300 Norwegian Eritreans are happy and proud to be part of an historic event. They believe that this victory is the beginning of the end of PFDJ.






ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን” ዝብል ኣበሃህላ፡ ንህልዊ ኰነታት ህዝብናን ሃገርናን ዝመስል እዩ። ምኽንያቱ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘይተፈጸመ በደል፡ ዘይተራእየ ጥልመትን ዘይተጋሀስ መሰልን ስለ ዘየለ። ኣብ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ሕሱም ምምሕዳር ህግደፍን ብዛዕባ ምኽባርን ዘይምኽባርን ሕግን ስርዓትን ኣየዛረብን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ውልቃዊ ገባሪ ሓዳግነት እምበር፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ህዝቢ ዝፈልጦን ናተይ ዝብሎን ሕጊ የለን። ኣብ ሃገርና ገዛኢ እምበር ሕጊ ብዘይምህላዉ፡ ህዝብና ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዘገርም ሕሱም ኩነታት ወዲቑ ከም ዘሎ፡ ርእዩ ከምዘይረኣየ ክኸውን ንዝደሊ እንተዘይ ኮይኑ፡ ዓለም ብዓለማ እትምስክሮ እዩ።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣቱን ዘርኣዮ ጥልመትን ንዕቀትን ንነዊሕ ዓመታት ዝተዘርበሉን ዝተጻሕፈሉን እዩ። መጻኢ ስንብራቱ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከኣ ኣይኮነንዶ ኣብቲ ኣደራዕ ዝወርዶ ዘሎ ዝተበደለ ህዝቢ፡ ኣብ ቅድሚ ካለኦት እውን ዝተመዝገበ ጸሊም ምልከት ስለ ዝኾነ፡ ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ፡ ኢልካ ዝዝርዘር ኣይኮነን። ብጥቕልሉ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን “ዓይንን ሓመድን” ምዃኖምን ቀዳማይ ጸላኢ ህዝብና እቲ ጉጅለ ምዃኑን ምጥቃሱ ግና ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝነቕልሉ ኩርነዓት ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ጸላኢ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት እዮም። ህዝብታት ታይዋን፡ ዩከርይንን ትግራይን ብቐረባ ካብ ዝጥቀሱ ኣብነት እዮም። ምስዚ ኩሉ መሰረታዊ ዘይምቅዳዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ከም ናይ ህዝቢ ሱዳን ዝኣመሰለ ቀጻልን በሪኽን ናይ ተቓውሞ ድምጺ ከምዘየስምዕ ዝተዓዘቡ፡ ህዝብና ነቲ ወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝተቐበሎን ዝተለማመዶን ዝመስሎም ወገናት ኣለዉ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓዞ ዳኣ ሒዝዎ እምበር፡ ብርግጸኝነት ንመሪር ተግባራት ህግደፍ ናተይ ዝብለሉ ሕልና ፈጺሙ የብሉን።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ንህዝቢ ኩሉ መሰላቱ ጠሊሙ ዝጭቁነሎ ቅዲ ዘመናዊ ባርነት ከም ቅኑዕን ተወዳዳሪ ዘይብሉን ገይሩ እዩ ዝንየተሉ። ባዕሉ ንባዕሉ ደኣ የፍርሶ እዩ እምበር፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቱ፡ ሰላማዊትን ብልጽግትን ኣምሲሉ ክስእላ ዘይሓፍረሉ ኣጋጣምታት ኣሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ኢሳያስ መሳርሒ ምእንቲ ክኾኖም ዘረሳስንዎን ዘጸባብቕዎን ሓሰውቲ መሰኻኽር ዘለዉዎ ምዃኖም እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ኤርትራ ሰላማዊትን ኣብ ቀጻሊ ዕቤት ዘላን ሃገር እያ፡ እዚ ንሕና ጥራይ ንብሎ ዘይኮነ፡ ዓለም እውን ዝመስከረቶ እዩ” ዝበሎ፡ ንኣብነት ዝጥቀስ ናይ ዘመና ግጉይ ሚዛን እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ብዙሕ ዘየቕለብናሉ ግን ከኣ ክሳብ ክንዳይ ሃገርና ብሕታዊት ርስቲ ሓደ ሰብ ኮይና ከምዘላ ዘርኢ “ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ካብ ዝእከብ ኣርባዕተ ዓመት ገይሩ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ካብ ዝፈርስ ከኣ ዕስራ ዓመቱ ኣሓሊፉ” ዝብል ጸብጻብ ካብ ማሕበራዊ መድያ ሰሚዕና። እዞም ካብ ምእካብ በዂሮም ዝተባህሉ መንግስታዊ ትካላት፡ ንዓና’ኳ ካብ ቀደሞም ስማውያን ምንባሮም ርዱእ እንተነበረ፡ እቲ ተረኽቦ ግና “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ውልቀ ሰብ?” ዘብልን ንዕቀትን ብደዐን እቲ ዲክታተር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክሳብ ክንደይ ደረቱ ከም ዝሓለፈ ዘርእን እዩ።
እዚ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት፡ እቲ ዲክታተር ብዝኸፈቶ ሰልኲ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን ብዙሕ ተርእዮታት ዝተቐልቀለሉ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣብ ውግእ ጐረቤት ኣትዮም ዝሃለቕሉን ንብረት ኤርትራ ዝባኸነሉን ግዜ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ስንብራቱ ብቐሊሉ ዘይሓዊ፡ እንተቐጺሉ ዋጋ ከየኽፍል ዘስግእ ጽልኢ ዝተዘርኣሉ’ውን ነይሩ። እዚ ዘይውሕሉልን ዓመጸኛን ኣካይዳ ጌና ሎሚ’ውን ህያው ምህላዉ ድማ ዘሕዝን እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር፡ ብሰንኪ እዉጅ ናይ ህግደፍ ኣንጻር ውጹዓት ምስላፍ፡ ዝያዳ ብሻራነት ዝተለለየት’ውን ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ቀረባ ዓመታት እያ። ናብዚ ሓደገኛ ዝሳዕቤኑ ካብ ዝወደቐትሉ ጠንቅታት ሓደ፡ ናይ ሓደ ዘይጥዑይ ውልቀሰብ ብሕታዊት ርስቲ ምዃና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኩነታት ጥልመት መራሒ ህግደፍ፡ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ’ቶም፡ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ፈጻሚ ኣካል ህግደፍን ካልእን ዝብል ትርጉም ዘየብሉ መዝነት እናሃበ ዘላገጸሎም ኣካላት ብግብሪ ዘርኢ እዩ። ኣብ መጻኢ ከኣ እቲ ጥልመት፡ በቲ ዝጥለም ዘሎ ህዝቢ እምበር፡ በቲ ጠላሚ ጉጅለን ከም እንስሳ “እምባሕ” ዝብሉ ሳዓብቱን ዝቕየር ከምዘይኮነ ዕዙዝ ኣስተብሎ ዘድልዮ እዩ።
