ ዕማማት ገምጊሙ። ድሕርዚ ንዝትረፉ ዕማማት ንምስልሳልን ኣብ ምሉእ ፍጻመ ፈስቲቫል ንምብጻሕን ሽማግለ ኣብ ውሽጡ ነብሰ ስርዕን ኣርባዕተ ክፍልታት ዝሓቖፈ ምምቅቃል ዕዮን ገይሩ፣ ናይ ስራሕ መደባቱ ሰሪዑ ተበጊሱ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት፣ ሎሚ ዓመት እውን ኣብቲ ልሙድ ቦታ ኣብ ቦኮንሃይም ቫርተ ዝርከብ ኣደራሽ ናይቲ ዩንቨርስቲ ፡

Die Studierendenschaft der Johann Wolfgang Goethe – universität

Mertonstr. 26 – 28 60325 Frankfurt a. Main

ካብዕለት 03 ክሳብ 05 ነሓሰ 2018 (August 03 – 05.2018) ኣብዘሎ እዋን ክጋባእ እዩ።

ሽማግለ ፈስቲቫል 2018

ናይ ድራር ምሸት ፣ ሓገዝ ንናጽነት ኤርትራ ክዉን ዝገበሩ ውጉኣት ሓርነት 

ንኣብ ከሰላ (ሱዳን ) ዝነብሩ ናይ ሓርነት ውግኣት ንምሕጋዝ


ልዕላውነት ሃገርና ኤርትራ ብከቢድ መስዋእትን ስንክልናን ከምዝተረጋገጸን ፥ ክንዕቅቦ ዘሎና ክቡር ታሪኽና ምዃኑ ዘማትእ ኣይኰነን። ንክቡራት ስዉእትና ሞጐስ ፥ ነዞም ንናጽነት ሃገር ንምውሓስ ሕይወቶም ብስንክልና ዝኸፈሉ ጀጋኑ ድማ ኣለናልኩም ክንብሎም ኤርትራዊ ሕልና እዩ ። ምስዚ ልዕሊ 40 ዓመት ዕድመ ዝገበረ ናይ ኣካል ስንክልና ተደረብቲ ሕማማት ከም ሕማም ሽኮር ፣ ብዝሕን ጸቕጢ ደምን ካልኦት ናይ ውሽጣዊ ክፍለ ኣካላትን ሽግራትን እናሕለፉ ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ስንኩላን ብጾት ከምዘለዉና ክንዝክር ናይ ነፍስ ወከፍ አርትራዊ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ኣይትዝንግዕዎን ንብል።


ኣብ ሆላንድ እንነብር ጉዱሳት ኤርትራውያን ንጸገማቶም ብምርዳእ ብወግዒ ዝተመዝገበን ዝነጥፍን ማሕበር ካብ ዝቐውምን ዓመታት ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ በብእዋኑ ካብ ኣባላቱን ካብ ኤርትራውያን ሰብ ሕልናን ዝተዋጽኤ ሓገዝ ፣ ኣብ ናብራ ኣካለ ስንኩላን ዓቢ ተራ ዘለዎ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ክሕግዝ ዝጸንሐን ዘሎን ማሕበር ኣሎና። ሽማግለ ማሕበር ንዕለት 27 ግንቦት 2018 ናይ ድራር እንግዶት ብምድላው ዓቕምናን ሕልናና ዝፈቕዶ ሓገዛት ንምግባር ብኽብሪ ንዕድመኩም ።


ብሂል ለባማት ኣቦታትና፥ “ ሓሙሳ ለሚን ንሓደ ሰብ ሸከሙ ፡ ንሓሙሳ ሰባት ድማ ጨነኦም “ ከምዝበሃል ኩልና ሰብ ሕልና ዓቕምና ብዘፍቅዶ፥ ኢደይ ኢድካ እንተዳኣ ኢልና ፥ መጀመርያ ቅዱስ ግብረ ሰናይ ስለዝኾነ ንሕልናና ነቕስን። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ንኹልና ኤርትራውያን ሓደ ዝብጹሑና ንሃገርናን ህዝብናን ክብሉ ዝሰንከሉ ዜግነታዊ ግደታና እዩ ።
ብዝተፋላልየ ምኽንያት ኣብዚ መዓልትን ግዜን ክጥዕመኩም ዘይክእል ብሕሳብ ባንክ ክትልእኩ እንተደሊኹም፥ ናብዚ ሕሳብ ባንክ ክትሰዱ ትኽእሉ።

STG. ERITREAN DISABLED FOUNDATION IN THE NETHERLAND
BANK : NL20INGB 0005169954 ጌርኩም ክትሰዱ ትኽእሉ

ዕለት 27 ግንቦት 2018. (27-05-2018)
ጊዜ ሰዓት 14:00 ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ Derde Oosterparkstraat 159
1092 CW Amsterdam.

