Eritrea. Liberty Magazine Issue Nr.77
Written by EPDP Foreign Affairs OfficeEritrea. Liberty Magazine Issue Nr.77
Written by EPDP Foreign Affairs Officeሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ንዘቕረበቶ ንድፊ ነጺግዎ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ30 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባ፡ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ግዜ ውግእ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ገበናትን ክምርምር ብዓለምለኸ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዝተመዘዘ ሰለስተ ዝኣባላቱ ኮሚሽን ክኢላታት ክስረዝን ዓመታዊ ባጀት ከይምደበሉን ንዘቕረበቶ ንድፍ-ሓሳብ ብብዝሒ ድምጺ ከም ዝነጸጎ ኣፍሊጡ።
እቲ መርማሪ ኮሚሽ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ናብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ክልል ትግራይን ካልእ ከባብታትን ከይኣቱ ዝሓትት ርኢቶ ኢትዮጵያ፡ ብ71 ድምጺ ክንጸግ እንከሎ፡ ብ32 ድምጺ ድማ ተደጊፉ። 50 ሃገራት ከኣ ኣብቲ ንድፊ ካብ ምድማጽ ከም ዝተዓቀባ ተፈሊጡ። ኤርትራ እቲ ምጽራይ ብቐጥታ ስለ ዝምልከታ ካብተን ንድፈ-ሓሳብ ኢትዮጵያ ዝደገፋ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ዝተፈላለያ ሃገራትን ኢትዮጵያ እዚ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ናብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ከባብታት ኣትዩ ምጽራያት ከካይድ ክትፈቅድን ክትተሓባበርን ከም ሓደ ቅድመ-ኩነት ናይ ዝምድናታቶም ናብ ንቡር ምምላስን ሓገዝ ምፍቃድን ዘቕርቡላ ዘለዉ እዩ።
ባህግና bahgna 104: ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት 2023ን ምስ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ተስፋይ ደጊጋ ዝተገብረ ቃለ መሕተት 01.01.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እነሆ “2022 ዓሚ፡ 2023 ድማ ሎምዘበን” ኣብ ዝበሃላሉ ናይ ግዜ ዑደት በጺሕና። እዛ “መጻእኩ” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት’ውን ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ ስለ ዘይወሓጠልናን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ከኣ “እዛ ዓመት እዚኣስ ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ኢና ንብል ። ከብቲ ልሙድ መስርሕ ዘይወጸት ክነሳ፡ “ንሓንሳ ቀልጢፋትና ንሓንሳብ ድማ ደንጉያትና” ምባልና ልሙድ እዩ። ኣብታ ዓመት ሰብ ብዘምጽኦ ሕሰምን መከራን ብምምራር “እንኳዕ እዚኣስ ሓለፈትልና”፡ ብዝብል ምስጋናና እንገልጸሉ’ውን ኣሎ። በዚ ኮነ በቲ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2023ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።”
እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ፡ ከነቐልጥፎ ወይ ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ምስ ግዜ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ዝተዋህበካ ናይ ግዜ ዕድል ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ዓሚን ሎምዘበንን ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። እቲ ዝረኻኸበኦ እቲ ንሕና እንሰርሖ እዩ። ንሕና ምእንቲ ኣብ ሎምዘበን ዕዉታት ክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ዓመት ሰናይ ትምኒት ምግልላጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ዓሚ ተመኩሮና ክንግምግሞ ይግበኣና። እዛ ናይ ዓመታት ምርኽኻብ ንዓመታ’ውን ቆጸረኣ ኣኽቢራ ከም እትመጽእ ካብ ግምትና ወጻኢ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ገምጋምና ቀንዲ ዕላማ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመና ሕጽረት ተመሊስና ንምውጋድ ዘይኮነ፡ ካብኡ ተማሂርና ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ንክንርከብን ዳግማይ ንከይንጋገን እዩ።
