ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ  ቁጠባዊ ልምዓት ንክቕጽል፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ትግራይ ዝበጸሓቶ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ከም ዝግበኣ ኣሚሪካዊት ላዕለወይቲ ሓላፊት ኣፍሊጠን።

 እተን ከምዚ ዝበለ መግለጺ ዝሃባ ሓላፊት፡ ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ሞለ ፊ እየን። ንሰን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ብዛዕባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ መብርሂ ክህባ እንከለዋ፡ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተሓቲተን መልሲ ኣብ ዝሃባሉ እየን። ኣብቲ መልሰን ኢትዮጵያ በቲ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ሃገራ ከተውጽእ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተሰማሚዓቶ ዘላ መሰረት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሃገራ ከተውጽእ ይግበኣ ኢለን።

ብመሰረት ናይተን ኣሜሪካዊት ዲፕሎማት መግለጺ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ እንተዘይወጺኡ፡  መንግስቲ ኣሜሪካ ዝነበሮ  ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ናይ ልምዓት መደባትን ክቕጽል ከምዘይኮነ ኣፍሊጣ። ብፍላይ ኣብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ትባሂሉ ዝወጸ ኣጎዋ ዝበሃል፡  ፍርያት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይቀረጽ ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ክቐርብ ዝፈቅድ ፕሮግራም ኢትዮጵያ ዝነበራ ሓለፋ ዳግማይ ክወሃባ፡ ብባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብን ዝወሃባ ሓገዝ ክቕጽልን እንተኾይኑ፡ ኣብ ግብራውነት  ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝምርኮስ እተን ኣሜሪካዊት ዲፕሎማት  ሞለ ፊ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ካብ ትግራይ ናይ ምውጻእ ኣብያ፡  ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ወሃብ ቃል ዶ/ር ለገሰ ቱሉ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት “ሰራዊት ኤርትራ ኮነ ፍሉይ ሓይልን መሊሻን ኣምሓራ ካብ ትግራይ ዝወጹ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ድሕሪ ምፍተሖም እዩ” ዝብል መግለጺ ምሃቦም ኣብ ልዕልቲ ስምምዕ ተጽዕኖ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ።

\

ኣብታ ብሕታዊት መንግስታዊት ተለቪዥን ኤርትራ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ይስሃቅ መሓሪ ከም ዝተኣስረ፡ ሬድዮ-ኤረና ብ19 ሕዳር 2022 ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ሓቢራ። ይስሃቕ ማሓሪ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ካብ ግዱድ ውትህድርና ዝተሓብአ ወዱ ስለ ዘየረከበ ምዃኑ እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ወዲ  መሓሪ ዝተሓብኣሉ ምኽንያት፡ ከምቲ ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት  ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ግድዱ ውትህድርናን ተሳትፎ ኤርትራ  ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ  ውግእ ኢትዮጵያን  ብምቅዋም ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። ብሰንክዚ ቤተሰብ ይስሃቅ መሓሪ ካብ መንበሪ ገዝኦም ክወጹ ተገዲዶም ከም ዝነበሩ እውን ኣብቲ ካብ ትዊተር ዝተረኽበ ሓበሬታ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ስድራቤታት ኤርትራ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ደቅኹም ናብ ውትህድርና ኣየረከብኩምን ብዝብል፡ ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ይእሰሩ፡ መንበሪ ኣባይቶም ይዕጾውን ንብረቶም ይውረስን ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