መጓዓዝያ Amsterdam CS Metro 53 ,51 , 54 ኣብ (Wibautstraat) ትወርዱ

ንኣድላይ ሓበሬታ ፥ 06 863 582 78 ተወከሱ

ብድሓን ምጽኡ !!!

ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ሆላንድ

“ኤርትራን ህዝባን ከመይ ኣለዉ?” ዝብል ሕቶ ምስ እንሓትት፡ መልስና ሰፊሕን ብብዙሕ መዳያት ዝረአን ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። በቲ ኮነ በዚ ይረኣ ግና ከርሰ-ነግር መልስና “ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኣዝዩ ኣሻቓልን እዚ ጐደሎ ዘይበሃልን ሕማቕ ዘበን ዘላ ሃገር” ዝብል ማእከላይ ስሕበት ከምዝውንን ፍሉጥ እዩ። እዚ ሓሳብዚ ንጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝጸላእካዮ ንምጽላምን ጸለሎ ንምቕባእን ዝበሃል ዘይኮነ፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ነዚ ሕማቕ ምስሊ ስለ ዘመልክት እዩ። ንጉጅለ ህግደፍ ናቱ ርትዓዊ ሚዛን ንሃቦ እንተበልና’ውን ካብዚ ተሓታትነት ከነውጸኦ ኣይከኣልን።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራን ህዝባን ዘስምዕዎ ዘለዉ ድምጺ ናይቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ በደል ቃንዛ ጥራይ ኣይኮነን። ካብዚ ዘለዉዎ ናይ ደልሃመት ግዜ ወጺኦም ናይ ራህዋ ብርሃን ምርኣይ ቀንዲ ባህጎም እዩ። እዚ ባህግዚ ናብ ሓደ ዘይድህሰስ ኣካል ዝለኣኽን ብትምኒት ጥራይ ዝመጽእን ስለ ዘይኮነ፡ ኣቕጣጭኡ ብሓፈሻ ናብ መላእ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ናብቲ ለውጢ ንምምጻእ ተወዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ኣካላትን ግዱሳትን ዘቕነዐ እዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኩልና ኢድና እንሕውሰሉ ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት እዩ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እምበር ሓደ ኣምጻኢ እቲ ካልእ ከኣ ተቐባልን ተዓዛብን እንኾነሉ እዋን ኣይኮነን። እዚ ክበሃል እንከሎ ጉጅለ ህግደፍን ውሑዳት መሳርሕታቱን እዚ ሓላፍነት ከም ዘይምልከቶም እኳደኣ ብኣንጻሩ ከምዝስሉፉ ብዘይምዝንጋዕ እዩ።

ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራ፡ ዝተሓላለኸ፡ ኣይኮነንዶ ናትና ናይቶም ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን፡ ናይ ካለኦት ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን ዝስለፉ ወገናት ፍትሓዊ ሓገዝ ኣብ እንደልየሉ መድረኽ ኢና ዘለና። ናይቲ ካልእ ሓገዝ ንክንረክብ ግና ቅድም ንሕና እቶም ኣብ ቀዳማይ መስመር እንስራዓ ሰብ ዋኒን፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኩሉ ዓቕምና ጸንቂቕና ብፍትሓዊ ኣገባብ ክንጽዕት ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ወጽዓ ኤርትራውያንን ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍን ኣብ ዓለም መዛረቢ ኮይንሉ ዘሎ እዋን ድምጽና ክትሕት እንከሎ “ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሕባእ” ዝብል ምስላ ክምሰለና እዩ።

