ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ብምኽንያት ረሞዳን ተኹሲ ክቋረጽ ጸዊዑ

2025-02-20 09:38:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 180 times

ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ

ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ሱዳናውያን ተዋጋእቲ ሓይልታት ንድላይነት ሰብኣዊ ምቁራጽ  ተኹሲ ብምኽንያት እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2025 ዝካየድ ቅዱስ ሮመዳን (ጾም)  ከተግብሩ ጸዊዑ። እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ዝጸውዐ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳንን ኮንጎን ዘሎ ኩነታት ንምምዛን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ገሊጻ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብኣላይነት ሕብረት ኣፍሪቃ  ዝካየድ 2ይ ዙር ዘተ እውን ተዘራሪቡ።

እቲ ትካል ሰላምን ጸጥታን ኣብቲ ኣኼባኡ ኣብ ሱዳን መመሊሱ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን  ዝዓርግ ዘሎ ውግእን ዘኸትሎ ዘሎ ናይ ውግእ ገበናትን ካለኦት ጥሕሰታት ዓለም ልለኻዊ ሕግታትን ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ኣንጸባሪቑ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ክልቲኦም ሱዳናውያን ወገናት ብዛዕባ ቀዋሚ ምቁራጽ ተኹስን ናብ ቀጥታዊ ዘተ ምእታውን እውን ክሓስቡ  ጸዊዑ።

እቲ ኣኼባ ኣብቲ ዳህሳሱ ንሲቪል ክፍሊ ሕብረተሰብ ግቡእ ሓለዋ ክግበር ከም ዘድሊ ጠቒሱ፡ ኩሎም ሰብኣዊ ሕግታት ጥሒሶም በደል ዝፈጸሙ ወገናት ክሕተቱ ምምዛኑ ተጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ንኹሎም ውሳነታት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጥሒሶም፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢድ ኣእትዮም  ዘጋድዱ ዘለዉ ኣካላት ኩነኔኡ ኣስሚዑ። ኩሎም ናይ ወጻኢ መንግስታውን ዘይምነግስታው ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ካብ ኢድ ኣእታውነትን ወተሃደራዊ ሓገዝ ምቕራብን ንክዕቀቡ ድማ ጸዊዑ።

ምስዚ ብምትሕሓ ኩሎም ሱዳናውያን ወተሃደራዊ ኣካላት ናብቲ ዝተጸገመ ህዝቢ ሓገዝ ዝበጽሓሉ ኩነታት ክፈጥሩን ካብ ወጻኢ ናብ ሱዳን ዝኣትወሉ ኣፍደገታት ኣብ ምኽፋት ክተሓባበሩ ተማሕጺኑ፡ ኣብታ ሃገር  ዝግበር ዘተ ከኣ ንኹሎም ሱዳናውያን ዘሳትፍን ሓቛፍን ናይ ምዃኑ ኣድላይነት  ኣገንዚቡ።

Last modified on Thursday, 20 February 2025 10:43