Sunday, 20 November 2022 01:04

Dimtsi Harnnet Sweden 19.11.2022

Written by

ምስሊ ካብ ቢቢሲ ናይቲ በቲ ባርዕ ዝዓነወ

ኣብ ሱዳን: ተጋሩ ዝተዓቖብሉ መደበር ስደተኛታት ኡምራኩባ ብ15 ሕዳር 2022  ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ዝደተኛታት ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉ ቢቢሲ/BBC ንናይቲ መደበር ምክትል ኣማሓዳርን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያትን መምህር  ኣሉላ ወልደጊዮርጊስ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ኣብቲ መደበር ቅድሚ ሎሚ’ውን ብተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ከም ዘጋጠመን ብፍላይ ብ8 ጥሪ 2022 ኣብ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ባርዕ 67 ህዝያዊ መጽለሊ ኣባይቲ ዓንዮም 175 ስደተኛታት ብዘይመጽለሊ ተሪፎም ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ባርዕ ካብቲ መደበር ብፍሉይ መጸውዒኡ “ቁጽሪ-3” ኣብ ዝተባህለ ኩርናዕ ብዘጋጠመ 51 ብቴንዳን ዕንጸይትን ዝተስርሑ ኣባይቲ ዓንዮም 130 ሰባት ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉ እቲ ዜና ገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በቲ  ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዘጋጠመ ጉድኣት ከምዘየለ፡ እንተኾነ ኣብቲ ዝነደደ ኣባይቲ ዝነበረ ሰነዳት፡ ክዳውንትን ካልእ ንብረትን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝነደደ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ምክትል ኣማሓዳሪ ናይቲ መደበር ስደተኛታት መምህር ኣሉላ ወልደጊዮርጊስ ናይቲ ሓደጋ ጠንቂ እንታይ ከም ዝኾነ ይጻረ ከም ዘሎ ተቒሱ፡  ናይቲ ግዝያዊ ኣባይቲ ኣቀማምጣ ዝተተሓሕዘ ምዃኑ ምኽንያት ናይቲ ባርዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሚቱ፡ እቲ ሓዊ ካብ ሓደ ገዛ ከም ዝተላዕለ ኣፍሊጡ። ነብርቲ እቲ መደበር ንመስርሒ ገዘ ኢሎም ዝእክብዎ ሳዕረን ንበምሰሊ መግቢ ዝቕርብዎ ዕንጸይትን ነቲ ባርዕ ከም ዘጋድድዎ’ውን ኣብቲ ዜና ተገሊጹ።

ኣብዚ መደበር ስደተኛታት ብ28 ለካቲት 2022 ብዝተኻየደ ምምዝጋብ መሰረት፡ 19, 189 ስደተኛታት ከም ዘለዉን፡ ድሕሪዚ ሓድሽ ባርዕ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓደስቲ መጽለሊ ቴንዳታት ይተክል ከም ዘሎን ካብቲ ካብ ቢቢሲ/BBC ዝተረኽበ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ከም’ቲ ዓሳ ካብ ማይ ወጺኡ ክነብር ዘይክእል፡ ህግደፍ’ውን ብዘይ ህወከትን ዓመጽን ክነብር ዘይክእል ጉጅለ እዩ። ኩነታት ሰላም ክኸውን እንከሎ ዓቕሉ ስለ ዝጸቦ፡ ህውከት ክዘርእን ዘራጊ መኻይዲ ከናድን እዩ ዝሃልኽ። ኣብቲ ናይ ”ኣጻልኡና” ወፈራኡ፡ ሰላማውን ናይቶም ንህውከት ዝዕድሞም ሓላይን ተገዳስን መሲሉ እዩ ዝቐርብ። ዋላ ግዝያዊ ይኹን እምበር፡ ኣብ በበይኑ ግዜ በዚ ዘታለሎም ወገናት ብዙሓት እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ጌና ግዳይ ምትላሉ ካብ ምዃን ዘይተናገፈ ዘይኢዱ ዝረኸበ እዩ።  እንተኾነ ምትላል ቀጻሊ ዕምሪ ስለ ዘየብሉ፡ ዝፈሸሉ ውዲታት ህግደፍ ብዙሓት እዮም። ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ጀሚሩ ህግደፍ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሰልፊ ብልጽግናን ፈጢርዎ ዝጸንሐ ናይ ህውከትን ውዲትን ጽምዶ እውን ከምቲ ካልእ ውዲታት ዝበለዐ ምስ በለዐ  ዘይተርፍ ፍሽለት ዘንጸላልዎ ዘሎ ይመስል።