ኣብዛ ጉዕዞኣ ወዲኣ ዓሚ ክትበሃል ተቐሪባ ዘላ 2022፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዋ ኩልና ንርደኦ ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡን ውሑዳት ገዲፍካ፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት “ኣዝዩ ሕማቕ ነይሩ” ምባሉ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ። ከምቲ “ነቲ ዝኸፈአ ዝገደደ ኣለዎ” ዝበሃል፡ ጭካነ ህግዲፍ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዓዘብናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ ጭቆና ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝወድቕ፡ ኣብ 2023 ዝገጠመና ብደሆ’ውን ቀሊል ስለ ዘይከውን ዝያዳ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክንቅረበሉ ይግበኣና።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ህግዲፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይጉዳዩ “ከጠጥቕ’ዩ” ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ኣይነበረን ይኸውን። እንተኾነ ኮይኑስ፣ ብግብሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝሞቱ፡ ዝተማረኹ፡ ዝሰንከሉን ሃላዋትቶም ከም ዝጠፍአን፡ ንምርግጋጽ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ሓበሬታ እንጽበየሉ ዘይኮነ፡ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይ ህግዲፍ ኣበር ንምኽዋል፡ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣይኣተወን” ክብሉ ዝጸንሑ ኣብ ዓመተ-2022 ኩሉ ሓሶታቶም ተቐሊዑ ብመርተዖታት ስለ ዝተረጋገጸ መልክዕ ቀይሮም “ኣይወጽእን እዩ” ኣብ ምባል ኣለዉ። እዚ “ዒራ ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ከም ዝባሃል፡ ህይወት ኤርትራዊ መንእሰይ ዘይዓጦም ምዃኖም ዘርኢ’ዩ። ኤርትራውያን ወተሃደራት ኣብ ዓውዲ ውግእ ትግራይ ተማሪኾም ዘጋጠሞም መከራ ነጊረሙና እዮም። “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ምቕታል ሲቪልን ምርሳይ ንብረቱን ተሳቲፉ” ዝብል ስማዕ፡ ነቶም ቀተልትን ራሰይትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይወዓሎ ኤርትራዊ እውን ዘሕፍርን ርእሱ ዘድንን ስማዕ ኮይኑ’ሎ። እዚ ጉዳይዚ ካብ ሓሜትን ሕሹኽሹኽን ሓሊፉ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እውን ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ክንከታተሎ ዝጸንሕና እዩ። ኣብ 2023 ድማ መስርሕ ደቂቕ ምጽራይ ጌና ቀጻሊ እዩ።
ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ዝተራእየ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ኢትዮጵያውያን ፍልልያቶም ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝወጠንዎ እሞ ህግደፍ ተደርጊምዎ ዝጸንሐ ውግእ “ኣየዋጸናን እዩ” ኢሎም መንገዲ ሰላም ዝሓዝሉ ኩነታት እውን ኣብ ዓመተ 2022 እዩ። እዚ ህርፋን ውግእ ህግደፍ ዝኾለፈ መንገዲ ሰላም፡ ኣብ መስርሕ ትግባረ ብቕልጡፍ ይስጉም ኣሎ። 2023 ከኣ ነቲ መስርሕ ተረኪባ ኣብ መፈጸምታ ናይ ምብጽሑ ሓላፍነት ክትርከብ እያ። ውጽኢት ናይዚ መስርሕ ሰላም፡ ረብሓኡ ብዓብይኡ ንኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ከም ጐረቤት በቲ ሽግር ብኣሉታ ክንጽለው ዝጸናሕናን ንዞባናን ዘለዎ ፋይዳ እውን ልዑል እዩ።
2023 ካብ 2022 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት ብደረጃ ዓለም እንተመዘናዮ፡ ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝግለጽን ዝሑል ውግእ እንደገና ከይክሰት ዝስገኣሉን ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና እንተመጺእና ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ቀንዲ ተዋሳኢ፡ ኮይንሉ ዝጸንሐ ውግእ ኢትዮጵያ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ከዘንብል እንከሎ፡ ህግደፍ ግና፡ ጋና ውግእ ዝቕጽለሉ ኩነታት ንምርካብ ኩሉ ይፍንቀለለይ እዩ፡ ዝበሎ ኣእማን ኣብ ምፍንቃል ይርከብ። ብግብሪ ግና ዝያዳ ኣብ ዝተነጸለሉን ዝተቓለዓሉን ደረጃ ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትፍናን ንሓንሳብ እንዳ ዘሓለ ንሓንሳብ ድማ እንዳወዓየ መጻኢኡ ኣብ ዘይግመት ደረጃ ኣሎ። ሱዳናውያን ብዕልዋ ዝመጸ ወተሃደራዊ መንግስቲ ተቓዊሞም፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብ ምትካል ኣብ ቀጻሊ ዘተባብዕ ቃልሲ ኣለዉ።
ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ፡ ኩሉ ዓይነት ሕሰምን መከራን ኣብ ዓመተ 2022 መሊሱ ገዲዱ እምበር ኣይነከየን። እኳ ደኣ ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ፡ ናብ ዓውዲ ውግእ ዘይከተትኩም ብዝብል፡ ማእሰርቲ ስድራቤታት፡ ምዕጻው ኣባይቲ፡ ምርሳይ ንብረትን ጥሪትን ካልእ ግፍዕታትን ተወሲኽዎ ሰማይ ክዓርግዩ ጸኒሑን ዘሎን። ነዚ ኩሉ ስግኣታት ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ዝስከም ከኣ ሎሚ’ውን ብዓብይኡ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ እምበር፡ እቲ መዕጸዊ እንተዘይኮይኑ መኽፈቲ፡ ውግእ እንተዘይኮይኑ ሰላማዊ መንገዲ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ቅኑዕ መስመር ስለ ዝወጸ ናብ ደሓን ክምለስ ዘይሕሰብ እዩ።
ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2023 ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉ። ካብቲ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ክማላእ ዝግበኦ ቅድመ-ኩነታት ሓደ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ተሳትፎን ክትቃለስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። እዚ ንህግደፍን መጋበርያታቱን ስለ ዘርዕዶም፡ ንኸይዕወት ክጻብእዎ ባህርያዊ’ዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝጀመሮ እሞ ኣብ መፈጸምታ ዘየብጸሖ ዕማማቱ ምትግባር፡ ናይ መጻኢ ዓመት ዕማማቱ ኣካል ክኽውን እዩ። ኣብ ርእሲዚ፡ ብመሰረት ቅዋሙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝጋብእ ስሩዕ ጉባአኡ ኣብ 2023 ወርሒ ሓምለ ከካይድ እዩ። ድሮ ነዚ ንምዕዋት ኩሎም ኣካላቱ ብዙሕ መዳያት ኣብ ዘለዎ መስርሕ ምስንዳእ ኣልዉ። ስለዚ ምዕዋት 4ይ ጉባአ፡ ናይ መላእ ኣካላት ሰዲህኤ ሓደ ናይ 2023 መሪሕ ዕማም ክኸውን እዩ።
ባህግና bahgna 103፣ ሰሙናዊ ዜናታት ምስ ካብ 2022 ናብ 2023 ክንሰግር እንከሎና ርእሲ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 30.12.2022
Written by ባህግና bahgnaMedia
ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝጸንሑ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ዘመንበረ ሰገነይቲ ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ከም ዝተፈትሑ ምንጭታት ናይታ ቤተክርስትያ ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እዞም ጳጳስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብ15 ጥቅምቲ 2022 ዝተኣስሩ፡ ካብ ምገሻኦም ክምለሱ እንከለዉ እዮም። ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እዚ ማእሰርቲ ብሓፈሻ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ዝፈጥሮ በደል መቐጸልታ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ናይቲ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ ክፈጥሮ ዝጸንሐን ዘሎን ተጽዕኖ ኣካል እዩ።
እዞም ጳጳስ ምፍተሖም እምበር ዝተኣስርሉ ምኽንያት ከም ዘይተፈልጠ ተሓቢሩ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምእሳሮም ኮነ ምፍተሖም ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ምስዚ ኣብ ዝተጠሓሕዘ ቅድሚ ኣቡነ ፍቕረማርያም ናይ ሰገነይቲ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ-ክርስትያን ሃገረ ስብከት ኣተሓባባሪ ዝነበሩ ኣባ ምሕረተኣብ እስጢፋንኖስ እውን ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተኣኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ኣባ ፍቕረማርያም ከም ዝተፈጥሑ ተሓቡሩሎ።
ቅድሚ ሕጂ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ልዕሊ በታ ቤተክርስትያ ዝመሓደራ ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ትካላት ብምውራሱ ዘይምቅዳው ፈጢሩ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብምኽንያት ማእሰርቲ ኣባ ፍቕረማርያምን ብጾቶምን ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መዘክር ኣብቕሪቡ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ኣብዚ መዘክሩ ዝምልከቶም ኤርትራውያንን ዓለምለኻውያን ኣካላት ንክፍትሑ ተጽዕኖኦም ከሕይሉ ህዝቢ እውን ተቓውሞኡ ከስምዕ ጸዊዑ እዩ።
ድሕሪ 18 ኣዋርሕ፡ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገያሾ ሒዛ መቐለ ኣትያ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤገያሾ ከብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ መቐለ እናተበገሱ (ምስሊ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ)
ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን፡ ገያሾ ዝሓዘት ቁጽሪ በረራ 104 ቦይንግ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብ28 ታሕሳስ 2022 ኣብ ከተማ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ከም ዝዓረፈት፡ ተለቪዥን ትግራይ ሓቢራ። ጉዕዞ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ 18 ኣዋር ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ድሕሪ ምውጽኡ ተቛሪጹ እዩ ጸኒሑ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ከም ዘፍለጦ፡ ድሕሪ ሕጂ ዕለታዊ ሓደ በረራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ዘካይድ ኮይኑ፡ ናብ መቐለ ዝግበር በረራታት ኩንነታት ገያሾ እናተራእየ ከም ዝውሰኽን ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ድማ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ክጅመር እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። ድሕሪቲ ናብ ትግራይ በረራ ክጅምርዩ ዝብል ሓበሬታ ምዝርግሑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቲኬት ነፋሪት ኣብ ዝሽየጠሉ ቦታታት ጸዕቂ ገያሾ ከም ዝተራእየን ክሳብ ዝመጽእ ሳምንቲ ዝግበር በረራታት ቲኬት ተሸይጡ ከም ዝተወደአን ተሓቢሩ።