ዲክታተር ኢሳያስ እዚ ኣካይድኡ ብህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ዘየብሉ ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ዘይምቕባል ጥራይ ዘይኮነ ኩነታት እንተዘይጸጊምዎ ህዝቢ ኤርትራ ክጐሓፈሉ ከም ዝደሊ እውን ይርዳእ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ንህግደፍ ናይ ምስዓሩ ሕልና፡ ድፍረትን ዓቕምን ንከይወነን ከምክኖ ወትሩ ዝፍትን። ነቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዘሎ ኤርትራዊ ወሳኒ ናይ ለውጢ ባእታ፡ መንእሰያቱ ብምብታንን ናይ ሕድሕድ ምእትእምማኑ ከም ዘየትርር ንምግባሩ ንድሕሪት ከይበለ ዝሰርሕ። እዚ ሓደገኛ ሓይሊታት ለውጢ ናይ ምድኻም ተንኮሉ ተሰዓሪ’ምበር ነባሪ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ብሓፈሻ ከኣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ናይ ዓወት ረቛሒ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ንምድኻሙ ንሓንሳብ ናይ ሃይማኖት ንሓንሳብ ከኣ ናይ ኣውራጃ ወይ ካልእ የገልግለኒ’ዩ ንዝብሎ ጸቢብ ስምዒታት፡ ክኢላ ዓቕሚ ሰብን ገንዘብን ከነሃህር ንዕዘቦ ኣለና። ስለዚ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ በሃግቲ፡ ጸረ ሓድነትና ዝኾነ ጉጅለ ንክንስዕሮ፡ ናይቲ “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ሓደ ሰብኣይ?” ዝብል ሕቶ ርጡብ መልሲ ረኺብና፡ ኤርትራ ናይ ኩልና ምዃና ዘውሕስ ሓድነት፡ ብቕዓትን ተበግሶን ክንውንን እውናዊ ግደታና ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።
ጉዳይ ህዝብን ሃገርን፡ እሞ ድማ ኣብ ወሳኒ መድረኽ፡ ህግደፍ ዝጻወተሎም ስማውያን ምዃኖም ዝዘንግዑ "መንግስታዊ” ዝበሃሉ ትካላትን ብሓደ ምግንዛብ ዝረሐቖ ሰብ እናተወሰነ ስም ጥራይ ሒዞም ዝተረፉ ሚኒስተራትን ካለኦት ሰብ መዝን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኢሎም ዘይኮነ፡ ነንገዛእ ርእሶም ክብሉ፡ ምስ ሕልናኦም ክመኽሩ ኣብ ዝግደድሉ ወሳኒ መድረኽ ምህላዎም ሎሚ’ውን ደጋጊምና ነዘኻኽሮም። ካብ ንህዝቦም ክሳብ ሎሚ ንውልቀ-መላኺ ኣዳልዮምን ብግዝያዊ ረብሓ ሰዲዖምን፡ መሳርሒ ሓደ ዘይርጉእ ኣእምሮን ንሃገርን ህዝብን ዘይሓልን ኢሳያሳ ኣፈወርቂ ኮይኖም ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ካለኦት ኣካላት ጸጥታን ኤርትራ ካልእስ ይተረፍ፡ ነቲ ንዘይኤርትራዊ ረብሓ ዝፈስስ ዘሎ ደሞምን ዝገሃስ ዘሎ መሰሎም’ውን ከም ዘየድሓኑ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽሮም። ሎሚ “ተመን ኣብ እግርኻ በትሪ ኣብ ኢድካ” እናተባህሉ ርእሶም እንተ ኣድኒኖም፡ ጽባሕ ዘጣዕሶምን ኣብ ታሪኽ ዘሕትቶምን ክኸውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ደረጃኡ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ኩልና ኤርትራውያን ግዳይ ሓደ ሰብ ኮይና ብምህላውና፡ ሕራነ ሓዲሩና፡ “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ሓደ ሰብኣይ?” ክንብል ይግበኣና።
ስርዓት ህግደፍ ኩሎም “ዑቑር ሰራዊት” ዝብሎም ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣባላት ክኸቱ ብመንገዲ ምምሕዳራዊ መሓውሩ ከም ዝጸውዖም ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ዜና መሰረት እቲ መጸዋዕታ ካብ 14 መስከረም 2022 ከም ዝተተግበረ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣቐዲሞም ብዘይእዉጅ ናብ ግንባራት ዝተወስዱ ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ። ኣባልነት ዕቑር ሰራዊት ክሳብ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ወተሃደራዊ ተመኩሮ ንዘለዎም ዘጠቓልል እዩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ኤርትራ ሓድሽኳ እንተዘይኮነ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ብምህላዉን ዜጋታት ኣብ ጐደናታት ከይተረፈ ናይ መንነት ወረቐት ከርእዩ ይድገዱ ስለ ዘለዉን ኣብ ህዝቢ ዓቢይ ሻቕሎትን ስግኣትን ኣሕዲሩ ከም ዘሎ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። እዚ ኣገዳዲ መጸዋዕታ ነቶም ኣባላት ዕቑራት ሰራዊት ኮይኖም ኣብ ግላዊ ጉዳዮም ዝጸንሑ ዝምልከት ኮይኑ፡ እቶም ኣብ መንግስታዊ ኣካላት ዘለዉ ግና “ትሑዛት እዮም” ብዝብል ኣብዚ ናይ ሕጂ ዙርያ ከምዘይተጸውዑ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
እዚ ኣገዳዲ መጸዋዕታ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ እሞ ምምሕዳር ህግደፍ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ ዓቕሙ ዝሳተፈሉ ዘሎ ውግእ ተኸቲሉ ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ኤርትራ ኢድ ምእታዋ ጥራይ ዘይኮነ ገዚፍ ሰራዊትን ኣጽዋርን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብባሕርን ብኣየርን ብቐጻሊ ናብ ኤርትራ ይጐዓዝ ከም ዘሎ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ኣሻቒልዎ ዘሎ ኩነታት እዩ’።
ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለያ ኣህጉራውን ዓለምለኻው ኣካላት፡ ግደ ኤርትራ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ምግዳዱ ስለ ዝኾነ፡ ሰራዊታ ካብ ውግእ ኢትዮጵያ ከተውጽእ ይጽውዓን የጠንቅቓን ኣለዋ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ደማ ጉዳዮም ብሰላማዊ መንገዲ ከይፈትሑ ይዕንቅፍዎም ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ሓደ፡ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ምዃኑ ብምግላጽ ህግደፍ ኢዱን እግሩን ክእክበሎም ይምሕጸኑ ኣለዉ። ምምሕዳር ህግደፍ ግና ነቲ ደቁ ኣብ መሬት ትግራይ ዝሃልቁ ዘለዉ ህዝቢ ኤርትራኳ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ኤርትራዊት ኣትሌት ራሄል ዳኔል፡ ብ11 መስከረም 2022 ኣብ ኮሎምቢያ ከተማ ካሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ከም ዝተዓወተት ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።
ራሄል ዳኔል ነዚ ናይ 10 ሺሕ ሜትሮ ርሕቀት ወዲኣ ቀዳመይቲ ክትከውን ዝወሰደላ ግዜ 23 ደቓይቕን 23 ካለኢትን ምዃኑን ካለኣይትን ሳልሰይትን ኮነን ዝኣተዋ ኬንያውያን ተወዳደርታ ከኣ ሞኒካ ንጊገን ቬረኒካ ንያሩዋን ምዃነን ተፈሊጡ።
ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ኣትሌት ራሄል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2022 እውን፡ ኣብ ኔዘር ላንድስ ኣብዚ ናይ 10 ሺሕ ሜትሮ ርሕቀት ብኤርትራዊት ኣትሌት ወይኒ ቀላቲ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ-ወሰን ኣመሓይሻ ብ30 ደቓይቕ 39 ካልኢት ብምእታው ሃገራዊ ክብረ-ወሰን ከም ዝዓተረት እቲ ዜና ስፖርት ሓቢሩ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ኣብ ክልሉ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዘተ ንምፍታሕ የኽእል ዝበሎ መግለጺ ብ11 መስከረም 2022 ኣውጺኡ። ኣብቲ ብመንገዲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ፡ ድምጺ ጥይት ዘይሰምዓሉ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ኣድላይ ዘበለ ኣገልግሎትን ሰብኣዊ ቀረብን ዘይስእነሉ ኩነታት ክፍጠርን ተዛማዲ ሕሰማትን ስቓይን ክውገደሉን ጽኑዕ እምነቱ ምዃኑ ኣስፊሩ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ዘተኣማምን መስርሕ ሰላም ክቕጽል ከም ዝድግፍ ጠቒሱ፡ ሓባራዊ ህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ምባል ክካየድን በዚ ኣቢልካ ምቹእ ናይ ዘተ ሰላም ኩነታት ንምፍጠርን ብወገን ክልል ትግራይ ቅሩብነት ከምዘሎ ሓቢሩ። ምሉእ ብምሉእ ነቲ ጸገም ብሰላም ናብ ምፍታሑ ክብጻሕ ደጋጊሙ ክጽውዕ ከም ዝጸንሐ ከኣ ጠቒሱ። ናይቲ በይናዊ መግለጺ ምውጻእ ቀንዲ ዕላማ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ምርግጋጽ ምኹኑ ድማ ኣስፊሩ።
መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ክልል ትግራይ “ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ውጽኢታዊ መስርሕ ንጽበ ኢና” ምስ በለ፡ ኣብቲ መስርሕ ኣብ ርእሲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብኽልቲኡ ወገናት ተቐባልነት ዝረኸቡ ኣዛተይቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ምትእምማን ኣብ ምህናጽን ዝተበጽሓ ስምምዓት ኣብ ምትግብራርን ዝሕግዙ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ ከም ዝህልዉ ሓቢሩ። ኣብ ምውህሃድ እቲ መስርሕ ዝሕግዙ ኣማኸርቲ ከም ዝህልዉ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ እቲ መግለጺ ቀጻሊ፡ መፍትሒ ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብመንገዲ ዘተ ጥራይ ከም ዝመጽእ ንተኣማመን ኢና እውን ኢሉ።
ድሕሪ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ቀጺሉ ዘሎ ናብ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምብጻሕ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዘሎ ጸገም ብፖለቲካዊ ዘተ ምሉእ ብምሉእ ናብ ምፍታሕ ከም ዝብጻሕ ኣስፊሩ። ክልል ትግራይ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳአን ብእባልነት ዝርከብዎ ተዛታይ ኣካል ኣዳልዩ ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ።
ብወገን ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ ሓድሽ መግለጺ የለን። እንተኾነ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘይቅድመ ኩነታት ክዛተ ቅሩብ ምዃኑ ክገልጽ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘውጸኦ መግለጺ ነዚ ናይ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዘይቅድመ ኩነት ብኣላይነት ሕብረ ኣፍሪቃ ክዛተ ድልዊ ምዃኑ ደጊፍዎ ኣሎ። ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ንመርገጽ ክልል ትግራይ ደጊፉ፡ ከምቲ ልሙድ ንሓድነት ኢትዮጵያ ከም ዝከላኸል ኣነጺሩ። ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ነዚ ናይ ክልል ትግራይ መገልጺ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኤርትራን ካለኦት ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘጋድዱ ወገናትን ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ታሪኹ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ዘርዚርካ ስለ ዘይውዳእል፡ “ሰፍ ዘይብል” ኢልካ ዝምዝገብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መስዋእትነት’ዚ ዝኸፈለ ናይ ግድን ክበጽሖ ዝግበኦ፡ ኣማዕድዩ ዝርእዮ ሸቶ ስለ ዝነበሮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዘይሕሳብ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሱ ዝኸፈሎ ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ከምቲ ህግደፍ ቆንጢሩ ዘቕርቦ ዘይኮነ፡ ብዓቐን ኣዝዩ ገዚፍ ብዓይነት ከኣ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ነዚ ክቡር ዋጋ ክኸፍል ዘገደዶ ምኽንያት ምስጢር ዘይኮነ፡ ንገዛእቲ ስዒርካ ናጽነትን ልኡላውነትን ምርግጋጽ መተካእታ ስለ ዘይነበሮ እዩ። እቲ ብግቡእ ሓሲቡ ዘንቀሎ ዕላማኡ ቅኑዕ ስለ ዝነበረ ከኣ፡ እቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ኣውጺኡ ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ኮይና።
