ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘለውዎ ዝተፈላለዩ ክእለታት ዝዋፈር፡ ስራሕ ዘይንዕቕ፡ ብሃፈ-ጻምኡ ዝነብር፡ ኣብ ሕድሕድ ምትሕግጋዝ ዝኣምን እምበር፡ ዘይናቱ ዝምነ ሃካይን ዓመጸኛን ኣይነበረን ኣይኮነን። ምስ ምምጻእ መግዛእትን ንሱ ዘኸተሎ ምግፋፍ መሰላትን ርእሰ-ምምሕዳርን ግና፡ ካብቲ ዝወርዶ ዝነበረ መከራን ክቱር ወጽዓን ንምድሓን ጐኒንጐኒ’ቲ ቃልሱ፡ ከይፈተወ ብሓፈሻ ናብ ሃገራት ኣዕራብ፡ ብፍላይ ከኣ ናብ ጐረቤቱ ዝኾነት ሱዳን ክስደድ ከም ዝተገደደ ታሪኽ ኣመጻጽእ ስደት ኤርትራውያን ይሕብር።
ድሕሪቲ ብመሪርን ነዊሕን ቃልሲ ዝተረጋገጸ ነጻነት ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ስደት ዝጸንሐ ናብ ሃገሩ ዝምለስ፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ ሃገሩ ስልጣን ዝበሓተ፡ ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብቲ ናይ ቅድም ብዝኸፍአ ብሓፈሻ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብቲ ብብዝሒ ይነብር ኣሎ። ካብቲ ኣስታት 3.6 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ 600 ሺሕ ዝበጽሕ ኣብ ዝተፈላለያ 28 ሃገራት ይነብር ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘዳለዉዎ መጽናዕቲ የርኢ። ካብተን ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝነብሩለን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ጀርመን፡ ኡጋንዳ፡ ኢጣልያን ኣሜሪካን ብኣብነት ይጥቀሳ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብተን ዝነብረለን ሃገራት ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት እውን፡ ክንድቲ ኣብ ሃገሩ ከጋጥሞ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ግዱድን ደረቱ ዘይፍለጥን ውትህድርና፡ ምስዋርን ብዘይፍርዲ ማእሰርትን’ኳ እንተዘይኮነ፡ በዳህቲ ተጻብኦታት ኣይተፈልይዎን።
ካብተን ብዙሓት ኤርትራውያን ኣዝዩ መሪር ህይወት ዘሕልፉለን ዘለዉ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊቢያ፡ ደቢብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ እስራኤል፡ ቱርክ፡ የመንን ግብጽን ብኣብነት ዝጥቀሳ እየን። ናይቲ ጸገም ጠንቅታት ብዙሓት ክኾኑ እንከለዉ፡ ናይ እተን ሃገራት በቲ ንስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ዝምልከት ዝኸተማሉ ውዑላትን ስምምዓትን ዘይምምእዛዝን ህግደፍ ደድሕሪ’ቶም ኤርትራውያን እናሰዓበ ዝኣልሞ ውዲታትን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ይኹን እምበር፡ ናይ ገለ ኤርትራውያን ዘይጥንቁቕ ኣካይዳ፡ ብፍላይ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት’ውን፡ ግደ የብሉን ማለት ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።
እተን ኤርትራውያን ዝነብሩለን እሞ ምስ ህግደፍ ዘይቃደዋ ሃገራት፡ ንኩነታት ናይቶ ኣብኣተን ዝነብሩ ስደተኛታት በቲ ንህግደፍ ዝርእያሉ መዕቀኒ መዚነን፡ ኣብ ልዕሊኦም ጽልኢ ብምሕዳር ከምቲ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ዝበሃል፡ ሃሳዪ ስጉምትታት ክወስዳ ይረኣያ እየን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብዚ ግና ዝምድና መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ወጥሪ ከይበጸሓ እንከሎ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መደበር ኣለውምዋጭን ዝነብሩ ስደተኛታት ከጋጥሞም ዝጸንሐ ሕማቕ ኩነታትን ህግደፍ ይግደሰሉ ዘይምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምሕጓስ ኢለን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ዝገብርኦም ሃገራት’ውን ኣለዋ። ግብጺ ኣብዚ እዋንዚ እትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ናይዚ ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ።