እዚ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ምብጸሖም ተኸቲሉ ዝተጀመረ ስሩዕ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣካልቲ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሮትርያን ናይሮብን ዝካየድ ዘሎ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ቴለኮምን ብሄራዊ ባንክን እውን ኣብዚ ሓጺር መዓልታት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ምሉእብምሉእ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ስጉምቲ ክወስዱ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።
ቅድሚ ውግእ ትግራይ ምጅማሩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ዕለታዊ ካብ 10 ክሳብ 14 በረራታት ከም ዝነበሮ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።
More...
ኣብ ኤርትራ ከባቢ ሰሜን ደንከል፡ ብ26 ታሕሳስ 2022 ብመዕቀኒ ሬክተር-ስኬል 5.5 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ፡ ቅልውላው-24/CRISSI-24 ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። እቲ ምንቅጥቃት ዘጋጠመሉ ፍሉይ ቦታ፡ ካብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ንወገን ደቡባዊ ምብራቕ 150 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ምስ ትግራይ ኣብ ዝዳወብ ኮይኑ፡ ክሳብ 10 ኪሎሜተር ዝበጽሕ ዕምቆት ከም ዝነበሮ እቲ ዜና ጠቒሱ።
በዚ ምንቅጥቃጥ መሬት ክሳብ ማእከላይ ከባቢ ኤርትራን ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ ከባቢ ዓዲ ግራትን ናይ ምንቅጥቃጥ ስምዒት ፈጢሩ ከም ዝነበረ እውን ተሓቢሩ።
ብሰንክዚ ምንቅጥቃጥ መሬት ጉድኣተ ከም ዝወረደ ዝሕብር ጸብጻብ ሽዑንሽዑ ኣይቀረበን። ምናልባት ግና ኣብ ጥቓቲ ምንቅጥቃጥ ዝተፈጥረሉ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጻ ጉድኣት ወሪዱ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎ። እታ ማዕከን ዜና ከም ዝሓበረቶ፡ እቲ ኩነታት ዝተፈጥረሉ ቦታ ካብ መራኸብታት ዝረሓቐ ስለ ዝኾነ፡ ድሒሩ ዝመጽእ ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተፈልየ ጸብጻብ ክህሉ ይኽእል እዩ። ድሕሪቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብቲ ከባቢ ምንቅስቓስ ተገዲቡ ነይሩ ዝኸውን ከም ዝኽእል ድማ እቲ ዜና ግምቱ ሂቡ።
ባህግና Bahgna 102፡ ሰሙናዊ ዜናታት ከባቢናን ዓለምን ምስ ንናይ ሓባር ዓወት ሓቢርካ ምቕላስ ካብ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤን 24.12.2022
Written by Bahgna MediaMedia
ኣቕጣጫ መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ (ከባቢ ዳባት) ካብ ማሕበራዊ መዲያ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥቓ ከተማ ዳባት ኣብ ዝተኸፍተ ሓድሽ መደበር ኣለምዋጭ ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ተስፋ ኣብ ዘቑርጽ ኩነታት ከም ዝርከቡ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ናይቲ መደበር ኣብ ንመነባብሮ ሰባት ዘይምረጽ ቦታ ዝተደኮነ ብምዃኑ ኣደዳ ንህይወቶ ዝፈታተን ዛሕሊ ወዲቖም ምህላዎም፡ ቀዳማይ ጸገም ኮይኑ፡ ዘድሊ ሰብኣዊ ቀረብ ዘየብሉ ምዃኑ ከኣ ካልእ ጸገሞም እዩ።
እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ፡ ሕክምናን ዝስተ ማይ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ቀረባት ዘይእኹል ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ብነፍሲ ወከፍ ሓደ ስደተኛ ኣብ ወርሒ ዝወሃብ መግቢ 7 ኪሎ ግራም ጥረ ስርናይ ምዃኑ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ነዘን ስርናይ ቆሊኻ ንምብላዕ ወፊርካ እተምጸኦ ዕንጸይቲኳ ከምዘየለ ገሊጹ።
እቲ ካልእ ዝዓበየ ጸገም ኩነታት ጸጥታን ድሕነትን ኮይኑ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ ኩሉ ዝኣትዎ ሓለዋ ዘየብሉ መደበር ኣለምዋጭ፡ ካብኡ ወጺእካ ኣብ ከተማ ዳባት ገዛ ተኻሪኻ ምንባር እውን ጸጥታኡ ከም ዘየተኣማምን ሓቢሩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ወዲ 18 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ከተማ ዳባት ኣብ ሰዓታት ምሸት ተጨውዩ ምስተወስደ፡ እቶም መንንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ጨወይቲ፡ እቲ ዝተጨውየ ንክልቀቕ ካብ 2 ክሳብ 1.5 ሚልዮን ብር ሓቲቶም ከም ዘለዉ እቲ ምንጪ ጠቒሱ፡