ህዝቢ ኤርትራ ብዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ዝተረኽበ ናጽነትን ልኡላውነትን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግር እምበር ብመንጽር’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ተሊሙ ዝነቐለሉ ናይ ቃልሲ ሕሳብ መዛዘሚ ኣይነበረን። እቲ ምኽንያት ንጹር እዩ፡ ብህዝባዊ ሓርነት ዝተሰነየ ብዘይምዃኑ እዩ። እቲ ኣርሒቑ ዝጥምት ህዝባዊ ዕላማ ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፡ እቲ ናይ ሓርነት ቃልሲ ክቕጽል ግድን ነይሩ። እነሆ ከኣ ኣንጻር’ቲ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ዝኸፈአ ወጽዓ ህግደፍ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ ንሓርነት እናበረኸ ይኸይድ ኣሎ። ቃልሲ ንሓርነት፡ ከምቲ ቃልሲ ንናጽነት ዝሓተቶ ዋጋ ስለ ዝተኸፍሎን ቅኑዕ ሕቶ ስለ ዝነበረን ዝተዓወተ፡ ዝያዳ ቃልስን ምሕሳብን ይሓትት እምበር ክዕወት ግድን እዩ።
ቃልስና ንናጽነት ፡ ነቲ ዝያዳ ዕጥቂ፡ ሓይሊ ሰብን ናይ ግዳም መንግስታዊ ሓገዛትን ዝነበሮ ሓይሊ መግዛእቲ ስዒሩ እዩ ተዓዊቱ። እቲ ዝሰዓረ ቃልሲ ኤርትራ ውሱን ዓቕሚ ግና፡ ፍትሓዊ ሕቶ ዝነበሮ እዩ። እዚ ተመኩሮ’ዚ ነቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብል ብግብሪ ዘግሃደ ተመኩሮ ጽንዓት ኮይኑ ዝተመዝገበን እዩ። ኣብዚ ሎሚ ምእንቲ ሓርነት ህዝብና ነካይዶ ዘለና ዝተሓላለኸ ቃልሲ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝጠለመ ንምክቶ ዘለና ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብዝን ካብትን እናላኸዐ ዝኣከቦ ናይ ዕጥቂ፡ ገንዘብን ሻራነትን ብልጫ ኣለዎ። ንኹሉ ጸጋታት ኤርትራ ገቢቱ ንህዝቢ ደፊኑን ኣድክዩን መሕለዊ ስልጣኑ የውዕሎ ምህላዉ’ውን ተወሳኺ ግዝያዊ ብልጫ ዝኾኖ እዩ። ምስዚ ኩሉ ሸፈጡ ግና ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ፡ ዓመጸኛ፡ ሻረኛ፡ ሸፋጢ፡ ኣግላሊ፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ ውሑዳት ጸረ ህዝቢ ዝዝውርዎን ዝብለጽሉን ስለ ዝኾነ፡ ኣንጻር ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓዋሩ ጠጠው ዝብለሉ ዓቕሚ የብሉን። እነሆኳ ኣብ ኤውሮጳ ከጋጥሞ ዝቐነየ ብደሆ ናይ ስዕረቱ ምልክት እዩ። ናብ ኤርትራ ናይ ምልሓሙ ዕድል ከኣ ውሁብ እዩ። ክሳብቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ ህዝብን ሃገርን ከም ዘድሚ ግና ኤርትራዊ ሃለዋት መስካሪ እዩ።
ገዛእቲ ኤርትራ ተሳዒሮም እምበር ፈትዮም ናጽነት ከም ዘይሃቡና እንርደኦ እዩ። ንሳቶም’ውን ብዝተወደበን ብዘይተወደበን ኣገባብ ዘይዕግበቶም ክነግሩና ጸኒሖም እዮም። ዕድል እንተዝረኽቡ ከምዘይድቅሱልና’ውን ርዱእ’ዩ። ብርግጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዋላ እንተሃረፍዎ ከውርድዎ ኣብ ዘይክእልሉ ሰንደቕ ተሰቒሉ እዩ። ኣብ ቅድሜና ምስ ዘሎ ሓርነት ህዝቢ ናይ ምውሓስ ዕማምና፡ ጉዳይ’ዞም ኣንጻር ናጽነትና ርእሶም ካብ ምንቕናቕ ዓዲ ዘይወዓሉ ኢትዮጵያዊ ወገናት ከነስተብህለሉ ዝግበኣና እዩ። ካብዚ ሓሊፍና ስኽፍታና ኣውዲቕና ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና ኮይና፡ ብፍላይ ኣብ ተሃዋሲ ሕርያ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሓይልታት፡ ከምዚ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ሃንደፍ ኢልና ምስኣቶም ክንዛመድ፡ ንሓዋሩ ኣይሕሰብንዩ’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ጥቡቕ ጥንቃቐን ምግንዛብን ዘድልዮ እዩ። ሓደ ነዚ ካብ እንቆጻጸረሉ መንገዲ ድማ ምስቶም ንናጽነትና ቅድም ዋጋ ዝኸፈሉ ክሳብ ሎሚ ድማ መንገዶም ዘይቀየሩ ኢትዮጵያዊ ወገናት ጥቡቕ ዝምድና ምግባር እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ምስቶም ናጽነትና ኣይተዋሕጠሎምን ዝበልናዮም ወገናት “ኣፍን ማንካን” ኮይኑ’ሎ። መሬትናን ባሕርናን ብዘይንጹርን ዘይግሉጽን ውዕላት ኣደዳ ወተሃደራዊ ኣራግጾም ገይርዎ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ህግደፍ ብዝኸፈተሎም ኣፍደገ ኣብ ክንዲ ኤርትራ ክምድሩን ክኽትሙን ተኸታቲልና ኢና። እዚ ኩሉ ክግበር እንከሎ ብወገን ህግደፍ መእረምታ ንክግበር ስምዕታኳ ዘይምቕራቡ ድማ ክሳብ ክንደይ ናጽነትናን ልኡላውነትና ከም ዝተደንደነ ዘርኢ እዩ።
ሎሚ’ውን እነሆ ህግደፍ ምስቶም “ድሕሪ ሑመራ ናብ ኣስመራ” ዘዝይሙ፡ ናጽነትና ዘይተዋሕጠሎም ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብቲ “ሰሜናዊ ዶብ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ እዩ” ዝብል ነበረያ ነበረ ጭረሖ ዘይወጹ ኢትዮጵያውያን ተሻሪኹ ደም መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ትግራይ የፍስስ ኣሎ። እቲ ንሕሳቡ ኩኑን ዝገብሮ እምበኣር ምስቶም ካብ ርእስና ዘይወረዱ ምትዕርራኹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻርቶም፡ ኣብ መትከል ምትሕግጋዝ ኣሚኖም፡ ካብ ግዜ ቃልስና ንናጽነት ጀሚሮም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ደሞም ዘፍሰሱ፡ ኤርትራ ብረፈረንደም ልኡላዊት ክትከውን እጃሞም ዘበርከቱን ንውጽኢት ረፈንዶም ቅድሚ ሰቦም ተቐቢሎም ንልኡላውነትና ኣፍልጦ ዝሃቡን ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፉ ይዋጋእ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ዝፈስስ ዘሎ ደም ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ዝባኽን ዘሎ ንብረትን ዝዝራእ ዘሎ ጽልእን ክሳብ ክንደይ ሕሳብ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ዘርኢ እዩ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግና ሕጂ እውን ምስ ህግደፍ ክታሃላለኽ ክብል መስመሩ ከይለቐቐን ኣብ ልኡላዊት ኤርትራ ዘለዎ መርገጽ ከይቀየረን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ተደጋጋሚ ስምዕታኡ የቕርብ ኣሎ።
