ኣገደስቲ ነጥብታት፡ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ
2025-03-21 19:41:15 Written by EPDP Information Office Published in EPDP News Read 79 timesቀይሕ ባሕሪ ክፍለ-ዓለማት ኣፍሪቃን ኢስያን ዘራኽብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኣብ መንጎ ወሽመጥ ስዊዝ ካናልን ባብኤል-መንደብን ዘሳፍሐ፡ ምስ ህንዲ ውቅያኖስን ባሕሪ መዲተራንያን በተን ወሽመጣት ዘራኸብ ዓብይ ማያዊ ክፍሊ እዩ። ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስና ሃገራት፡ ብወገን ምዕራብ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኤርትራን ጅቡትን ክኾና እንከለዋ፡ ብምብራቕ ድማ ሳዑዲ ዓረብያን የመንን ከዋስነኦ እንከለዋ፡ እስራኤልን ዮርዳኖስ እውን ብውሱን ደረጃ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝራኸባ እየን።
ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ 2,250 ኪ.ሜ ንውሓት ክህልዎ እንከሎ፡ ጠቕላላ ስፍሓቱ ከኣ 438,000 ትርብዒት ኪ.ሜ እዩ። ንጐኒ ዘለዎ ንውሓት ከኣ ኣብቲ ዝገፈሐ ኣካሉ 355 ኪ.ሜ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝጸበበ ወገኑ ከኣ 26-29 ኪ.ሜ እዩ።
ንቀይሕ ባሕሪ ዘዋስና ሃገራት ካብቲ ገማግሙ ዝተፈላለየ ንውሓት ዘለዎ ማያዊ ክፍሊ ይውንና። በዚ መሰረት ብግምታዊ ኣሃዝ ብመዕቀኒ ኪ.ሜ፡ ሳዑዲ ዓረቢያ 2,640፡ የመን 1,906፡ ግብጺ 1,906፡ ሱዳን 853፡ ኤርትራ 1,151፡ ጅቡቲ 316፡ እስራኤል 273፡ ዮርዳኖስ ከኣ 26 ብጽሒት ኣለወን።
ናይቲ ባሕሪ ወነንቲ ሃገራት ነፍሲ ወከፈን እዚ ዝስዕብ ማያዊ ስፍሓት ይብጸሓን። ሳዑዲ ዓረቢያ፡ 186,392፡ ሱዳን 92,513፡ ግብጺ 91,279፡ ኤርትራ 78, 383፡ የመን 35, 861፡ ጅቡቲ 7,037 ትርብዒት ኪ.ሜ ይውንና።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተፈላለየ ስፍሓት ዘለወንን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዝህባን 521 ደሴታት ኣለዋ። ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ 10 ኣገደስቲ ወደባት ክህልዋ እንከለዋ፡ ንሳተን ከኣ፡ ወዳባት ጅዳ እስላማዊትን ያንቡን ናይ ስሳዑዱ ዓረቢያ፡ ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ናይ ኤርትራ፡ ወደብ ፖርት ሱዳን ናይ ሱዳን፡ ወደብ ስፋጋ ናይ ግብጺ፡ ወደብ ኢላት ናይ እስራኤል፡ ወደባት ሑደይዳን ዓደንን ናይ የመን፡ ወደብ ኣቃባ ድማ ናይ ዮርዳኖስ እየን።
ዝለዓለ ቁመት ቀይሕ ባሕሪ 2,250 ኪ.ሜ ክኸውን እንከሎ፡ ዝገፈሐ ጐኑ 355 ኪ.ሜ ኮይኑ፡ እቲ ዝጸበበ ከኣ 26-29 ኪ.ሜ እዩ። ናይ ትሕቲ ማይ መሬት (surface) ስፍሓቱ ድማ 438,000 ትርብዒት ኪ.ሜ እዩ። ማእከላይ (average) ዕምቆቱ 490 ሜትሮ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓመቐ ድማ 3,042 ሜትሮ እዩ። ምስዚ ኣስታት 40% ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ዕምቆቱ ትሕቲ 100 ሜትሮ እዩ። ማይ ናይ ምሕዝ ጠቕላላ ዓቕሙ 233,000 ኩቢክ ኪ.ሜ እዩ ይበሃል።
ማይ ቀይሕ ባሕሪ 4.1% ጨዋም ከም ዝኾነን ምስ ናይ ካለኦት ማያዊ ኣካላት ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ምዉቕ ምዃኑን ካብ ካለኦት ባሕርታት ፍሉይ ዝገብሮ እዩ። ምስዚ ዓቐን ጨው ግና ምስ ምዉታት ባሕርታት ዝምደብ ኣይኮነን። ናብኡ ዝፈሱ ወሓይዝ ስለ ዘየለዉ፡ ማይ ቀይሕ ወትሩ ጽሩይን ንመስተ ክውዕል ዝኽእልን እዩ። ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዓመት ብሓንቲ ሴንቲ ሜተር ዓቐኑ ከም ዝውስኽ እውን ይሕበር። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣስታት 1,200 ዓይነት ዓሳ ዝርከቡ ኮይኖም እቶም 10-20% ኣብ ካልእ ማያዊ ክፍሊ ዘይርከቡ እዮም።
ቀይሕ ባሕሪ ህንዳዊ ውቅያኖስን ባሕሪ መዲትራንያንን ብዘለዎ ናይ ምርኻብ ግደ ኣብ ኣህጉራዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ብፍላይ ከኣ ኤስያን ኤውሮጵን ንምርኻብ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ፡ ነቲ ብኣትላንቲክ ውቅያኖስ ኣቢልካ ዝግበር ነዊሕ ጉዕዞ ብፍርቂ ብምንካይ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። 12-15% ግሎባላዊ ንግዲ ከኣ ብቀይሕ ባሕሪ ይመሓላለፍ።
መዘከርታ፡ እዚ ሓበሬታዚ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ናይ ኣቐራርባ ምቕይያራት ከጋጥም ከምዝኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ።