ዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ መስራቲ ጉባአኣ ኣካይዳ

2025-10-25 14:38:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 54 times

ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብ24 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡  “ኣዳራሽ ኣራዳ ፓርክ” መስራቲ ጉባአኣ ኣካይዳ። እዚ ጉባአ 256 ዘድምጹ ኣባላትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ኣብ ዝተሳተፍሉን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣባላቱ ልኢኹ  ኣብ ዝተዓዘበሉን እዩ ተኻይዱ።

 እዚ መስራቲ ጉባአ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት፡ ኣቶ ነጋ ኣሰፋ ቀዳማይ ምክትል ፕረሲደንት  ከምኡ ድማ ኣቶ ሃብቱ ኪሮስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገይሩ መዚዙ። ምስ ብዝተተሓሓዘ ከኣ 7 ኣባላት ፈጻምን 31 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ዝሓቖፈ መሪሕነት መሪጹ። ከምኡ ድማ ኣቦመንበርን ምክትላ ኣቦመንበር ኮሚሽን ምቁጽጻር መሪጹ።

ናብዚ ጉባአ ስምረት ንምብጻሕ ከተሓባብር ዝጸንሐ፡ ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝነበረ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ኣማኻሪ ቅርኒ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝብል መዝነት ሒዙ ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብቲ መኽፈቲ ጉባአ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘተኣማምን ሰላም ዘይምህላዉ፡ ጉባአኦም  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይዱ ከም ዝተገደዱ ጠቒሱ።  ኣተሓሒዙ ከኣ ኩነታት እንተፈቒዱ ኣብ መጻኢ ኣብ ትግራይ ካልእ ጉባአ ናይ ምክያድ መደብ ከም ዘለዎም ኣፍሊጡ።

ኣብዚ መደረኡ ክሳብ መኽፈቲ እቲ ጉባአ፡ 5 ሺሕን 600ን ብኣባልነት መዝጊቡ ከም ዘሎ ንተሳተፍቲ ሓቡሩ። ኣብ ምኽፈቲ ናይዚ ጉባአ ተሳቲፎም ናይ ደገፍ ቃሎም ካብ ዘስምዑ፡ ዝተወሰና ውድባት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ምሁራትን ትግራይ ዝሓቖፈ ጽላል ዘወሃህድ ዘሎ ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳአ ይርከቦም።

50 ዓመት ዝዕድመኣ ህዝባዊ ወያነ ሃርነት ትግራይ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ህወሓት፡ ስምረት ትግራይን ወለዶ ትግራይን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ኣካላት ተኸፋፊላ እያ እትርከብ።

Last modified on Saturday, 25 October 2025 16:44