ድሕር’ዚ ብ25 ነሃሰ 2022 ዳግማይ ዝተባረዐ’ሞ፡ ህግደፍ ኣብ ጐኒ ናይ ኣምሓራ ፋኖ ተሰሊፉ ብወግዒ ዝሕንብሰሉ ዘሎ ውግእ፡ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ንምንዋሕ ክብሃል ብኹሉ መዐቀኒ ኣሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ናብ ዘይዛሪ ቂምን በቀልን ንክኣትዉ ህዝቢ ኤርትራ ክፈቅድ ኣይግባእን። እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ምሕላይን ፅቡቕ ካብ ምምናይን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር እውን ክምዘን ዘለዎ ውራይ እዩ።“ ዝበሎ ምስትውዓሉ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ግን ምስ ገለ ኤርትራውያን ኮይኖም ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘዳኽሩን ክምከቱ ዝግበኦምን ተጋሩ ባእታታት የለዉን ማለት ኣይኮነን።
ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኣምሓራ ፋኖ ተመሓዝዩ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ውግእ ትግራይ ከህልቖም እንከሎ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝወጠኖ ሕሳብ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራኸ ናቱ ናይ ድሕነት ሕሳብ ድዩ ክውጥን ወይስ በቲ ናይ ህግደፍ ሕሳብ’ዩ ክጸድፍ? ብኣፍልጦን ሓላፍነትን ክሓስበሉ ኣብ ዝግበኦ ወሳኒ መድረኽ እዩ ዘሎ እሞ፡ “ዘይሓስብ ኣይንገድኳ ዝበሃል” ክብል ንጽወዖ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገን ክልል ትግራይኳ ተቐውሞ የጋጥሞም እንተሃለወ፡ ዕድመ ሓላፍነት ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወዲ 85 ዓመት፡ ናይ ቅድም መራሒ ናጀርያ ኦሊሰጎ ኦባሳንጆ ከም ዘናወሐ ናይቲ ሕብረት ኮሚሽን ኣቦመንበር ሙሳ ፋቒ መሃማት ከም ዝሓበሩ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር ኣፍሊጣ።
ኮሚሽነር ሙሳ ፋቒ ነዚ ዘፍለጡ ኣቐዲሞም ምስቶም ፍሉይ ልኡኽ ተዘራሪቦም ብ10 መስከረም 2022 ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ምዃኑ ተፈሊጡ። ሙሳ ፋቒ ኣብቲ መግለጺኦም ሕጂ እውን ኣብቶም ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎም ጠቒሶም።
ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዝገብርዎ ልዝብ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ሓላፍነቶም፡ ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ውግእ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከካይድዎ ንዝጸንሑ ስረሓት ንኢዶም። ኣብ መጻኢ ድማ ምስ ዝምልከቶም ዞባውን ዓለም ለኻውን ኣካላት እናተሓባበሩ ስረሖም ክቕጽሉ ከም ዘተባብዕዎም እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናጀርያዊ ኦባሳንጆ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍትሕ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብተደጋጋሚ ክመላለሱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እውን እቲ ጉዕዞ ሰላም ዘገምታዊ ኮይኑ፡ ናይ ምዕዋት ዕድል ከም ዘለዎ ገሊጾም ነይሮ። እንተኾነ ከምቲ ትጽቢቶም ኣይኮነን።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብፍላይ ብወገን ትግራይ ኣብቶም ፍሉይ ልኡኽ ኮነ ኣብቲ ዝመዘዞም ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከም ዘየብሉ ክገልጽን ናብ ፍደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘዳልዉ ክኸሶምን ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ብወገን ክልል ትግራይ እቲ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም፡ ኣብ ክንዲ ብፍሉይ ልኡኽ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓላፍነቶም ብምርጫ ንዝተዓወቱ ብዘረከቡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር እሁሩ ከኒያታ ክምራሕ እሞ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ዓረብ ኢመረትን ድማ ክሳተፍዎ መጸዋዕታ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ውግእ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብሰላም ክፍታሕ ዝነበሮ ተስፋ ተኾሊፉ፡ ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ ይቕጽል ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ድማ ከምቲ ቀደሙ ብብዙሕ ኩርነዓት ብምሉእ ዓቕሙ ተሳትፎኡ ኣብቲ ውግእ ይቕጽል ኣሎ። ምስዚ ግና ሕጂ እውን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ናይ ምቅርራብ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ። እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ኣሚሪካ ኮነ፡ በቶም ኣብቲ ሓያል ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ አየለን።