ከምቲ “ቁሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ክዱናት፡ ዕሩቓትከ ንሳቶም ደኣ ትሑዛት” ዝበሃል፡  ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ናበይ ከይከደኒ ብዝብል፡ ኣብ ከባቢ ኤርትራ ዘሎ ዞባዊ ፖለቲካዊ ሃዋህው ናብ ምብካል ካብ ዝዋፈር ነዊሕ ግዜ ኮይንዎ ኣሎ። ኣንጻር ሓደ ጽልኢ ይጽሕትር ናብኡ መኻይዲ ዝኾኖ ንምርካብ ድማ በቲ ናይ “ኣጻልኡና” ባህሪኡ መጣፍእቲ ንምርካብ ዳምዳም ይብል። እቲ ዝኣጐዶ ሓዊ መስርሑ ወዲኡ ክጠፍእ ምስ ጀመረ ከኣ፡ ካልእ ሓዊ የሳውር። ኣብዚ ዕንክሊል ንኣጀንዳ ኤርትራ ሓንሳብ ምስ ራሕረሖ ኣይዝክሮን። ከምኡ እንዳበለ ከኣ ካብቲ መንገዲ ጥፍኣት ከይወጸ የኹድድ። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ መቃድሾ ምስ ኣልሸባብ ብምድንጋጽ ክሳብ ኢትዮጵያ ኢዱ  ብምስዳዱ ዞባዊ ስግኣት ኮይኑ ተባሂሉ፡ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ተወሲንዎ ነይሩ። እነሆ ድማ ሎሚ ምስቲ ሓድሽ መራሒ ሶማሊያ ተዓራሪኹ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ምሕማስ ምእንቲ ክጥዕሞ “ኣንጻር ኣልሸባብ ምሳኻ ሓቢረ ክስለፍ እየ” ዝብል ማይ ዘይጠዓመ ወግዒ ጀሚሩ። ምናልባት እውን ብኡ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኣሜሪካን ዘሎ ምቅርራብ መዝሚዙ፡ ምስሉ ኣብ ቅድሚ ኣሜሪካን ምዕራባዊ ዓለምን ናይ ምዕራይ ዘይሰምር ተስፋ ይህልዎ ይኸውን።

ህግደፍ ቅድሚ 4ተ ዓመታት፡ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ብዝብል ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ውግእ ኣውጁ። ንብልጽግና ድማ ኣካል ናይቲ ዘይቅዱስ “ኣጻልኡና” ፖሊሲኡ ንክኸውን ብዝተፈላለዩ ሜላታት ኣረሳሲኑን መንገዱ ኣስሒቱን ኣብቲ ውግእ ጠቢስዎ። ብልጽግና ንዝተወሰነ ግዜ ከማኻኒ ድሕሪ ምጽናሕ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ኢዱ ንከእቱ ኣፍደገ ከም ዝኸፈተሉ ተኣሚኑ። ከምቲ “ውሕጅሲ እናስሓቐ  ይወስደካ” ዝበሃል ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዲቕ ዝበለ ኣዕናዊ ውግእ ኣትዩ መዛረቢ ዓለም ምስኮነን እቲ ጸገም ብውግእ ከምዘይውዳእ ምስ ተረደአን፡ ዕርክነት ምስ ህግደፍ ዘስዓበሉ መዘዝ ከስተብህል ዝጀመረ ይመስል። ድሕሪ ክንደይ ቁጽይጽይ ድማ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ስሙ ደኣ ኣይጠቐስ እምበር፡ ህግደፍ ካብ ትግራይ ይውጻእ ኢሉ ስለ ዝኣመነ ምፍታሕ ከበድቲ ብረት ሓይልታት ትግራይ ዝትግበር፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ብዘይካ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ መከላኸሊ ሓይሊ፡ ኣብቲ ቦታ  ዘለዉ ኩሎም ዕጡቓትን ምስወጹ እዩ ዝትግበር” ኢሉ ከቲሙ። እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተባሂሉ ዘሎ ብዘይውልውል ህግደፍ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ንህግደፍ ዝቐጽዕ ስምምዕ ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ንህዝቢ ትግራይ ኢሉ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእሱ ክብል እዩ ክድግፎ ዝግበኦ።

