ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዝዓነዋ ነፈርቲ

2026-01-12 20:26:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 42 times

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዝዓነዋ ናይ ሲቪል ነፈርቲ

ብሰንክ’ቲ ብ2023 ኣብ ሱዳን ዝተባርዐ ውግእ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዝወረደ ሳዕቤን፡ ዕንወት 28 በብዓይነተን ናይ ሲቪል ነፈርቲ ከም ዘኸተለ፡ መንገዲ ኣየር ሱዳን ብ11 ጥሪ 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እተን ዝዓነዋ ነፈርቲ ናይ ሰብ መጐኣዝያን ናይ ንብረት መጽዓንን ኮይነን፡  ዋንነተን ድማ ናይ መንግስትን ናይ ብሕትን ምንባረን ተፈሊጡ። ነተን ነፈርቲ ኮነ ኢሉ ዘዕነወን እቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሉ እዩ ዝብል ክሲ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ናይቲ ዓለምለኻዊ መንገዲ ኣየር ሓለፍቲ ብወገኖም፡ ንሱዳን ትሪቡን ከም ዝገለጹላ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ንቡር ንምምላስ እቲ ዕንወት ዘሕድረሉ ሃጓፍ ዝለዓለ ኮይኑ፡ ዋላ ናይ መጀመሪ ርእሰማል ዓቕሙ እውን ኣዝዩ ውሱን ምዃኑ ተጠቒሱ። እዚ ዝተገልጸ ላዕለዎት ሓለፍቲ  ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ብ11 ጥሪ 2026 ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝዓረፍሉ እዋን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ እቲ መንገዲ ኣየር ቀዋሚ ዝሰፈሐ ኣገልግሎት ምሃብ ዝጅምረሉ ዕለት ከምዘይተፈልጠ እቲ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ መንገዲ ኣየር ገጢምዎ ዘሎ ዝለዓለ ብደሆ፡ መሰረታዊ ምንቅስቓስ መጀመሪ ዓቕምን ኢንሹራንስን እዩ።  ብሰንክ’ዚ ሕጽረት ከኣ ወነንቲ ነፈርቲ ኩባንያታት ነፈርተን ካብ ፖርት ሱዳን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ጐረባብቲ ሃገራት ለይቲለይቲ የውጸኣ ኣለዋ ክብል እቲ ዜና ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ምስዚ ምዕናው 28 ነፈርትን  ዘሻቕል ጸጥታዊ ኩነታትን ገለ ናይ መጐዓዝያ ትካላት ኣካልቲ መንገዲ ኣየር ናይ ምዃን ድሌት የርእያ ኣለዋ ተባሂለን። ሳልማኣየር ዝተባህለት መንገዲ ኣየር ዑማን 27 ጥሪ 2026 ብቐጥታ ናብ ፖርት ሱዳን በረራ ብምምጅማር፡ ነቲ ምስቲ መንገዲ ኣየር ዝነበራ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ካብ ሃገራት ወሽመጥ ናይ መጀመርያ ኮይና ከም ዘላ ተፈሊጡ።

Last modified on Monday, 12 January 2026 21:30