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ8 መስከረም 2022 ብደቂ ኣንስትዮ ዝተወደበን ንሰላም ዝጽውዕን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዘቤታዊ ጸዋዒት ሰላም ኢትዮጵያውያን ነቲ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ብሰላም ክፍታሕ ዝጠልብን ተበግሶታት ተወሳኺ ዓቕሚ ከም ዝኸውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወደባ ኢትዮጵያውያን ትካላት፡ መርበብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ፡ እስትራተጅያዊ ተበግሶ ደቂ ኣንስትዮ ቅርኒ ኣፍሪቃን ቲምራን ዝተባህለት ማሕበርን እየን። እዚ በዘን 3ተ ናሕበራት ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ድላይነት ሰላም፡ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ብሰንኪ ውግእ ዝኽተል ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዘንጸባርቑ ጭረሓኦታት ሒዙ ከም ዝወጸ እቲ ዜና ኣስፊሩ። ካብቲ ጭረሖታት “ ብውግእ ዝፍታሕ ዘይምርድዳእ የለን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዓውዲ ውግእ ኣይኮናን፡ ውግእ መሳርሒ ዕቤት ዘይኮነ፡ ጠንቂ ጥሜት፡ ስደትን ዕንወትን እዩ” ዝብሉ ከም ዝርከብዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መጸዋዕታ ሰላም፡ ምስቲ 35 ኢትዮጵያውያን ሲቪል ማሕበራት ብ7 መስከረም 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣክይደን ብዘውጸአኦ መግለጺ ዘቕረበኦ ተመሳሳሊ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ካለኣይ ተበግሶ እዩ። እተን 35 ሲቪል ማሕበራት ብደረጃ ኣኼባ ኣብ ዘንጸባረቐኦ መጸዋዕታ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ሰላም ንክሰፍን ውግእ ጠጠው ክብል፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ በዂሩ ዘሎ መሰረታዊ ቀረባት ናብ ንቡር ክምለስን ኣብቲ ዓሌታዊ ውግኣት ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን ዝብሉ ህጹጻት ጠለባት ተንጸባሪቖም እዮም።
እዚ ተበግሶታት ሰላም ኢትዮጵያውያን ዝረአ ዘሎ፡ ነቲ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ጠጠው ኣቢልካ ናብ መስርሕ ሰላም ንምእታው፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃን ካለኦት ዲፕሎማትን ምስ ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ጽዑቕ ርክባት የካይዱ ኣብ ዘለውሉ እዩ።
ኣቦ-መንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ንዝፈጸመቶ ገበን ብወግዒ ይቕረታ ክትሓታ ብ6 መስከረም 2022 ከም ዝጸውዑ ሬድዮ ድባንጋ/ DBANGA ኣቃሊሓ። እቶም ጀነራል ኣብዚ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ብምክትል ፕረሲደንት ልኡላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰዳን ጀነራል መሓመድ ሀመቲ ዳጋሎ ዝእዘዝ ሓይልታት ህጹጽ ረዲአትን ሕድሕዶም ክዋግኡ እዮም ዝብል ወረ ሓሶት ምዃኑ ሓቢሮም።
እቶም ጀነራል ነዚ ዝገለጹ መበል 124 ዓመት ዝኽሪ ኣብ መንጎ ሱዳናዊ ሓይልታት ማህድን ሰራዊት ዓባይ ብሪታንያን ዝተኻየደ ውግእ ካራሪ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምዃኑ እታ ዘይመንግስታዊ ሬድዮ ሓቢራ። ኣል ቡርሃን ንናይ ሽዑ ተግባር ብሪታንያ፡ ዘሕትትን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ገብንን እዩ ኢለሞ። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ እዋንቲ “ሓይልታት ብሪታይን፡ ድሕሪቲ ውግእ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልታት ቀጻሊ ቅትለትን ማሕረድትን እዮም ፈጺሞም” ክብሉ ገሊጸሞ። እቲ ተግባር ማዕረ ህልቂትን ምጽናት ዘርእን ከም ዝረአ ድማ ኣብቲ መደረኦም ገሊጾም። ውግእ ካረሪ ብ2 መስከረም 1898 ካብ ከተማ እምዱርማን ንወገን ሰሜን ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝተኻየደ እዩ።
ብ2008 በቶም ሎሚ ካብ ስልጣን ወሪዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ዑመር ኣልበሽር ናብ ዓባይ ብሪታንያን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ኣብ ሱዳንን ካለኦት ሃገራትን ንዝፈጸመኦ ጨፍጫፍ ይቕረታ ክሓታን ሽዑ ዝሰረቐኦ ንብረት ከመልሳን መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እንተኾነ ብውገን ዓባይ ብሪታንያ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ መልሲ የለን።






The case of Eritrea shows that totalitarian systems are inherently toxic, and that no amount of “engagement” will change them.
The case of Eritrea shows that totalitarian systems are inherently toxic, and that no amount of “engagement” will change them.
Source The Atlantic
By Steve Walker
SEPTEMBER 5, 2022
There was only one surprise in the vote tally for a United Nations General Assembly resolution in March condemning Russia’s unprovoked invasion of Ukraine. As a wholly owned Vladimir Putin subsidiary, Belarus naturally followed instructions from headquarters; Syria’s “no” vote was repayment to the capo dei capi in Moscow for his regime-saving military support; and of course North Korea voted no. But Eritrea? Why would a little country in the Horn of Africa with no significant ties or obligations to Russia choose, at such a highly charged geopolitical moment, to give the finger to established norms of international behavior, in the process incurring irreversible reputational damage while seemingly gaining nothing?
The case of Eritrea is worth considering because, like Russia’s invasion of Ukraine, it reminds us of a lesson the West should not forget as it navigates“post-truth” geopolitics: that totalitarian systems are inherently toxic and by their very nature destabilizing, and that no amount of “engagement” will change them.
