ምሁራትን ክኢላታትን ተወለድቲ ኦሮሞ ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፎም
2025-06-06 20:28:39 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 365 timesካብቶም ደብዳበ ዝጻሓፉ ብኸፊል ዝርከብዎም፡
ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካን ኣወስትራሊያን ዝነብሩ ዳርጋ ኩሎም ናይ ዶክተራት ማዓርግ ዘለዎም ምሁራትን ክኢላታትን ደቂ ኦሮሞ ብ5 ሰነ 2025 ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኣብ መርበብ “ኦሮሞ መዲያ ኔትዎርክ (oromo media natwork) ወጺኡ።
እዞም ዝርዝር ኣስማቶም ምስቲ ደብዳበ ኣተሓሒዞም ዘስፈሩ 85 ምሁራትን ክኢላታትን፡ ኣብቲ ደብዳበኦም “ኣብ መበል 34 መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዘስማዕካዮ መደረ; ኣብ ልዕሊ መንነት ኦሮሞ ንዝፈጸምካዮ፡ ዘይተጸበናዮ መጥቃዕቲ ኣዕዚዝና ንኹንኖ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ናብ ሰልፊ ብልጽግና ዘትኮረ ዝመስል መደረኡ፡ ምስ ኦሮሞ ከተሓሕዞ ብምፍታን “ኦሮሞማ” ብዝብል ሸፈጥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እዚ ተግባር ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንነት ኦሮሞ ዝነበሮ ኣወንታዊ ሚዛንን ኣረኣእያን ዘበላሹ እዩ ኢሎም ገሊጸምዎ።
ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ዘይጥዑይ መልክዕ ምሓዙ፡ ብ28 ለካቲት 2020 ናብ ኢሳያስ ደብዳበ ጽሒፎም ከም ዝነበሩ ዝጠቐሱ እዞም ምሁራትን ክኢላትታን፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ መልእኽቶም፡ ኢድ ኣእታውነት ንክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዘየርብሕ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ካብ ምእታው ንክትቁጠቡኳ ተማህጺነምዎ እንተነበሩ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ምሕጽንታ ተቐቢሉ፡ ዘመሓይሽ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዘለዎ ኣረኣእያ እናኸፍአ ከም ዝመጸ ኣብቲ ደብዳበኦም ጠቒሶም።
እቶም ምሁራት ብኦሮሞነቶም ከም ዝሕበኑ ብምጥቃስ፡ እንተደኣ “ኦሮሞነት” ብኣሉታ ዝግለጽ ኮይኑ፡ “ትግርኛነት ከደኣ ብኸመይ ቅኑዕ ይኸውን?” ክብሉ ብምጥቃስ፡ መደረ ኢሳያስ ተጋራጫዊ ምንባሩ ኣስፊሮም። ኣብቲ ኣብ ዘየለ ነገር ዝበልዎ፡ “ኩሽቲኽ-ሰመቲክ” ዝበልካዮ ድማ ከምኡ ዓይነት ትረኻ ዝዕድም ዘሎ እዩ ዝመስል ኢለምዎ። “ኤርትራኸ ካብቲ ዝበልካይ እንታይ እያ እትጥቀሞ? ንዝበል ሕቶ ከኣ መልሱ ንዓኻ ንገድፎ ድማ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ዞባና ሰላም ርሒቕዎ ናብ ግሁድ ቅልውላው ዝኣቱ ዘሎም ምዃኑ ጠቒሶም፡ መደረ ኢሳይስ ድማ ነቲ ወጥሪ መሊሱ ወጥሪ ዝውስኽ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንመንነት ህዝብና ዘዋርድ እዩ” ኢለሞ።
እዚ ኢሳያስ ኣብ መደረኡ ንብሄር ኦሮሞ ብዝምልከት ዝጠቐሶ፡ ቅድሚ እዞም ምሁራትን ክኢላታትን ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ደቂ ኦሮሞ መዛረቢ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ።