ወሳኒ እንከሎ ዝተዘንግዐ ዕማም
2025-02-24 10:03:51 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 254 timesኤርትራውያን ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ነጻነት እውን፡ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ እዮም ዘለዉ። ቃልሶም ንብዙሕነታዊ ዲሞክራሲ፡ ንሰላም፡ ንልዕልና ፍትሕን ልምዓትን እዩ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከምቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ምዕራፍ፡ ብዘይውዳበ ከም ዘይዕወት ብምርዳእ ዝተፈላለያ ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኣብ መስርዕ ቃልሲ ተሰሊፈን ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት የሰጉማ ኣለዋ። ብዓብይኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ኩሉ ውዳበታት ዓንዲ ሕቖ እዩ።
ምዕዋት ናይዚ ቃልሲ ካብ ምውጋድ ናይቲ ኣካላቱ ማህሚኑ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ወዲቑ ዘሎ ህግደፍ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ኩሉ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ በዂርዎ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ጸጋታትን መሰረታዊ መሰላትን ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን እቲ ጉጅለ ስለ ዝኾነ። ህግደፍ ክሳብ’ዚ ዘለናዮ ደረጃ፡ ንህዝብና ከየድከየን ምስሊ ኤርትራ ከይደወነን ብኣግኡ ክውገድ እናተገበኦ፡ ክሳብ ሎሚ ትልኽ ይብል ናይ ምህላዉ ምኽንያት፡ ብርተዐኡን ጥበቡን ወይ ብህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ተቐባልነት ገይሮም ዝርድእዎ ገለ ወገናት ኣለዉ። ርግጽ ህግደፍ ነብሱ ከድሕንን ዕድመ ስልጣኑ ከንውሕን ዝምህዞ ተንኮላት፡ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጥሮ ዘይምትእምማንን ዝምስርቶ ዘይቅዱስ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታትን ግምት ኣይወሃቦን እዩ ማለት ኣይኮነን። እንተ’ቲ ወሳኒ ናይ ዘይምእላዩ ምኽንያት ግን፡ ናይቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት ድኽመት ምዃኑ ክሰሓት ዘይግበኦ ሓቂ እዩ። ድኽመትካ ምፍላጥ ድማ መፍትሒ ንምርካብ ፍርቂ መንገዲ ምጉዓዝ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።
ናይቶም ንህግደፍ ስዒርካ ለውጢ ንምምጻእ ተሰሊፎም ዘለዉ ኣካላት ድኽመት፡ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝግለጽ እዩ። እቲ ሕጽረታት ገሊኡ በዓል ቤታዊ ገሊኡ ከኣ ወድዓዊ እዩ። እዞም ሓይልታት ብውሕዱ በዓል ቤታዊ ድኽመታቶም ንምውጋድ ካብ ካልእ ዝጽበይዎ ኣይኮነን። ካብዚ ጸገማትዚ ክወጽኡሉ ካብ ዝኽእሉ መንገድታት ሓደ፡ ነቲ ተበቲኑ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሞም ናብ ሓደ መድረኽ ከሰልፍዎ ምብቃዕ እዩ። እዚ መዋጸኦ‘ዚ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዋጋ ዘኽፍል እምበር ዘይከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ነቲ ዝከኣል እዮም ዘይክእልዎ ዘለዉ። እቲ “ወሳኒ ክንሱ ዝተዘንገዐ ተግባር” ዝበልናዮ እምበኣር፡ ነቲ ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ክትስለፍ ዘይምብቃዕ መሰረታዊ ሕጽረት ንምዝኽኻር እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ እንከለዎ፡ ኣብ ዘየስመዓሉ ደረጃ ብምህላዉ እንተዘይኮይኑ፡ ድሌቱ ከምቲ “ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ወይ “ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንብዓ” ዝብል ቁምነገር ብምስትውዓል፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ኣብቶም ዘሰማምዕዎም መሰረታዊ ዛዕባታት ሓቢሮም ኣንጻር ወጻዒኡ ክቃለሱ ቀጻሊ ጸዋዒቱ ምዃኑ ብዝረኸቦ ጸቢብ ኣጋጣሚታት ዘንጸባርቖ ዘሎ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዝምርሕሉ ፖሊሲታትን ዘቕርብዎ ጸዋዒትን ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እዮም ዘቃልሑ። ህዝቢ ንጸዋዒቶም ሰሚዑ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ለውጢ ንክስለፍ ናይ ወትሩ ምሕጽንተኦም እዩ። እንተኾነ ክንድቲ ሰሚዑ ኣብ ጐኖም ክስለፍ ደጋጊሞም ዝጽውዕዎ፡ ንሳቶም ግና ክንድቲ ዝድለ ምሕጽንታኡ ክሰምዑን ክተግብሩን ቅሩባት የለዉን። ጸዋዒት ህዝቢ ኤርትራ ብሓጺሩ “ንህግደፍ ስዒርኩም ናብ ራህዋ ንክንበጽሕ ኣንጻሩ ሓቢርኩም ተሰለፉ” ዝብል እዩ። ካብቲ ብዛዕባ ሓይልታት ለውጢ ቅር ዝብሎ ሓቢሮም ዝቃለስሉ መድረኽ ክፈጥሩ ዘይምኽኣሎም ምዃኑ ከኣ ደጋጊሙ ኣተንቢሁ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ናይ ኣተሓሳስባ ጫፋት ሒዝካ ምውጣጥ ልሙድ ኣብ ዝኾነሉ ኢና እንርከብ። ጫፋት ሒዝካ ምጉታት ዕድመ ህግደፍ ከንውሕ እንተዘይኮይኑ ንዋላ ሓደ ናይ ለውጢ ኣካል ከምዘየዐውት ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮ እዩ። እቲ ዘዐውት ካብ ጫፋት ምጉታት ወጺእካ ብመስርሕ እንካን ሃባን ምጽውዋርን ኣብ ማእከላይ ነጥብ ክትራኸብ ብምብቃዕ ጥራይ እዩ። ናይቲ ማእከላይ መራኸቢ ነጥቢ መዐቀኒ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ክኸውን እንከሎ ከም ዘዐውት ከኣ ርዱእ እዩ። መባእታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንህግደፍ ወጊድካ ህዝባዊ ልዕልና ብዘውሕስ፡ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካእ እዩ። እዚ ሓቢርካ ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ናይ ምዕዋት ኣካይዳ ኣባና ዝጅመር ዘይኮነ፡ ብመትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ብዙሓት ዝተዓወትሉ መንገዲ እዩ። ነቲ ህዝቢ ዝደልዮን ዝጽበዮን ካብ ምዝርዛር ሰጊርካ፡ ብግብሪ ከምኡ ኮይንካ ምቕራብ ትብዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። ናብዚ ኩሉ ክትበቅዕ ከም ሓደ ኣገዳሲ ግንዛበ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት መወዳደሪ እምበር መጻልእን መጻረፍን ጌርካ ዘይምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀንዲ ዘሻቕለና ኤርትራዊ ኣተሃላልዋን ናይ ለውጢ ቃልስናን እዩ። ኣብ ከባቢና ዝፍጠር ዘሎ ናዕብታት ነቲ ሻቕሎትና፣ ሻቕሎት ዝውስኸሉ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝነበረ ውግእ ኣብ ርእሲ ሻቕሎት፣ ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፈለና እንርደኦ እዩ። ዋላኳ በሰላኡ እንተዘይሓወየ፡ ጉዳይ ትግራይ ሰላማዊ ምስርሕ ብምሓዙ እናተተባባዕና፡ ካልእ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ናይ ጐረቤት ተርእዮ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ።
ብሰንክዚ ናይ ቃልስና ባይታ ኣብ ምምድማድን ህዝብና ኣብ ምዕቋብን ፍሉይ ታሪኽ ኣብ ዘለዋ ሱዳን ውግእ ምብርዑ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዓብይ እጃም ዝነበሮም ኤርትራውያን ተመዛቢሎም ንሱዳን ኣብ ዘዳውብ ከባብታት ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ቻድን ይሳቐዩ ኣለዉ። ብዓብይኡ ከኣ ገለን ተጨውዮም ገለን ድማ ዓቕሎም ምስ ጸበቦም መተካእታ ዝሰኣንሉ ምርጫ ወሲዶም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታትና ውሑዳት ኣይኮኑን። ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ናይዞም ግዳያት ድምጺ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎም። ዘስምዕዎ ድምጺ ኣድማዒ ዝኸውን ግና ብተናጸል ዘይኮነ፡ ብሓባር እዩ። ስለዚ እቲ “ኣገዳሲ እንከሎ ዝተዘንገዐ ዕማም” ዝበልናዮ ክንዓስሎ መድረኻዊ እዩ።