ስእሊ፡ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ23 ለካቲት 2023 ውግእ ዩክረይ-ሩሲያ ዝተጀመረሉ ሓደ ዓመት ምኽንያት ብምግባር፡  ኣብ ነውዮርክ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሩሲያ ነቲ “ምሉእነት፡ ፍትሕን ቀጻሊ ሰላምን” ብዝብል ሸፈጥ  ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ብምኹናን ካብ ዩክረይ ንክትወጽእ ዝጽውዕ ዳግማይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ወሳነ ኣገዳዲኳ እንተዘይኮነ፡ ፖለቲካዊ ጽልዋ የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን።

እቲ ውሳነ ብዓብላሊ ቁጽሪ 141 ደገፍ፡ 7 ተቋውሞን 32 ዕቃበን እዩ ሓሊፉ። ኤርትራ ምስተን ሩስያ ባዕላ እትርከበን ሃገራት ነቲ ውሳነ ብምቅዋም እያ ኣድሚጻ። እተን ምስ ኤርትራ ዘድመጻ፡ ሃገራት፡ ሩስያ ባዕላ፡  ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ማሊ፡ ንካራጉዋን ሶርያን እየን። ኢትዮጵያ ካብተን ድምጸን ዝዓቀባ 32 ሃገራት ኮይና። ካብዘን ድምጸን ዝዓቀባ እተን 15፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣልጀርያ፡ ኣንጎላ፡ ብሩንዲ፡ ናሚብያ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ጋቦን፣ ጊኒ፣ ሞዛምቢክ፡ ሱዳን፡  ዝርከበአን  ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። እዚ ውሳነ ዝተመሓላለፈ ቻይና ንሩሲያ ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ ላዕለዋይ ልኡኻ ናብ መስኮ ምስ ልኣኸት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።

ፕረሲደንት ዩክረይን ዘለንስኪ፡ እቲ ውሳነ ሃገሮም ሓያል ዓለምለኻዊ ደገፍ ከም ዘለዋ ዘርኢ እዩ ኢሎም፡ ኣብዚ 2ይ ዓመት ናይቲ ውግእ ንሩሲያ ከም ዝስዕርዋ ኣመልኪቶም።  ምክትል ኣንበሳደር ሩሲያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኖም  ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ነቲ ውሳነ ትርጉም ዘየብሉ፡ ሰላም ዘየምጽእን  ንሃረፍቲ ውግእ ዘተባብዕን እዩ ኢለምዎ።

ምዕራባውያን ንዩክረይን ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ከዕጥቐኣ እንከለዋ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኔቶን ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነታ ድምጻ ዝዓቀበት ቻይና ንሩሲያ ኣጽዋር ንኸይተቕርበላ ኣጠንቂቐን። ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ጽዕጹዕ ውግእ፡ ዩክረይንን ሩሲያን ነፍሲ ወከፈን ዳርጋ 100 ሺሕ ወተሃደራት መይተምወን ዝብል ግምት ኣሎ።

Thursday, 23 February 2023 21:24

Dimtsi Harnnet Kassel 23.02.2023

Written by

ጀነራል ታደሰ ወረደን ምክትሉ መምህር ምሉወርቅ ኪ/ማርያምን

ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ድሕሪኡ ክካየድ ዝጸንሐ ቀጻሊ ርክባትን፡ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ። ነቲ መስርሕ ትመርሕ ዘላ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተመዘዘት ትሻዓተ ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ እያ።  እዛ ሽማግለ ብማዕረ ቁጽሪ ካብ ህወሓት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን  ምሁራት ተጋሩን ዝቖመት እያ።

እዛ ብኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ሌፍተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ እትምራሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ምስ ዝተፈላለዩ እቲ መስርሕ ዝምልከቶም ኣካላት ትግራይ ተራኺባ ሓሳባት ትእክብ ከም ዘላ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ርክባት ነቲ ቀጻሊ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ብዝምልከት ዝተነድፈ እማመ እያ ትገልጽ ዘላ። እቲ ዝምስረት ግዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ናብ ብዲሞክራስያዊ ምርጫ ዝምስረት መንግስቲ ዘብጽሕ እዩ።