እቲ ቀንዲ ጠመተና ብዛዕባ ህልውቲ ኤርትራን ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው እትወጸሉ ጥበብ ሃሰስ ምባልን ከም ዝኸውን ዘዳዲ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና ሎሚ ካብ ትማልን ጽባሕን ነጺልካ ዝረአ ህላወ ስለ ዘይብላ፡ ንናይ ሎሚ መደባትና ብዘየዕንቅፍን ንድሕሪት ብዘይመልስን ኣገባብ ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ክንሓስብ’ውን ንቡር እዩ። እቲ ንጽባሕ እንሓስቦ ግና እዚ ናይ ሎሚ ዕማም ምድፋእ ምስ ኣበየና ንመሕብኢ ድኽመትና ወይ መህደሚ ካብ ቃልሲ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ታሪኽን ድሌት ህዝብን ኤርትራ፡ ዝቃነ ብዙሕነታ ዘበርኽ ክኸውን ይግበኦ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ኣብ ክብራ፡ ልኡላውነታት ሓድነት ህዝባን መሬታን ዘይወላወልን መሊሱ ዘትርርን ምርጫ ክኸውን ይግበኦ።

ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ህግደፍ ልጓም ተሻቢቡ፡ ኣይኮነንዶ ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ባህጉ፡ ናይ ሎሚ ቓንዝኡ ብዝምልከት እውን ድምጹ ከስምዕ ኣብ ዘይከኣለሉ ብስሙ “ከምዚ ይሕሾ” እንዳበልካ ንክውንነቱ ዘይውክል ፍታሕ ክትመርጸሉን፡ ኣብ ክንዲ ሓቀኛ ልሳኑ እትኸውን ንዘይድምጹ “ድምጽኻ እዩ” ክትብለሎን ሓላፍነታዊ ኣይኮነን። ዘይሓላፍነታዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዘይትግበር ትምኒት’ውን እዩ። እዚ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ተገቲሩ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ናይ ምውጋድ ዕማም ጓሲኻ፡ ብዛዕባ ሕቶ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣግኣዝያንነት ወረ ክንደይ ሸጓሹግ “ወኻዕ” ክትብል ምውዓል ኣዝዩ ዘተዓዛዝብ እዩ። ዝተፈላለየ መፍትሒ ሓሳባት ተላዒሉ ህዝቢ ኤርትራ ናይ “እወ ወይ ኣይፋል” ብይን ኣይሃበሉ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ሓላፍነቱ ናይ ህዝቢ፡ ግዜኡ ከኣ ድሕሪ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ፡ ውሕስነቱ ድማ ኣካል ናይቲ ብናይ ህዝቢ ዘይግዱብ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ዝጸድቕ ቅዋም ምዃኑ ንምስትብሃል እዩ። ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ናብ ምባል ዘብጸሓና ከኣ እዚ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሎሚ ከም ሓድሽ ዝተጀመረ ዘይኮነ ካብ ቀደም ጀሚሩ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ድምጺ ሰሚዕና። እቲ ብዛዕባ ዝነበረ፡ ዘሎን ኣብ መጻኢ ክኸውን ዝግበኦን ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ብዝምልከት ምስማዕን ምንባብን ልሙድ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ብሂላት ዋናታትን ምኽንያቶምን ብውሕዱ “ዓይንናን ዘይርእዮ ልብናንከ ዘይስሕቶ” ብዝብል ውሕልነት ምርዳኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ጉዳይ “ፈደረሽንዶ ኮንፈደረሽን” ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክጋማዳሕ ንሰምዕ ኣለና። ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ምምጽኡ ነቶም በሃልቱ ዝምልከት እምበር ከም ሓደ ተኣምር ዝውሰድ ኣይኮነን። ክልተ ነገራት ምስትብሃል ግና የድሊ። እቲ ቀዳማይ እዚ መሰልን ሓላፍነትን ውሑዳት ምሁራት ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ምዃኑ። እቲ ካለኣይን ቀንድን ከኣ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ቅሳነት ተሓሪምዋ፡ ብብዙሕ ኣሉታዊ መምዘንታት ኣብ ቅድሚት እንዳተሰርዐት፡ ኣብ ክንዲ “ብኸመይ ካብ ኢድ እቲ በላዕ ሰብ ጉጅለ ኣናጊፍና ናብ ንቡር ህይወታ መሊስና ኣብ ጽኑዕ ባይታ ከም እትረግጽን ንገብራ” ምባል ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ምስመንን ብኸመይ ኣገባብን ትዛመድን ንቕድሚት ምስራዕ ግጉይ ኣቀማምጣ እዩ ዝኸውን። እቲ ቀንዲ ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዘብል ከኣ እዚ እዩ።