I,like all first-time visitors to Eritrea’s capital, was charmed by Asmara when I arrived as the new chief of mission at the U.S. embassy in 2019. The streets are immaculate; thanks to its Art Deco architecture, a living legacy of the Italian colonial period, the city is a UNESCO World Heritage Site; the weather is perfect.
But in truth Eritrea is a human-rights house of horrors. Dissent is illegal. There is no independent press. Under compulsory, indefinite national service, citizens are conscripted or assigned to civilian jobs. The country has never held a national election. Eritreans live in a state of perpetual fear: Secret police and informers proliferate; arrests are arbitrary; citizens are routinely detained but not told on what charge, and the lucky ones who are released are given no reason for their freedom and are told to keep silent. Thanks to “revolutionary” economic policies, Eritrea is poor, has no infrastructure to speak of and thus no realistic hope for economic development, and is chronically food insecure. Before the coronavirus pandemic and the conflict in northern Ethiopia made cross-border travel impossible, hundreds of Eritreans fled their country every day.
From the May 1988 issue: The loneliest war
The regime’s desire for total control—“social mobilization” justified by an eternal state of emergency—pervades all sectors of Eritrean society. Citizens wishing to go abroad must get an exit visa; those traveling within the country must have “circulation papers” and produce them for armed soldiers at checkpoints along the way. There are four recognized religions; all other worship is illegal. Eritreans are allowed to withdraw only the equivalent of $330 a month from their bank accounts, and they must do this in person at bank branches because there are no ATMs in Eritrea and online banking does not exist. I wanted to visit a privately owned dairy last spring but was told that this would require a written invitation from the dairy, which then had to be sent to the Ministry of Agriculture for approval, then sent to the Ministry of Foreign Affairs, which would decide whether to issue a travel permit. Evil may be banal, but in Eritrea, it is also ridiculous.
Eritrea didn’t exist when Jeane Kirkpatrick, a former diplomat and political scientist, wrote her classic “Dictatorships and Double Standards,” but the pariah state that today haunts the Horn of Africa confirms her essay’s contention that totalitarian systems are more pernicious than authoritarian ones, ideologically constructed in a way that precludes liberalization, and inevitably destabilizing. I read Kirkpatrick’s essay in graduate school. I forgot its important lessons.
Instead, I recall with not a little embarrassment that I arrived in Asmara eager to “constructively engage” and optimistic that, through hard work and patience, I could improve ties between the U.S. and Eritrea. I was not alone in this newbie enthusiasm: Many a diplomat accredited to Eritrea has arrived brimming with energy and ambition only to depart a few years later frustrated, exhausted, and with little to show in terms of tangible achievements. My time in Eritrea was eventful, encompassing the coronavirus pandemic, the civil-war-like conflict in northern Ethiopia, and a drastic deterioration in our bilateral relationship. The experience was an education in the unique challenges that totalitarian systems pose. As a foreign-policy practitioner, I arrived at a number of conclusions about dealing with totalitarian states that are, in essence, a set of practical diplomatic corollaries to Kirkpatrick’s conceptual framework. (These represent my own views, not necessarily those of the Department of State.)