ኣብቲ ርክባት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ናይታ ሽማግለ ኣቃውማ ግሉጽን ኣሳታፍን ኣይኮነን ዝብል ተቋውሞታትኳ እንተኣጋጠማ፡ ናይ ብዙሓት ርኢይቶ ግና ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ኣመሰራርታ እታ ኣሰናዳኢት ዝተራእየ ሕጽረት ተመሊስካ ንምእራም ግዜ ምብላዕን ነቲ ዕድል ምብኻንን፡ እቲ ቀጻሊ መስርሕ፡ ኣሳታፊ፡ ግሉጽን ዲሞክራስያውን ከም ዝኸውን ጌርካ ምቕጻል ይሓሽ ዝብል እዩ። ብመሰረት መግለጺ ናይታ ሽማግለ እቲ ርክባት ምስተፈጸመ፡ እቲ መስርሕ ብመንገዲ መዛዘሚ ኮንፈረንስ ኣቢልካ ክዛዘም እዩ።

እቲ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ዝድለየሉ ምኽንያት፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ዝግባእ በጀት ዝፍቀድን ካልእ ዓበይቲ ውሳኔታ ዝትግበርን ድሕሪ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ምዃኑ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ስለ ዝተበጽሐ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብዛ ደሞዝ ካብ ዝኽፈሉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝሓለፎም ኣሸሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘለዋ ትግራይ፡ ምፍቃድ በጀት ወሳኒ ምዃኑ እቲ ኮሚተ ኣብቲ መድረኻት ይገልጽ ኣሎ። 

ኣብቲ ዝቕጽል መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ፡ ኣሰሓሕብቲ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ ዛዕባታት፡ ኣሰታትፋ ናይ ህወሓት፡ መሪሕነት ሰራዊት ትግራይ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡፡ ምሁራት፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተጋሩን ካለኦት ዝምልከቶምን “ከመይ ይኹን?” ኣብ ዝብል ምስምማዕ ሓደ ክኸውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶ፡ ዕድመ ግዝያዊ መንግስቲ፡ ኣገባብ ኣመራርጻ ፕረሲደንትን ኣባላት ካቢነን ቀንዲ ዕማማት ናይቲ መንግስት እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን እውን ድሮ ርሱናት ኣዛረብቲ ኮይኖም ዘለዉ እዮም። 

እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስተመስረተ ኣብ መወዳእታ ብወግዒ ስርሑ ዝጅምር፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ረኺቡ ምስ ጸደቐ  ምዃኑ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ እዩ።

ኣብ ኡጋንዳ ከተማ ካምፓላ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ስረሓት  ስነጥፉ ኤርትራውያን፡ ብ19 ለካቲት 2023፡ ኣብ  መእከቢ ኣድራሽ ፓላስ ፕለይ ፓርከ ኣብ ዘላየድዎ ኣኼባ፡  “ማሕበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ስነ-ጥበባውያን”  ከም ዝመስረቱ ቢቢሲ ትግርኛ ሓቢራ።

 ኣብቲ ኤርትራውያን ኣባላት ማሕበር ስነ-ጥበባውያን ኡጋንዳን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ መስራቲ ኣኼባ፡ ናይቲ ማሕበር ኣቦመንበር  መምህር የማነ ሓጐስ፡  እቲ ማሕበር ንክምስረት ዝደረኸ ምኽንያትን ዕላማ ናይቲ ማሕበርን ዝምልከት ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ንሱ ዘስመዖ ቃል፡ ዝተወሰኑ ስነ-ጥበባውያን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ገንዘብ ክሕዙኳ እንተኸኣሉ፡ እቲ ሞያ ግና ከም ዝተሃስየ ጠቒሱ፡ ናይቲ ማሕበር ምምስራት  ነቲ ኩነታት ንምዕራይ ኣድላይ ምዃኑ ኣረዲኡ።

መምህር የማነ ሓጐስ፡ ኣብቲ  ዘስመዖ ቃል፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኡጋንዳ፡ ናይ ምውሳእ፡ ድርሰት፡ ደርፊ፡ ግጥሚ፡ ስእሊ፡ ቅብኣ፡ ትልሂትን ካልእን ክእለት ዘለዎም ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡ እቲ ዝተመስረተ ማሕበር ንኹሎም ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ማሕበር ንክምስረት ንዝጸዓቱ ኣመስጊኑ፡ ማሕበሮም ኣብ መንግስቲ ኡጋንዳ ሕጋዊ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ኣረጋጊጹ። ሓደ ካብ ኣካየድቲ ናይቲ ማሕበር  ያቆብ ዳዊት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላት ናይ ማሕበሮም ገንዘባዊ ምንቅስቓስን ካልእ ንጥፈታትን ንምክትታል ዘኽእሎም መስመር ኣብ ሞባይሎም ዝረኽብሉ ኣገባብ ከም ዝተማህዘ ጠቒሱ።