በዚ ኩነታት ካብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቱ ኣካላትን ተስፋ ዝቖረጹ ኣስታት 5 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ “ናብ ሃገርና ምለሱና” ኢሎም ከም ዝተመዝገቡን እቲ ምምዝጋብ ቀጻሊ ምህላዉን ከኣ ድምጺ ኣሜሪካ ፕሮግራም ትግርኛ ሓቢራ።
እዞም ኣብ ኣለምዋጭ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ብሰንኪ ውግእ ምስ ዓነወ፡ ካብኡ ዝሰገሩ ነባራት ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም።
ሕብረት ኤውሮጳ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ንሰላም ሰሜን ኢትዮጵያ ወሳኒ’ዩ ኢሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሕብረት ኤውሮጳ ብ22 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስምምዕ ኣልጀርስ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንሰላምን ምርግጋእን ሰሜን ኢትዮዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላጹ ዘሪፖርተር ሓቢሩ። ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መግለጺኡ፡ ምስቲ ንባድመ ንኤርትራ ዝወሰነ ብይን ዶብን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ውዕል ሰላምን ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ዳህሲሱ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኩለ-መዳያዊ ህድኣት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከምኡ እውን ሰላማዊ ዕቤት ምርግጋጽ ንኢትዮጵያን ነቲ ዞባን ወሳኒ ምዃኑ ኣስፊሩ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣተሓሒዙ፡ ጐረባብቲ ኢትዮጵያ እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ፡ ተጻብኦ ብቐጻሊ ናይ ምቁራጽ ውዕል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣውንታዊ ኣበርክቶ ክገብራ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ናይቲ ሕብረት መግለጺ፡ ኣገዳስነት ስምምዕ ኣልጀርስ 2000ን፡ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን 2018ን ጠቒሱ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ምሉእ ብምሉእን ካብ ትግራይ ንክወጽእ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ንትግባረ እቲ ህውከት ናይ ምቁራጽ ውዕል ወሳኒ ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ገሊጹ።
ክልል ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር 2020 ንደሓር ናብ ትግራይ ምእታዉ ክቃወም ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሰላማዊ ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽታሙ’ውን፡ ጌና ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዘይወጸን በደላት ይፍጸም ከምዘሎን ክሲ የሰምዕን ከምዘሎ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።
ስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ተኸተመ፡ ንዕስራ ዓመታት፡ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኩነታት እቲ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይተተግበረን። ኣብ 2018 ነቲ ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ዓብይ ግደ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዘየሳተፈ ዝምድና መንጎ ኤርትራን ትግራይን ምሕዳሱ፡ ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ዝተባርዐ ውግእ ዝውሰድ ምዃኑ’ውን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ጠቒሱ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውዕል ኢትዮጵያን ትግራይን “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ይወጹ” ክብል እንከሎ፡ ንሓይልታት ኤርትራ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ “እንተላይ ካብ ባድመ ማለት ድዩ?” ዝብል ክንጸር ይግበኦ ነይሩ ክብል እውን ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ። ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይቲ ስምምዕ ኣተገባብራ ተቖጻጻሪ ኣካል ነዚ ከነጽሮ ከም ዝግበኦ እውን ኣመልኪቱ።