ሎሚ ተግባር ህግደፍ ንኤርትራ፡ ትግራይን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባዊ ርግኣት እውን ሓደገኛ ምዃኑ ተነጺሩ እዩ። ብሓፈሻ ምዕራባዊ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ፡ ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል፡ ሰነተራትን ዲፕሎማትን ኣሜሪካ መዓልታዊ ብዝበሃል ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣጐዝጒዞም ንህግደፍ ዝግስጽን ዘጠንቅቕን መግለጽታት የውጽኡ ኣለዉ። ብልጽግና እውን ጉዕዞ ምስ ህግደፍ ዘየዋጽእ ምዃኑ ተገንዚቡ ብረቂቕ ጥበብ “ሕማቕ ሰላምን ጽቡቕ ውግእን የለን” ብዝብል፡ ካብቲ ህውከተኛ መንገዲ ህግደፍ ኢዱ ይስሕብ ከም ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። ጉጅለ ህግደፍ ግና ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ኣዕናዊ መንገዲ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ስለ ዝበጸሐ፡ ኩነታቱ መዚኑ ካልእ ዝሓሸ መንገዲ ደሓን ክቕይስ እትጽበዮ ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ ምስ ብልጽግናን ገለ ሎሚ ጠጠው ኢሎም ክሓስቡ ዝጀመሩ ናይቲ ውግእ ኣስነቕትን ኣዕጠቕትን ኣካላትን ኮይኑ ዝኣጐዶ ውግእ ንድሕሪት ንከይምለስ፡ ነቲ ንዓኡ ብዘግለለ  ግና ውጽኢቱ ሕርሕራይ ገይሩ ዘላትሞ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ትግራይን ካብ ምዕንቃፍ ንድሕሪት ከምዘይብል ዘማትእ ኣይኮነን። እዚ እንተዘይተዓዊትሉ ድማ ሕጂኸ ምስ መን፡ ኣንጻር መንከ? ዝብል ሕቶ ከም ዝምህዝ ርዱእ እዩ። ድሮኳ ናይ ቀደም መሓዙቱ ኢትዮጵያዊ ጉጅለታት፡ በዓል ጉንበት-7ን ግንባር ሓርበኛታትን ዝኣረገ መዛግብቲ ብምግንጻል፡ ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖ ኣምሓራን ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ትግራይ (ደምሕት)ን “ምስውስው ክብል ጀሚሩ” ይበሃል። ዕድሚኡ እንተዘይሓጺሩ ድማ እቲ መከራ ከም ኤርትራ ንኢትዮጵያ እውን ከምቲ “ምስ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋልሲ ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል፡ ሰላማ  ብሰንኪ ህግደፍን ንሱ ዘታልሎምን ናይ ምዝራጉ ዕድል ክፉት እዩ።

ኣብ ከባቢና፡ ምጅማር ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000ን ምኽታም ውዕል ኣልጀርስን፡ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት “ኣይውግእ ኣይሰላም”፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ዝመርሖ ምምሕዳር ህግደፍን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምድና ምፍጣሩን ካላኦት ዓበይቲ ናይ መቐይሮ መድረኻትን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣይተጠቕመሎምን።  እነሆ ሎሚ ድማ ህግደፍ ብዝለዐለ ደረጃ ዝተዋሰኣሉ፡ ንዓለም ዘስደመመ ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ዘውረደ ውግእ ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ኣብ ቅድሚኡኳ ሓያል ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል  ብደሆ ዝጽበዮ እንተኾነ፡ ብሰላም ናይ ምፍታሕ ኣቕጣጫ ናብ ዝሓዘሉ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣቱ ኣሎ። ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ነቶም ሓደስቲ መድረኻት ህግደፍ እዩ ኣርዑት መግዛእቱ ከም መደልደሊ ክጥቀመሎም ጸኒሑ። ሎሚኸ ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ ህግደፍ ድዩ ከም መንጠሪ ናብ ካልእ መልክዕ ጭቆና ክጥቀመሉ? ወይስ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ኢና፡ ካብ ዝደቀስናዮ ተበራቢርና፡ ካብ ዝተረሓሓቕናዮ ተቐራሪብና፡ ኣብ ገዛእ ጉዳይና መሪሕ ግደ ክንጻወት ከም ዝግበና ተረዲናን ናይ ሓባር ቀዳምነትና ኣነጺርናን ነዚ መድረኽ ናብ ረብሓ ህዝብና ከነውዕሎ? ብጽሞና ንሕሰበሉ። እዚ ምስዘይንገብር ግና፡ እቲ ናብ ካለኦት ኣጻብዕትኻ ምቕሳር፣ ናባና’ውን ከም ዝምለስ ንገንዘብ። 

Thursday, 17 November 2022 23:01

Dimtsi Harnnet Kassel 17.11.2022

Written by

EPDP Magazines