1: Diplomatic engagement with totalitarian states is futile. The Eritrean regime loves to “engage”—to participate in and publicize talks and meetings that give the impression of openness and reasonability. During these interactions, however, Eritrean officials make clear to their foreign interlocutors that the regime will, as they told one of my colleagues, “compromise on process but not on principles.” In other words, you can “engage” indefinitely, but nothing is going to stop the regime from terrorizing and impoverishing its people, or destabilizing the region. (It has for decades intervened in, or triggered, conflicts and civil wars in neighboring states.) There is a natural tendency among diplomats, in Washington and elsewhere, to favor engagement. This is understandable, but potentially dangerous because engagement, if not carefully calibrated, risks legitimizing totalitarian regimes. The U.S., like-minded countries, and the UN should continue to deal with Eritrea, and even cooperate on issues of mutual interest, but this should be tactical interaction subordinate to a strategic appreciation that the regime is inimical, if not hostile, to our interests and values.
2: We should support oppressed populations by acknowledging their lived reality. Totalitarian regimes aren’t satisfied with political control. They demand the pervasive control that can only come by determining the “truth.” According to the carefully curated narrative propagated by the Ministry of Information, Eritrea is an African David engaged in a righteous fight for its dignity and survival against a U.S.-led Western Goliath that “weaponizes” human rights. In this telling, the government and people, united as one, have achieved social justice, national self-reliance, and ethnic and religious harmony. In fact, Eritrea is a human-rights-abusing geriatric dictatorship dominated by Tigrigna Orthodox Christians that is totally dependent on borrowing from foreigners. The U.S. may not be able to rescue the Eritrean people, or any other people living under totalitarian dictatorships, but by providing accurate information and diverse views, it can empower them by thwarting regime efforts to control perception. Many Eritreans have told American diplomats that our human-rights advocacy has given a voice to the voiceless. That is what American diplomacy should seek to do. To its credit, the Biden administration recognizes this. Speaking in Pretoria on August 8, Secretary of State Blinken stressed the U.S. commitment to work with African “partners to tackle 21st century threats to democracy like misinformation, digital surveillance, [and] weaponized corruption” through diplomatic support, including hosting the African Leaders Summit this December, as well as financial assistance under the bipartisan Global Fragility Act, which provides $200 million annually to promote reform and good governance in conflict-prone areas.
3. Confrontation is necessary and appropriate. Totalitarian systems need to have an enemy; foreign (usually Western) hostility justifies their repression. We should unapologetically but not hostilely counter totalitarian regimes’ efforts to propagate misinformation, legitimize their repression, and misrepresent Western policies. I decided last fall that we had for too long given the Eritrean propaganda machine a free pass. This neglect had normalized the regime’s human-rights abuses and propaganda. We began countering the regime’s disinformation, especially anti-American propaganda emanating from the information minister’s Twitter feed, on our embassy Facebook page. Public diplomacy typically seeks to focus on “positive” stories. In the case of totalitarian regimes, we should not be fearful of disciplined confrontation. In Eritrea, that approach worked.
4.Totalitarian states are inherently destabilizing and should be isolated and contained. Totalitarian regimes are cancers in the international body politic. It is in their DNA to metastasize. Eritrea is a regional menace. Its decades of destabilizing belligerence—including the Hanish Islands dispute with Yemen in 1995; interference in the Second Sudanese Civil War in 1996–98; the border war with Ethiopia in 1998–2000; border skirmishes with Djibouti in 2008; and alleged assistance to the terrorist al-Shabaab group in Somalia in the mid-2000s—led to UN sanctions in 2009 and 2011. Eritrea’s current military involvement in the conflict in northern Ethiopia, during which Eritrean forces have reportedly lootedand committed horrific human-rights abuses, including sexual violence, against civilians, has complicated efforts to stop the fighting and exacerbated an already dire humanitarian crisis. We must accept that with totalitarian regimes, aggression is a question of when, not if, and tailor our diplomatic approaches and calculations accordingly. Our current Eritrea policy of sanctions and isolation is a good template for dealing with totalitarian regimes. We may not be able to stop their aggression, but we can try to contain it.
The answer to the question I opened with—why did Eritrea vote “no” on the UN resolutions condemning Russia’s invasion of Ukraine, a vote that the information minister, out-Orwelling Orwell, described as “a demonstration of [Eritrea’s] uncompromising stand for peace”?—is that it wanted to punish the U.S. for American sanctions imposed on Eritrea last fall when diplomatic engagement failed to persuade the regime to withdraw its forces from northern Ethiopia. That this came at the expense of fundamental international principles, contradicted Eritrea’s previous public positions, and confirmed Eritrea’s pariah status appears not to have mattered to the Eritrean leadership. This is another aspect of totalitarian regimes: Many are led by mercurial, paranoid, and grievance-nursing sociopaths. Our expectations of success in engaging with people like this should be modest.
The point I’m trying to make here is that totalitarianism is still with us, and still evil. The assumptions that underpin traditional notions of diplomacy as the collegial resolution of competing interests do not apply to totalitarian states. My time in Eritrea taught me that confrontation, and not compromise, is the best approach when dealing with these kinds of regimes.
From the December 2021 issue: The bad guys are winning
We diplomats like to think that no problem is too big that it can’t be managed by thoughtful engagement and negotiation. Often that approach is the right one. But it won’t work with the Eritreas of the world. We need to be intellectually prepared for the coming challenges of the emerging international dynamics. When someone shows you who they are, Maya Angelou once warned, believe them the first time. As Russia’s invasion of Ukraine wakes us up to the continuing relevance of the lessons we learned during the Cold War, we would all do well to heed her advice.
Steve Walker is a former chief of mission at the U.S. embassy in Asmara, Eritrea.