ናይተን ሃገራት ስጉምቲ፡ እኩይ ተግባራት ህግደፍ ናብ ስደት እውን ዝኽተለካ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ከኣ ብደረጃ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ስደቱ’ውን ግዳይ ኣሉታዊ ሳዕቤን እቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝፍጽሞ ወጽዓ ካብ ምዃን ከምዘይድሕን ብግብሪ ዘርኢ እዩ። እተን ብቕንዕና መሰል ስደተኛታት ዘኽብራ ሃገራት’ውን ጸጥታአንን ናይ ህዝበን ድሕነትን ዘቐድማ ምዃነን ኤርትራውያን ክግንዘብዎን ኣካይደኦም ብኣኡ መሰረት ዝግዛእ ክኸውንን መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ጸጥታኻ ምኽባር ክበሃል እንከሎ ግና፡ ሃገራት ነቲ ዝተጻልኤኦ ህግደፍ ዝረኸባ መሲልወን ነቶም መሰሎም ክሕልዋሎም ዝግበአን ኤርትራውያን ብጃምላ ምእሳረን መፍትሒ ዘይኮነስ፡ ነዓኣተን’ውን ዘየርብሐንን ዘሕትተንን ምዃኑ ክግንዘባ ይግበአን።
ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ’ቶም ከም ሕጋዊ ስደተኛ ዝተመዝገቡ ክነሶም ኣብ ልዕሊኦም ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዘየቕስን እዩ። እቲ ዘሰክፍ ተግባራት፡ ብኣኽበርቲ ጸጥታ ክኸፍልዎ ዝግደዱ ዘይተኣደነ ገንዘብ፡ ብጃምላ ምእሳርን ብዘይድሌቶም ናብቲ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ህግደፍ ምምላስን ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝረአ ዘሎ ከኣ ነዚ የመልክት።
ኤርትራውያን ናይተን ከም ስደተኛ ዝነብሩለን ሃገራት ሕጊ ምኽባርን ናይ ህዝበን ባህሊ ምሕላውን ከምኡ ከኣ ምስቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነብር ህዝቢ ምስናይን ጽቡቕ ዝምድና ምፍጣርን መሰረታዊ ተደላይነት ከም ዘለዎም ክግንዘቡ ይግበኦም። እዚ ግና ብፍላይ ናይተን ብዝኾነ ደረጃ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳረን ዝነብር ናይ ወጻኢ ዜጋ መሰልን ክብርን ናይ ምኽባር ሓላፍነት ዘለወን ሃገራት ግደ ዝዝንግዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥ ሓያል ወጥሪ ከምዘሎ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዘኪርካ፡ ክኸውን ዘይግበኦኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዓይኒ እቲ መንግስቲ ከም ዝኣትዉ እትግምቶ እዩ።
ካብዚ ብምንቃል እዮም ድማ ኤርትራውያን ብኣካላት ጸጥታን ፖሊስን ኢትዮጵያ ከም ዝእሰሩን ናብ ኤርትራ ከም ዝስጐጉን ቀጻሊ ዜና ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3ተ ኤርትራውያን መንእሰያት ብፖሊስ ከም ዝተቐትሉ እውን መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ወጥሪ ክሳብ ዝቐጸለ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝውሰድ ማህሰይቲ ከምዘየቋርጽ ከኣ፡ ካብ ናይ 1998-2000 ውግእን ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ነቒልካ እትግምቶ እዩ። እቲ ናይ ሽዑ ጃማላዊ ማእሰርቲ፡ ምስጓጉን ምርሳይ ንብረትን ዘሕደሮ ኣሉታዊ ስንብራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝግባእ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እቲ ዝረአ ዘሎ ብስም ኤርትራዊ ዝውሰድ ጃምላዊ ስጉምቲ ደሓር ናብ ንቡር ኣብ ምምላሱ ዋጋ ዘኽፍል ጽልኢ ምፍጣር እንተዘይኮይኑ፡ መፍትሒ ከምዘየምጽእ ክርድእዎ ይግበኦም።
ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ትካል ሰብኣዊ መሰል ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ከምኡ እውን ምስቲ ጉዳይ ዝዛመድ ሓላፍነት ዘለወን ኣህጉራዊ ትካላትን ማሕበራትን ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፍጠር ቅልውላው ከሎ ጋና ከቕልብሉ ይግባእ። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ነቲ ጉዳይ ብመንጽር ምስ ህግደፍ ዘለዎም ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ምጥልላም ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ዝኸተመሉ ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ክህሉ ዝግበኦ ነባሪ ሰላማዊ ጉርብትና ክርእዮ ንጽወዖ። ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ “ኣበይ ኮይነ እንታይከ እገብር ኣለኹ?” ኢሎም ከስተውዕሉ ይግበኦም። ብሓፈሻ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ሓይልታት ለውጢን ዜናዊ ትካላቱን ድማ ኣብ ዝረኸብናዮም ኣጋጣሚታት ነዞም ግዳያት ድምጺ ክንኮኖም ይግበና።