ትካል መግቢ ዓለም ናይ ሽረ ቤት ጽሕፈቱ ክዓጹ ወሲኑ
2025-06-27 12:21:13 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 155 timesትካል መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት (WFP፡) ኣብ ክልል ትግራይ; ኣብታ ዝበዝሑ ናይ ውግእ ተመዛበልቲ ተዓቚበሙላ ዘለዉ ከተማ ሽረ ዝነበረ ቤት ጽሕፈቱ፡ ኣብ መወዳእታ ሰነ 2025 ከም ዝዓጽዎ ምሕባሩ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። ወኪል ናይቲ ትካል ቤት ጽሕፈት ሽረ፡ ለቫን ትቻትቻው፡ ነቲ ምዕጻው ኣረጋጉጹ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዘካይድዎ ስርሒት ግና ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።
እቲ ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣተሓሒዙ፡ ምዕዳል መግቢ ኣብቲ ከባቢ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ንዝድገፍ “ናይ ሓባር ህጹጽ ስርሒት” ንዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ከም ዝርከብ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ንዝወሃብ ኣገልግሎት ምዕዳል መግቢ ግና ትካል መግቢ ዓለም ባዕሉ ከም ዝቕጽሎ ሓቢሩ። ክላይረ ዝተባህለት ወሃቢት ቃል ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብወገና፡ እዚ ዝውሰድ ዘሎ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ኣካል ናይቲ ብ2024 ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ለገስቲ ኣካላትን ብምስምማዕ ዝተወሰነ፡ ንክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝምልከት ናይ ምስግጋር መስርሕ ምዃኑ ሓቢራ። ብዘይካዚ ትካል መግቢ ዓለም ምንቅስቓሱ ኣብቲ ከባቢ፡ ቅድሚ ውግእ ትግራይ ጅማሩ ምንባሩ እውን ገሊጻ።
ናይቲ ምዕጻው ዓላማ፡ ምስ ካለኦት ለገስቲ ብምትሕብባር ዝሓሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ንከኽእል ምዃኑ’ውን ጠቒሳ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ብዘሎ ቤት ጽሕፈት ብዝወሃብ ምምሕዳር፡ ኣብ ትግራይ ን280 ሺሕ ህጽናት፡ ኣደታትን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከቡ ሓረስቶትን ከምኡ እውን ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝበሰለ መግቢ ብምቕራብ ከም ዝቕጽል ኣፍሊጣ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብሰንኪ ዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት ዝተፈላለዩ ቀረባት፡ ንነፍሲ ወከን ተመዛባሊ ዝወሃብ ዝነበረ ዓቐን ሓገዝ ይንኪ ከም ዘሎ ኣመልኪታ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ምምላስ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝለዓለ ኣጀንዳ ኮይኑ ይሰሓሕብ ከም ዘሎ ዝዝከር እዩ።