በዚ ኣጋጣሚ ማሕበር  ኤርትራውያን ስደተኛታት ስነ-ጥበባውያን ኣብ ጋንዳ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ክቱር ወጽዓ ኣወጊድካ፡ ናይ ህዝብና ራህዋ ንምውሓስ ዝካየደ ዘሎ ቃልሲ እጃሞም ከበርክቱ ነዘኻኽሮም።

ኤርትራ ብዙሕነታዊት ሃገር እያ። ብዙሕነታ ዝገልጹ ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ኣውራጃን ኣቀማምጣ መሬታን ካብ’ቶም ጐሊሖም ዝረኣዩ እዮም። እዚ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ጸጋታትና ኮይኑ፡ ኣብ መስርሕ ዝጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት እውን ኣለና። እዚ ብዙሕነታት ከምቲ ዕንበባ እውን በበይኑ ሕብርታት ክሓቁፍ እንከሎ ዝያዳ ዝምልክዕ፡ መጸበቒናን ግርማናን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ ግዜ ቃልስና ንናጽነት’ውን ሓደ ካብ ምስጢራት ዓወትና ምንባሩ ብግብሪ ዝተረጋገጸ እዩ። እዚ ዝኸውን ግና ብምጽውዋርን  ምክብባርን ክመሓደር እንከሎ ጥራይ እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ኩሉ ግዜ ንኤርትራን ሓድነት ህዝባን ኣብ ቅድሚት ክንሰርዖም ይግበኣና። ካብዚ ወጻኢ ጸቢብነትን ምንጽጻግን ናብ ዘይተደላዪ ምርሕሓቕ ከም ዝወስደና ዘመልክት ተመኩሮ’ውን ኣለና።

እዞም መግለጺ ብዙሕነትና ዝበልናዮም፡ ኣብ ህይወትና ወሰንቲ እዮም። ኣብ ግብሪ ኣወዓዕለኦም ከከም ከባቢና ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታትን ኣገባባትን ዝዝውተሩ እዮም። ንናይ ሓደ ኣካል ናይ መንነት ኣጠቓቕማን ኣተገባብራን እቲ ካልእ ወገን ከምዘይናቱ ገይሩ ክወስዶ ኣይግባእን።  ነቲ ዋናኡ ብሉጽን ክብሩን መንነቱን ዝገልጸሉን ስለ ዝኾነ ከኽብረሉ ናይ ግድን እዩ። እዞም መለለይ ብዙሕነትና ኣብ ሕድሕዶም ዝጸላለዉ እምበር፡ ሓደ ካብቲ ካልእ ተነጺሉ ዝረኣዩ ድማ ኣይኮኑን። ኣብ መንጎ ሃይማኖትን ባህልን ዘሎ ምጽልላው ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ። በቲ ካልእ ወገን እዞም ናይ መንነት ዛዕባታት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞና እውን ናቶም ተጽዕኖን ጽልዋን ኣለዎም።

እዞም ምቓረት ህይወትና ዝኾኑ መግለጺ መንነትና፡ ወትሩ እነዘውትሮምን ኣጀንዳና ኮይኖም እንዛራበሎምን ኣብ መስርሕ ዓበይቲ እዮም። ከከም ኩነታቱ ከኣ ኣጀንዳነቶም ምስ ግዜ ክብ ለጠቕ ክብል ይኽእል። ንሓንሳብ ሃይማኖት ጐሉሑ ቅድሚት ክስራዕ ከሎ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ኣውራጃን እውን ከምኡ በብግዜኡ እዋናዊ ኣጀንዳ ይኾኑ።

እዚ ከም ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥና ጥራይ ዝድረት ዑደት ዘይኮነ፡ መምስ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ጐረባብትና ህዝብታት እውን የራኽበና እዩ። ብፍላይ ምስቶም ካብ ሃገርና ወጻኢ ዝነብሩ እሞ ምስ ናትና ተመሳሳሊ መንነት ዘለዎም ብትውልዲ፡ ብንግዲ፡ ባህልን መውስቦን እንራኸቦም ወገናት፡ ዝተፈላለዩ ዶብ-ሰገር  ምጽልላው ይረአ። ትግርኛ፡ ኩናማን ዓፋርን ዝዛረቡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምህላዎም ከምኡ እውን ትግረን ሕዳርብን ዝዛረቡ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ምህላዎም ናይዚ ኣብነት እዩ። ቋንቋን ባህልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃይማኖት እውን ካልእ መጸላለዊ እዩ። ምስዚ ኩሉ ናይ መንነት ተመሳሳልነት ግና፡ ነናቶም ዘይስገር ልኡላዊ ዜግነት ሕልዊ ምዃኑ ምግንዛቡ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዶብ ዝሰግር ናይ መንነት ተመሳሳልነትን ብዶብ ዝግደብ ሃገርነትን ዜግነትን ብግቡእ ምግንዛብ መሰረታዊ እዩ። እምብዛ ነቲ ዶብ ኣትሪርካ ነቲ ማሕበራዊ ርክብ ናይ ተመሳሳሊ መንነት ምግዳብ፡ ወይ ነቲ ዶብ እምብዛ ኣህሲስካ ምድብላቕ መንነትን ዜግነትን ምስ ዝህሉ  ናብ ሰላምን ምርግጋእን ዝመርሕ ኣይኮነን።

ኤርትራውያን ምስ ኩሉቲ ብዙሕነትና ኣብ ጉዳይ ሃገር ዝፈላልዩና የብልናን። ፍልልያትና ክረአ ዝኽእል ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋኒንና ቅድሚት ምስ ዘይንሰርዕ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኣተሓሳስባ ምርሕሓቕና ሓሓሊፉ ዝንጸባረቕ ተርእዮ ኮይኑ፡ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ድማ መናውሒ ዕድመኡ ኣብ ስልጣን ንክጥቀመሉ ከም ዘጋድዶ ርዱእ እዩ። ህግደፍ ኮነ ኢሉ ካብ ዘጻውዶ መፈላለዪ ተንኮላት ወጺእና ግሉጽነትን ምትእምማንን ብዘለዎ እንገብሮ ናይ ሕድሕድ ዝምድና ንሓደ ኣርቢሑ ነቲ ካልእ ዝጐድእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ጥቁቕን ሓላፍነታውን መንገዲ እንተተኸቲልናዮ፡ ምጥርጣር ዘወግድ እዩ።  ኩልና ክንግንዘቦ ዘለና፡ ምስ ዝኾነ ኣካል ንሓድነትን ሓባራዊ ጠቕምን ህዝቢ ኤርትራ ዘይውዕል  ዝምድና ምፍጣር ተመራጺ ኣይኮነን።

ተጻራሪ ናይ ጫፍ መርገጻት፡ ምስ ናይ መንነት ተመሳስልነት ክትሓሓዝ እንከሎ፡ ነቲ ክሃስስ ዘይግበኦ ሃገራዊ ዶብ እናጸለወ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ምትንኻፍ ከምዝፈጥር ተራእዩ እዩ። ንኣብነት ምስ ህዝቢ ትግራይ ብቐረባ ዝደናገጽ ባእታ ድዩ ውዳበ፡ ቋንቋኡ ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝዝረብ እንተኮይኑ ነቲ ካልእ ኤርትራዊ ወገን ከሻቕሎን ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሃሳይ ጽልዋ ከንጸላሉን ተራእዩ እዩ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምዕቃብ ከኣ መተካእታ ዘየብሉ ዋሕስ ህልውና እዩ። እንተ’ቲ ምስ ብዱላት ወጊንካ፡ ወራርን ሳዕቤን ውግእን ምኹናን፡ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ብውግእ ብሰላም ክፍታሕ ምምሕጻን ግና ነቲ ቀይሕ መስመር ክሳብ ዘይጠሓሰ፡ ብዓይኒ ዘራይን ምድኻም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ክረአ ዝግበኦ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ክወርድ ዘይንደልዮ ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ ክፍጸም እንከሎ፡ ምቅዋሙ ከኣ ፖለቲካዊ ጥራይ ዘይኮነ ሞራላዊ ግቡእ እውን እዩ። እቲ ምድንጋጽ፡  ቅድሚ ኩሉ ከም ኤርትራውያን ውሽጣዊ ሓድነትናን ሃገራዊ ክብርታትናን ዝጻረር ከይከውን ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ።  ህግደፍ ብዘሳውሮ ውግኣት ዕንወትን ጽልእን ዘኸትል ክነሱ፡ መሬት ዘምልስን ልኡላውነት ዝዕቅብን መሲሉካ ኣብ ጐኑ ምስላፍ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። 

ኣብ ትግራይ ውግእ ምስተጀመረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ግዜ ከይበለዐ ዝወሰዶን ሎሚ ህያውን ብብዙሓት ወገናት ዝተደገፈን መፍትሒ ኮይኑ ዘሎን ቅኑዕ ኣቕጣጫ እዩ። ኣብ ውዑይ መድረኻዊ ዛዕባ ሓደ ኣካል ዝወስዶ መርገጽ ንምድጋፍ ኮነ ንምቅዋም ካብ ታህዋኽን ጥርጣረን  ወጺእካ እኹል ግዜ ሂብካ፡ ብመንጽር ኤርትራዊ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝባን መዚንካ ምስትውዓሉ  ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ከም ኤርትራውያን ዘለና ወጽዓ ናይ ምውጋድ ቀዳምነትናን ምስ ጐረባብትና ህዝብታት ዘራኽቡና ጉዳያትን ምንጻር ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ  ጉዳይና እቲ ካልእ ወገን፡ ኣብቲ ንሕና እንጠልቦ ክተሓጋገዘና እምበር፡ ማዕሬና በዓል ዋኒን ምስዝኸውን ኢድ ምትእትታው ስለ ዘኸትል፡ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንሕና እውን ከምኡ ኣብቲ ናይ ካለኦት ጉዳይ ብጽሒትናን ደረትናን ክሳብ ክንደይ  ምዃኑ ክንግንዘብ መሰረታዊ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ከምቲ ህግደፍ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ናይ ጐረቤት እዩ ኢልና ንገድፎ ኣይኮነን” ዝብሎ፡ ደረቱ ዝሓለፈ ምትእትታው ግና ሓላላኺ እምበር ሓጋዚ ኣይኮነን።

ስለዚ ብመጽርዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ተሃዋሲ መድረኽን ዘይነጸረ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትን ንብዙሕነትና ኣብ ክንዲ ናብ ግጉይ ኣቕጣጫ እናወጠጥና ኣብ መረሓሓቕን መዳኸምን ኤርትራዊ ሃገራውነት ነውዕሎ፡ ተኸኣኢልናን ተጸዋዊርናን መደልደሊ ሓድነትና፡ ካብ ምውዓሉ ካልእ ምርጫ የብልናን። ኤርትራዊ ማሕበራዊ መራኸብታት ከኣ ኣብዚ መዳይ  ሓላፍነታዊ ግደአን ክጻወታ ይግበአን።

ስእሊ፡ ማሕበራዊ መዲያ

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሰንክቲ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ናይሮቢ ዝሰንበዶ ንኣንበሳድሩ ኣብ ኬንያ በየነ ርእሶም ኣምሪሩ ከም ዝገሰጾ፡ ናብ ምምሕዳር ህግደፍ ቀረባ እዮም ዝበለቶም ምንጭታታ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ገዳብ ኣፍሊጣ። ኢሳያስ ነቲ ኣንበሳድር ዝገሰጾ ብዛዕባቲ ቀልቡ ዝገፈፎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ እዩ።

ብመሰረት እቲ መርበብ ሓበሬታ ገዳብ ዘውጸኣቶ ዝርዝር፡ ኣንበሳድራት፡ ብሓፈሻ መንግስታዊ ጋሻ ብፍላይ ከኣ መራሒ ሃገር ናብቲ ዝተመደብዎ ሃገር ክመጽእ እንከሎ፡ ክገብርዎ ዝግበኦም ምድላውን ክፈልጥዎ ዝግበኦም ዓሚቕ ሓበሬታን ኣለዎም። እቲ ምድላው፡ እቲ መራሒ ናይ ዝረኽቦም ሰባት ቆጸራ ኣቐዲምካ ምሓዝ፡ ንኣባላት እቲ ልኡኽ ዘድሊ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ንኣመጋግበኦም ዝምልከት ጉዳያትን ከም ዘጠቓልልን ይኸውን። ኣንበሳድራት ነዚ ምስቶም ዝምልከቶም ናይታ ጋሻ እትቕበል ሃገር ሓለፍቲ ኮይኖም ከም ዝሰርሕዎ እውን ጠቒሳ።

ኣንበሳድር በየነ ርሶም ብዛዕባ ባህሪ ናይቲ ጋዜጣዊ ዋዕላን ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ጋዜጠኛታትን ክፈልጥ እንዳተገበኦ ዘይምፍላጡ ካብቲ ዝተገንሓሉ ምኽንያታት ሓደ እዩ። በቲ ጸብጻብ መሰረት እቶም ጋዜጠኛታት ንኢሳያስ ዝውጥር ሕቶታት ከም ዝሓቱ  ኣቐዲምካ እንተዝፍለጥ፡ ነቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ናይ ምስራዝ ተኽእሎ ነይሩ።

ጋዜጣዋ ዋዕላ ናይሮቢ፡ ነቲ ኣብ ናይ ብሕቱ መንግስታዊ መዲያ እሞ ባዕሉ ብዝመደቦም ጋዜጣኛታትን ኣቐዲሙ ብዝቐረበሉን ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ ብዘመዓራረዮ ሕቶታት፡ ኣብ መንጎ ዘቋርጾ ዘየብሉ ብዘይገደብ ምዕንዳር ዝለመደ ኢሳያስ ከሰንብዶ ግድን ከም ዝነበረ ተጠቒሱ። እቲ ጋዜጠዋ ዋዕላ ናይሮቢ ከምቲ ብግብሪ ዝተራእየ ንኢሳያስ በቲ ዘይለመዶ ክዕገሶ ዘይከኣለ ኣገባብ ክቃላዕ ዝደለይዎ፡ ከም ሲ ኣይ ኤ ዝኣመሰሉ ኣካላት ዘጻወድዎ ክኸውን ከም ዝኽእል’ውን እቲ ዜና ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዲክታተር ኢሳያስ ኣቐዲሙ ናይሮቢ ናጻ ፕረስ ዝዓንበበላ እምበር፡ ከም ኣስመራ ዕጽውቲ ዘይምዃና ክርዳእ ዘይምኽኣሉ ኣብ መጻወድያ ከም ዘእተዎ ዜና-ገዳብ ሓቢሩ።

ኢሳያስ ብ2001 ብዘይኤርትራዊ ጋዜጠኛ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ጋዜጠኛን ደራሲ ተዋሰኦን ፍሰሃየ ዮሃንስ (ጀሽዋ) ተሓቲቱ፡ “ኣይፈልጦን እየ፡ ስለዚ ብዛዕባ ሃለዋት ዘይፈልጦ ሰብ ዝብሎ የብለይን” ኢሉ ምንባሩ ከም ድሕረ ባይትኡ ምስ ዘይኤርትራዊ መዲያ ጠቒሱ።

Saturday, 18 February 2023 23:45

Dimtsi Harnnet Sweden 18.02.2023

Written by

መንገዲ ኣየር የመን፡ ካብ 15 ለካቲት 2023 ጀሚሩ ካብ ከተማ ዓደን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ በረራ ከም ዝጀመረ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ መንገዲ ኣየር የመን ናብ ኣዲስ ኣበባ በረራ ዝጀመረት ድሕሪ ብ2015 ምቁራጻ ምዃኑ ናይታ መንገዲ ኣየር ወኪልን ኣመሓዳርን ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ፉኣድ ኣታሺ ንመርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢሮም።

ፉኣድ ኣታሺ ንኣዲስ ስታንዳርድ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ባንዴራ ውግእ ኣዝያ ናይ ዝተሃስየት ሃገር ዘንበልብል በረራ ረቡዕን ዓርብን እዩ ዝካየድ። እቶም ወኪል ኣተሓሒዞም እዚ ዳግም ናብ ንቡር ዝምለስ ዘሎ ስሩዕ በረራ ካብን ናብን ዓደንን ኣዲስ ኣበባን ንገያሾ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት መሰጋገሪ ኮይኑ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ጠቒሶም።

መንገዲ ኣየር የመን ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ከም  ድማ፡ ናይዚ በረራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጅማር፡ መሪሕነት የመን ነቲ በረራ  ናብ ኩሉ ኩርነዓት ብስሩዕ ኣገባብ ንምስፋሑን ናብቲ ግቡእ መርበብ በረራ ንምምላሱን ዓብይ ስጉምቲ ምዃኑ ጠቒሱ።  

Thursday, 16 February 2023 22:17

Dimtsi Harnnet Kassel 16.02.2023

Written by